ብምዝውዋር ዕጸ ፋርስ ተጠርጢራ ኣብ ስዑዲያ ዝተኣሰረት ናይጀሪያዊት ነጻ ወጺኣ

ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ብምዝውዋር ዕጸ ፋርስ ኣብ ስዑድ ዓረብ ተኣሲራ ዝጸንሐት ናይጀርያዊት ተማሃሪት ብጻዕሪ መንግስቲ ናይጀርያን ብርቱዕ ናይ መማህርታን ደገፍታን ተቓውሞ ትማሊ ሰሉስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፍቲሓ።

ብምስግጋር ድሮጋ (ዕጸ ፋርስ) ተታሒዛ ኣብ ቻይና ተኣሲራ ዘላ፡ ጓል 27 ዓመት ኢትዮጵያዊት ኢንጂነር፡ ናዝራዊት ኣበራ፡ መንግስቲ ብዘቕረቦ ምሕጽንታ ክትፍታሕ ኢያ ይብሃል።

ዝሓለፈ ዓመት ድሮጋ ብምስግጋር ተጠርጢራ ኣብ ስዑድ ዓረብ ተኣሲራ ዝጸንሐት ናይጀርያዊት ተማሃሪት ነጻ ከምዝወጸት መንግስቲ ናይጀርያ ገሊጹ።

እታ ናይጀርያዊት ተማሃሪት፡ ዘይነብ ኣሊዩ፡ 2,000 ባኮታት ዝመልአ ሓያል ፈውሲ ቓንዛ ከኒናታታ ናብ ስዑድ ዓረብ ኣስሊዃ ብምእታው ኢያ ተኸሲሳ ጸኒሓ።

እታ ናይጀርያዊት ተማሃሪት ከይፈለጠት ገለ ጉጅለ ወረበላታት ነቲ ድሮጋ ኣብ ሳንጣኣ ከም ዘቐምጡላ ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ዝነበሩ ሰበ ስልጣን ናይጀርያ ገሊጾም።

ምስግጋር ድሮጋ ኣብታ እስላማዊት ሃገር ስዑድ ዓረብ ብሞት ኢዩ ዘቕጽዕ።

ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓንቲ ናይጀርያዊት ምስ ክልተ ፓኪስታናውያንን ሓደ የመናውን ድሮጋ ብምስግጋር ኣብ ከተማ መካ ተሰይፎም።

ናይ ዘይነብ ኣሊዩ ማእሰርቲ ኣብ ናይጀርያ ዓቢ ተቓውሞ ወሊዑ፡ ደገፍታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት #ንዘይነብ ፍትሕዋ ብዝብል ኣርእስቲ ኪጉስጉሱ ጸኒሖም።

ትማሊ ሰሉስ፡ ኣማኢት መማህርታ ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ከተማ ካኖ እትርከብ ማይታማ ሱል ዩኒቨርስቲ ብምእካብ ዘይነብ ክትፍታሕ ድሕሪ ዘካየድዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኢያ ዘይነብ ኣሊዩ ነጻ ዝወጸት።

ብሰኑይ፡ ፕሬዚደንት ሙሓመድ ቡሃሪ ዓቃብ ሕጊ ናይጀርያ ኣብ ጉዳይ ዘይነብ ክዋሳእ ድሕሪ ምእዛዙ ብዝተኻየደ ናይ መንግስቲ ጻዕሪ ኢያ ዘይነብ ኣሊዩ ነጻ ክትወጽእ ዝኸኣለት።

ዝሓለፈ ታሕሳስ፡ ድሕሪ ገለ ሰዓታት ምስ ወለዳ ንሕጃ ምስመጸት፡ ኣብ ሆቴላ ኮላ ኢያ ብኣባላት ፖሊስ ስዑድ ዓረብ ዝተኣስረት።

ሰበ ስልጣናት ስዑድ ዓረብ 2,000 ባኮታት ዝመልአ ትራማዶል ዝተባህለ ሓያል ፈውሲ ቓንዛ ድሮጋ ስማ ኣብ ዝተጻሕፎ ሳንጣ ኣብቲ መዓርፎ ነፋሪት ድሕሪ ምርካቦም ኢዮም ሒዞማ።

እቲ ኣብ ጉዳይ ድሮጋ ዝነጥፍ ናይጀርያዊ መንግስታዊ ትካል እቲ ኣብ ሳንጣታት ንጹሃን ተሳፈርቲ ድሮጋ ብሕቡእ ዘቐምጡ ጉጅለ ወረበላታት ክምዝረኸበ ገሊጹ።

ኣቦ ዘይነብ፡ ብዛዕባ`ቲ ጓሉ ኣብ ቻይና ዝተኸሰሰትሉ ጉዳይ ንፖሊስ ናይጀርያ ምስ ኣፍለጠ ኢዩ፡ መንግስቲ ናይጀርያ ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ መርመራ ድሕሪ ምክያድ ኢዩ ሽዱሽተ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፋሪት ካኖ ዝሰርሑ ዝነበሩ ብዓል ስልጣና ዝኣሰረ።

እዞም ሽዱሽተ ሰበ ስልጣናት ንዘይነብ ብምጥቃኖም ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈዴራል ተኸሲሶም ዘለው።