እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግራሚ 2020፡ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኒፕሲ ሃስል ተሸሊሙ
ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ፡ ራፐር ኒፕሲ ሃስል፡ ተዓዋቲ ክልተ ናይ ድሕሪ ሞት ዝወሃብ ሽልማት ግራሚ 2020 ኮይኑ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዝተቐትለ፡ ብኒፕሲ ሃስል ዝፍለጥ ኤርምያስ ኣስገዶም ብሰንበት ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት እዩ እቲ ሸልማት ተዋሂቡ።
ኣብ 33 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለየ ኒፕሲ፡ ኣብ 'ራክስ ኢን ዘ ሚድል' ከምኡውን ብዲጀይ ኻልድ እትድረፍ 'ሃየር' ብዘርኣዮ ምንቅስቓስ ናይ ብሉጽ ተዋሳኣይ ሽልማት ተዋሂቡ።
ንኽብሪ እቲ ራፐር፡ ነቲ ደርፊ ኣብቲ ስነስርዓት ንምርኢት ዘቕረቡ፡ ዲጀይ ኻልድን ጆን ሌጀንድን ነቲ ሽልማት ምስ ኣባላት ስድራቤቱ ኣብ መድረኽ ተረኺቦም ከም ዝተቐበልዎ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ኣብቲ ንኽብሪ ኒፕሲ ሃስል ዲጀይ ኻልድን ጆን ሌጀንድን ዘቕረብዎ ሙዚቃዊ ምርኢት፡ እተን ተለሃይቲ ዙርያ ተኸዲነን ከም ዝሳዕስዓ ጸብጻባት ገሊጾም።
ብርክት ዝበሉ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤርትራዊ መበቆል እቲ ራፐር ኣብቲ መድረኽ ብምንጽብራቑ ስምዒቶም ይገልጹ ኣለው።
ኤርምያስ ኣብ ሚያዝያ 2018 ንኤርትራ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ምስ ኤርትራውያን ቤተሰቡን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ተራኺቡ ነይሩ።
እቲ ካብ ኤርትራዊ ኣቦ ዝውለድ ራፐር ኤርሚያስ ኣስገዶም፡ ብ31 መጋቢት'ዩ ኣብ ኣፍደገ እቲ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዝርከብ ብ'ማራቶን' ዝጽዋዕ ድኳኑ ብጥይት ተሃሪሙ።
'ቪክትሪ' ዝብል ኣልበም ኒፕሰይ ሃሰል፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ምድብ ብሉጽ ኣልበም ራፕ፡ ሕጹይ ሽልማት ግራሚ ኮይኑ ቐሪቡ ነይሩ።