እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኒፕሲ ሃስል ሽልማት ቢኢቲ ተዋሂቡ
ምንጻፋት 'ቢኢቲ ኣዋርድስ' ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ መበል 33 ዓመቱ ብጥይት ዝተሃረመ ኒፕሲ ሃስል ንምጽንባል ሰማያዊ ሕብሪ እዩ ነይርዎ።
ብኒፕሲ ሃስል ዝፍለጥ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ራፐር ኤርምያስ ኣስገዶም ናይ ብሉጽ ስነጥበባዊ ሂፕሆፕን ናይ ሰብኣውን ሽልማት ተዋሂቡ።
ጆን ሌጀንድ ከምኡ'ውን ዲጀይ ኻልድን ኣብቲ ስነስርዓት ስነጥበባዊ ስርሓቶም ብምቕራብ ንኒፕሲ ዘለዎም ክብሪ ገሊጾም።
ኤላ መይ፡ ካርዲ ቢ፡ ቻይልዲሽ ጋምቢኖን ሜሪ ጀይ ብሊግን ካልኦት ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተሸለሙ እዮም።
ንኒፕሲ ሃስል ወኪላ ነቲ ሰብኣዊ ሽልማት ዝተቐበለት ዓርኩ ላውረን ለንደን "ስለ ዝለገስኩምለይ ፍቕርን ሓገዝን የመስግን" ኢላ።
ንሳ ወሲኻ፡ ብዛዕባ እቲ ብኒፕሲ ዝውነን ዝነበረ፡ ድዃን መሸጢ ክዳውንቲ ክትገለጽ ከላ፡ "ማራቶን ክቕጽል እዩ" ኢላ።
ወለዲ ኒፕሲ ሃስል፡ ዓባዩን፡ ሰለስተ ቆልዑን ነቲ ሽልማት ንምቕባል ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ነይሮም።
ቢኢቲ ብዝብል ኣሕጽሮት ዝፍለጥ፡ ተለቪዥን ምዝንጋዕ ጸለምቲ ንመበል 19 ግዜ እዩ ጽምብል ሽልማት ዘካይድ ዘሎ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ኣይከን ኣዋርድ ዝተሸለመ ታይለር ፔሪ፡ ጸለምቲ ከመይ ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙ ከም ዝግባእ ዝገልጽ ሓያል መደረ ኣስሚዑ።