በዓልቲ-ቤት ህቡብ ተዋሳኣይ ሆሊዉድ ዊል ስሚዝ ምስ ካልእ ሰብኣይ ዝምድና ከምዝነበራ ሓቢራ

ብዓልቲ-ቤት ህቡብ ተዋሳኣይ ሆሊዉድ ዊል ስሚዝ፡ ጃዳ ፒንከት ስሚዝ: ምስ ራፐር ኣጋስታስ ኣልሲና ዝምድና ከምዝነበራ ሓቢራ።

እታ ተዋሳኢት፡ 'ሬድ ቴብል ቶል' ኣብ ዝተባህለ ናይ ፌይስቡክ መደብ፡ ምስ በዓል ቤታ ዊል ስሚዝ ብሓባር ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕተት እያ ገሊጻ።

ንሳ፡ እቲ ዝምድና ካብኡ ምስተፈልየት ከምዝፈጸመቶ'ውን ወሲኻ ሓቢራ።

"ተፈላሊና ኔርና። ምስ ግዜ ድማ ምስ ኣጋስት ናብ ካልእ ዝተፈልየ ምጥንናግ ማዕቢሉ" ክትብል ተዛሪባ።

ዊል ስሚዝ፡ ምጥንናግ ድዩ ነይሩ ወላስ ጾታዊ ዝምድና ኢሉ ምስ ሓታታ፡ "ኣብቲ እዋን ጓሂ ስለዝነበረኒ ልበይ'ውን ተጎዲአ ነይረ" ክትብል መሊሳ።

እዞም መጻምዲ፡ ኣብ 1997 ተመርዕዮም ክልተ ቆልዑ ምስ ወለዱ ተፈላልዮም ነይሮም። ሕጂ ግን ብሓንሳብ ከምዘለው ብወግዒ ሓቢሮም።

እዞም ስድራ፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝናፈስ ዘሎ ወረን ግምታትን ግልጺ ንምግባር እዮም ኣብቲ ዝገበርዎ ሾው ሓበሬታ ክህቡ ተገዲዶም።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ራፐር ኣጋስት ኣልሲና፡ ምስ ሓደ ማዕከን ዜና ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት፡ ምስ ጃዳ ፒንከት ዝምድና ከምዝነበሮምን ዊል ስሚዝ ድማ ምስኣ ርክብ ክገብር ፍቓድ ከምዝሃቦን ተዛሪቡ ነይሩ።

ጃዳ ፒንከት ግን "ኣብቲ ዝነበረ ፍሉይ ኩነታት፡ ኣነ ጥራሕ እየ ፍቓድ ክህብ ዝኽእል" ክትብል መሊሳ።

ዊል ስሚዝ፡ ኣብቲ ቅድሚ ዓርባዕተ ዓመት ዝነበረ ዝምድና እንታይ ዓይነት ስምዒት ትደልዪ ኔርኪ ኢሉ ምስ ሓተታ፡ "ጽቡቕ ክስመዓኒ'ዩ ነይሩ ድልየተይ፡ ጽቡቕ ስምዒት ከይተሰመዓኒ ነዊሕ ግዜ ገይረ ነይረ" ክትብል መሊሳ።

ኣብዚ እዋን እታ ስድራ-ቤት ብሓንሳብ ከምዘላን፡ ኣብ "ፍጹም ፍቕሪ" ይነብሩ ከምዘለውን ጃዳ ፒንከት ወሲኻ ሓቢራ።

ዊል ስሚዝ'ውን ምስኣ ብምስምምማዕ፡ ጽቡቕ ናብራ ከምዘለዎም ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ምርኢት ድማ "ብሓንሳብ ክንጋልብ ኢና፡ ብሓንሳብ ክመውት ኢና። ክሳብ መወዳእታ ሕማቕ ሓዳር" ካብ ባድ-ቦይስ ዝተወስደ ጥቕሲ ወዲኦም።