እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብፌስቡክ ተታሊላ ኣብ መጻወድያ ‘ሕጹያ’ ዝኣተወት መርዓት
ሓንቲ ኣመሪካዊት ጓል-ኣንስተይቲ፡ ኣብ ፌስቡክ ንዝረኸበቶ ናይጀርያዊ ክትምርዖ ናብ ናይጀርያ ምስ ከደት፡ በቲ ናይጀርያዊ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኸውን ጆሆ ተታሒዛ ድሕሪ ምጽናሓ ፖሊስ ኣድሒኖማ።
እዛ ጓል 26 ዓመት ብዘይድልየታ ኣብ ከተማ ሌጎስ ኣብ ዝርከብ ሆተል'ያ ተዳጉና ነይራ።
እቲ ጥርጡር ችኩብካ ኦቢኩ ዝተባህለ ወዲ 34 ዓመት ኮይኑ፡ ናይዛ ግዳይ ናይ ባንኪ ካርድታትን ናይ ጥሮታ ገንዘብን ተቖጻጺርዎ ከም ዝነበረ ይግለጽ።
ኣብ ውሽጢ 15 ወርሒ ድማ፡ ከባቢ 48,000 ዶላር ተወሲዱዋ። እዛ ግዳይ፡ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝነበረት ጥሮተኛ እያ ነይራ።
እቲ ናይጀርያዊ፡ ሽም ናይታ ግዳይ ተጠቒሙ፡ ካብ መሓዙታን፡ ወጻእተኛታትን ከምኡ'ውን ካብ ኩባንያታት ገንዘብ ክረክብ ከም ዝከኣለ ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ።
እዛ ኣመሪካዊት ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ናብ ናጀርያ ድሕሪ ምእታዋ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ድማ ንችኩብካ ተመርዒያቶ።
ድሕሪ እቲ መርዓ፡ ንኣስታት 16 ወርሒ ብዘይፍቓዳ ኣብ ሆተል ተታሒዛ ነይራ።
ፖሊስ ካብ 'ሓላፍነታዊ ዜጋ' ዝበልዎ ውልቀሰብ ሓበሬታ ምስ ረኸቡ፡ ነታ ጓል-ኣንስተይቲ ከድሕንዋ ከምዝኸኣሉ ኣብ ዘውጽእዎ ሓበሬታ ገሊጾም።
እቲ ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘሎን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብኢንተርነት ዚፍጸም ገበን ከም ዝምስረተሉን ተገሊጹ'ሎ።
ኣብ ናይጀርያ "ያሁ ቦይስ'' ተባሂሎም ዝጽውዑ ንሰባት ብመገዲ ኢንተርነት ኣታሊሎም ሚልዮንናት ዶላራት ከም ዝሰርቑ ይግለጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ ሓንቲ ፊሊፒናዊት ኣብ ፈይስቡክ ንዝረኸበቶ 'ሰብኣያ' ክትረክብ ናብ ናይጀርያ ድሕሪ ምኻዳ፡ ብዘይድልየታ ን6 ኣዋርሕ ድሕሪ ምትሓዛ፡ ብሓገዝ ፓሊስ ናጻ ወጺኣ።
ብኸመይ እዮም ንሰባት ብመገዲ ኢንተርነት ዘታልሉ?
- ሓደ ውልቀሰብ ብኢመይል ገንዘብ ንምስግጋር ደገፍኩም ክሓትት ይኽእል
- ኣብ ሃገረይ ፖሎቲካዊ ሕንፍሽፍሽ ወይ ባህርያዊ ሓደጋ ስለ ዘሎ ነቲ ገንዘብ ከመሓላልፎ ኣይከኣልኩን ድማ ይብለኩም
- ስለዚ ነቲ ገንዘብ ከመሓላልፍ ምእንቲ ናይ ባንኪ ሕሳብኩምን፡ ውልቃዊ ሓበሬታን ክትሰዱሉ ይሓተኩም
- ነዚ ሓበሬታ ምስ ረኸበ ድማ ካብ ባንኪ ሕሳብኩም ኣትዩ ገንዘብኩም ይሰርቕ ማለት እዩ
ስለ ዝኾነ ዘየድሊ ውልቃዊ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ካብ ምጽሓፍ ተቖጠቡ።
በዚ መገዲ ተቓላዕቲ ስለእትኾኑ ኩነታትኩም ፈሊጦም ክጻወትልኩም ስለዝኽሉ፡ ብኢንተርነት መጻምድቲ ኣብ እተናድይሉ እዋን ልዑል ጥንቃቐ ግበሩ።