'ሕብሪ ሰብ ዘይትፈልጥ' ትግህቲ ሞዴልን ጸሓፊትን ሄለነ-ሰላም

መብዝሕትኡ ጊዜ መናእሰይ መኣዝን ህይወቶም ክሳብ ዝሕዙ ጊዜ ይወስደሎም'ዩ፣ ሄለነ-ሰላም ግን ኣይከም መዛኑኣን። ኣብ ህይወታ ክትወቕዖም እትደልዮ ሽቶታት ሽዓ ኢላ ብምልላይ፡ እንሆ ኣብ ንኡስ ዕድሜኣ ብዙሕ ነገራት ዘካናወነት ጐብለል'ያ።

እዛ ኣብ ሓደ ካብ'ቶም ብሉጻት ኣብያተ ትምህርቲ ዓዲ እንግሊዝ - ዎሪክ ዩኒቨርሲቲ - ብስነ-ጽሑፍ እንግሊዘኛን ፈረንሳይኛን ዝተመረቐት መንእሰይ ኣብ 23 ዕድሜኣ ዝተጓናጸፈቶም ዓወታት ምጽብጻብ ንሰማዒኡ መስተንክር'ዩ።

ሄለነ-ሰላም ካብ ኤርትራዊት ኣደን ጀርመናዊ ኣቦን ኣብ ሃገር ፈረንሳ ዝተወልደት፡ ኣብ ለንደን ዝዓበየት ግሎባዊት ምህርቲ፡ ብኵነታት ዲያስጶራውያን ጥበባውያን ኣፍሪቃ ዀነ ብናይ ሓንጎል ጭንቀት ዝሳቐዩ ደቂ ተባዕትዮ ተገዲሳ ጐስጓሳት እተካይድ ሰብ'ያ።

ኣብ ስነ-ጥበብ ዘለዋ ተገዳስነታ ኣዝዩ ግዙፍ ስለ ዝዀነ ድማ ከም ናይ ስነ-ጥበብ ጋዜጠኛ ተቘጺራ ኣብ ብርክት ዝበሉ ፕሮጀክታት ዝተሳተፈት፡ ብተወሳኺ ድማ ከም ሞዴልን ጸሓፊትን እትነጥፍ ዘይሕለላ ሰብ'ያ።

"ስነ-ጥበብ ኣብ ህይወተይ ዓቢ ተራ'ዩ ዚጻወት"

ኣተዓባብያኣ ኣዝዩ መሃርን ክንክናውን ምንባሩ እትገልጽ ሄለነ-ሰላም፡ ንህይወታ ብግቡእ ከዳልዋ ብምኽኣሉ ንስድርኣ ተመስግን'ያ።

"ኣብቲ ዝዓበኹሉ ቦታ፡ ደቡብ ለንደን፡ ዳርጋ ምሉእ ዓለም ዝሓቘፈ ማሕበረ-ሰብ'ዩ ክብል እኽእል።

"ኣብኡ ዘሎዉ ዝተፈላለዩ ባህልታትን ሰባትን ንባዕሎም ስነ-ጥበብ'ዮም፡ ብእኦም ኣቢሉ እቲ ሞዛይክ ህይወት ኣባይ ሰሪጹ'ዩ፣ እዚ ሕጂ ኣብ ዓለምና በጨቕ ዝብል ዘሎ ጽልኢ-ጓኖት (xenophobia) ጨሪሱ ምስ መንፈሰይ ዘይቃዶ'ዩ፣ ኣይርድኣንን ከኣ" ትብል።

"ኣነን ማንታ ሓወይን ሕብሪ ሰብ ኣይንፈልጥ፡ ዓሌትነት ኣይንፈልጥ፣ ስድርና ኵላህና ዘርኣሰብ ምዃንና እናመሃሩ'ዮም ኣዕብዮምና" ድሕሪ ምባል "ዓባይ ጓል ምስ ኰንኩ ድማ እቶም ክብርታት ጌና የሳልዩኒ ኣሎዉ።"

እዛ ንመንነታ እናጸንበለት ዝዓበየት ሰብ - "መግቢ ጀርመን ምስ ዝግኒ ኣብ ሓደ ሸሓን እናሓዋወስኩ ብምብላዕ'የ ዓብየ" ትብል ሄለነ-ሰላም።

ብተፈጥሮኣ ቋንቋታትን ባህልታትን መነባብብሮ ሰባትን ስለ ዜገድሳ ኵሉ ጊዜ ኣብ ዳህሳስ ተድህብ ዉልቀሰብ'ያ። ሄለን-ሰላም ኣብ ሰን-አትየን (Saint-Etienne) - ሃገረ ፈረንሳ - ቋንቋ እንግሊዝኛ ንሓደ ዓመት ድሕሪ ምምሃር ኣብ ጓዳሉፕ (Guadeloupe) ድማ ኣብቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝተፈልጠ ናይ ባሮት ቤተ-መዘክር መጽናዕታዊ ምርምር ከተካይድ በቕዐት።

"ምስ ፍራንኮፎናውያን ማሕበረ-ሰባት ስደተኛታት (ዲያስጶራ) ምትእስሳር ብምፍጣር ድማ ምስኦም ኣብ ብርክት ዝበሉ ናይ ስነ-ጥበብ ፕሮጀክትታት ክዋሳእ ከኣልኩ" ትብል ሄለነ-ሰላም። "እምብኣርከስ እዚ'ዩ ዓለመይ ... ስነ-ጥበብ'ዩ ዓለመይ" ኢላ ወሰኸትሉ።

"ስነ-ጥበብ ብዅሉ መዳዩ ሓያል'ዩ፣ ሓንጎል-ሰብ ይኸፍት፡ ልባት የረስርስ፡ ኣተሓሳስባ ሰባት ድማ ይልውጥ" ትብል።

"ኣብ 21 ዓመተይ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ከሎኹ፡ ኣብ ትርፊ ጊዜይ ኣብ ሞያ-ሞደል ኣቶኹ። ምስ ህቡብ ስም ዘሎዎም ትካላት'ውን ሰሪሐ - ቪቭየን ወስትዉድ፡ ናይኪ፡ ኣክኒ-ስቱድዮ፡ በርበሪ ...ወዘተ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት'ውን ክበጽሕ ክኢለ። ብስራሕ ክሳብ ሻንጋይ (ቻይና)፡ ሌጎስ (ናይጀርያ) ተጓዒዘ።

ኣቦይን ኣደይን ኣብ ኣህጕራውያን ናይ ልምዓት ትካላት ስለ ዝሰርሑ ካብ ብንእሽተይ ምስኦም ኣብ ፈቐዶ ሃገር እናገሽኩ ኣሕሊፈዮ።

ከም ሞዴል እናሰራሕኩ ድማ ብዙሕ'የ ጽሒፈ - ምስ ስነ-ጥበብ ዝተኣሳሰር ዝተፈላለዩ ድርሰታት፡ ቃለ መጠይቓት፡ ከምኡ'ውን ፍሉያት ዛንታታት።

"ንሱን ናቱን - ደቂ ተባዕትዮን ኣእምሮኣዊ ጥዕናን" (Him + His, on Men and Mental health)

ዝሓለፈ ቅነ-ልደት ኣብ ለንደን ምምራቕ መጽሓፍ ኣሎ ተባሂሉ ሰበ ተኣከበ። እቲ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተደርሰ መጽሓፍ ኣርእስቱ "ንሱን-ናቱን" ኰይኑ ትሕዝትኡ ድማ ንምርድኡ ክብድ ዝበለ፡ ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ደቂ ተባዕትዮ ዘውክእ ልዕሊ 500 ገጻት ዘሎዎ መጽሓፍ'ዩ።

ደርሲት ናይቲ መጽሓፍ ሄለነ-ሰላም ክላይ ኢያ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኰነ ካልኦት ምዕቡላት ሃገራት ምዕራብ ሓደ ካብ'ቶም ዝለዓለ ኣቕልቦ ተገይርሎም ዘሎ ሕማማት ኣእምሮኣዊ-ጥዕና ኢዩ። ነዚ ጕዳይ ብምስትብሃል ድማ ሄለነ-ሰላም ኣበርክቶኣ ንምቕራብ ዘካየደቶ ጻዕሪ ዚድነቕ'ዩ። እሞ ኸኣ ኣብ 23 ዕድሚኣ።

እቲ ትሕዝቶ ናይቲ መጽሓፍ ንምንታይ ኣብ ኣእምሮኣዊ ጥዓና ደቂ ተባዕትዮ ኣትኵሩ ንዝብል ሕቶ ሄለነ-ሰላም ከምዚ እናበልት ትምልስ፣ "ደቂ ተባዕትዮ ዳርጋ ዓባሳት'ዮም ክብል እኽእል፡ ብዛዕባ ኵነታት ኣእምሮኣዊ ጥዕንኦም ኣይዛረቡን'ዮም፣ ዋላ በቲ ሕማም ተጠቒዖም ክነሶም፣ ስቕታ ግን መፍረ-ስቓይ'ዩ"።

ንሄለነ-ሰላም ነዚ ከቢድ ብዙሕ ዘይዝረበሉ ሕማም ብቐረባ ክትመራመረሉ ዘኽእላ ምኽንያት ኣብ ዉሽጣዊ ክቢ ህይወታ ስለ ዝተዓዘበቶ ዘጽንዓቶን'ዩ። ኣብ መዕቈብ ሕሙማት እናኸደት ከኣ ብቐረባ ክትዕዘቦ ብምኽኣላ ደቂ ተባዕትዮ ነቲ ሕማም ኣብ ዉሽጦም ሒዞም ከም ዘይዛረብሉ ከተስተብህል ከኣለት። ኣብኡ ኣትኲራ ኸኣ ምሉእ መጽሓፍ ክትጽሕፍ ከኣለት።

ጀርመን/ኤርትራ/ፈረንሳ/ዓዲ እንግሊዝ?

ጀርመን ዓዲ'ቦይ ኢዩ። ኣብ ጀርመን ዘሕለፍክዎ እዋን ከቶ ዘይርሳዕ'ዩ። ልደት ኣብ ጀርመን እቲ ዝበለጸ ተሞኵሮ ስለ ዝዀነ ልበይ ኵሉ ጊዜ ናብኡ'ዩ ዘንቅድ።

ኤርትራ ዓዲ'ደይ ኢዩ። ኵለ'ትናይ ናብኡ'ዩ ዝሰሓብ። ኣደይ ከኣ ኤርትራውነታ ዘይትርስዕ፡ ትግርኛ ክትዛረብ ክሰምዓን፡ ናብ ቤተ-ክርስትያን ሒዛትኒ ክትከይድ ይርኣየኒ። በዓላት ኤርትራ እናዘከረት ከተብዕል ኣነ'ውን ምስኣ አብዕሎም ነበርኩ። ፊደል ከተቝጽረኒ'ውን ፈቲና። ስለዚ ኤርትራ ኣብ ልበይ ዓቢ ቦታ ኣሎዋ።

ፈረንሳ ዓዲ ትውልደይ። ምስ ፈረንስ ጽኑዕ ምትእስሳር ኣሎኒ። ብመጀመርያ ኣደይ ዳርጋ ምሉእ ህይወታ ኣብኡ ስለ ዘሕለፈቶ ምስ ባህሊ ፈረንሳ ዝተኣሳሰረ ብዙሕ ሸነኽ ኣሎኒ። ኣነ ኸኣ መዕበያይ ኣይርስዕን - ኣብ ፈረንሳ ብርክት ዝበሉ ኣዝማድ ኣለውኒ፣ ዳርጋ ብዙሕ ጊዜ ናብ ፈረንስ እገይሽ'የ።

ለንደን ድማ ገዛይ'ዩ። ኣብ ደቡብ ለንደን ዓብየን ተማሂረን ... ፐካም፡ ብሪክስተን፡ ሳውዝ-ባንክ፡ ኤለፋንት+ ካስል ... ኵሉ ቦታይ'ዩ። ብብሽክለታ ዘይማላለስኩሉ ቦታ ዳርጋ የለን ... እዚ ሕጂ'ኳ ድኣ ብስራሕን ጸወታን ምኽንያት ናብ ምብራቕ ለንደን ገጸይ ዘወር እበል ጓል ደቡብ ለንደን ምዃነይ ኣይተርፈንን።