እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናይጄርያ ኣለሻ ዝተጨወያ 110 ደቀኣንስትዮ ተምሃሮ ኣጠናኺራ ቀፂላትሉ
መንግስቲ ናይጀሪያ ነተን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዕጡቓት ቦኮ ሓራም ተጨውየን ዝተባህላ ሓደ ሚእትን ዓሰርተን ተማሃሮ ኣዋልድ ንምድላይ፡ ተወሰኽቲ ወተሃደራትን ነፈርትን ኣዋፊሩ።
እተን ኣዋልድ ግብረ-ሽበራውያን ብ19 ለካቲት ኣብ ከተማ ዳፕቺ ናይ ምብራቓዊ ግዝኣት ዮቤ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርተን ጥሒሶም ድሕሪ ምእታዎም'የን ጠፊኤን።
ፕረሲደንት ሙሓመዱ ቡሃሪ ድማ እቲ ምጥፋእ ናተን ኣዋልድ "ሃገራዊ መዓት" እዩ ድሕሪ ምባል፡ ንስድራ ቤተን ይቕሬታ ሓቲቱ።
እዚ ናይ ሕጂ መጥቃዕቲ፡ ንተዘክሮታት ናይ'ቲ ኣብ 2014 ዝተፈጸመ ምጭዋይ ተማሃሮ ኣዋልድ ናይ ቺቦክ ኣሕዲስዎ'ሎ። ወተሃደራት መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዳፕቺ ካብ ዝርከቡ ኣገደስቲ ናይ ዓበይቲ ጎደናታት መፈተሺ ነቑጣታት ከም ዘልግሱ ተገይሮም'ዮም ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፡ ሕርቃን ናይ ወለዲ ናይተን ተመሃሮ እናዓበየ መጺኡ'ሎ።
እታ ካብ ቺቦክ ብኣስታት 275 ኪሎ ሜተር ንወገን ሰሜናዊ ምዕራብ ርሒቓ እትርከብ ዳፕቺ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ'ዩ መጥቃዕቲ ወሪዱዋ። በቲ መትቃዕቲ ዝሰንበዳ ተመሃሮ ናይ'ታ መንግስታዊት ኮሌጅ ቴክኒክን ሳይንስን መማህራነንን ድማ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዝርከብ ቆጥቋጥ ሃዲሞም። ብወተሃደራውያን ነፈርቲ ዝተደገፉ ሓይልታት ጸጥታ ናይጀሪያ ግን ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘፍሸልዎ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ገሊጾም።
ኣብ ፈለማ፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ እተን ኣዋልድ ነብሰን ከድሕና ሃዲመን ተሓቢኤን እምበር ኣይተጨውያን ኢሎም እኳ እንተኸሓዱ፡ ጸኒሖም ግን ሚእትን ዓሰርተን ኣዋልድ ጠፊኤን ከምዘለዋ ኣሚኖም'ዮም።
ዕጡቓት ቦኮ ሓራም ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይታ ሃገር እስላማዊት ግዝኣት ንምምስራት ነዊሕ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይዱ ጸኒሖም ኣለዉ። ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ ድማ ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሽዱሽተን ኣዋልድ ካብ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ቺቦክ ጨውዮም ነይሮም። እዚ ፍጻመ'ዚ ድማ ነቲ ኣዋልድና ምለስወን (#BringOurGirls) ዝብል ዓለም-ለኻዊ ጎስጓስ ኣለዓዒሉ ነይሩ። ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ካብተን ኣዋልድ ድማ ኣበይ ከምዘለዋ ኣይፍለጥን።
እቲ ግጭት ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ክቐዝፍ እንከሎ፡ ኣሽሓት ሰባት ድማ ተጨውዮም ኣለዉ።