እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኒፕሲ ሃስል፡ ጠበቓ ኣብ ልዕሊ ስድርኡ ብዝበጽሐ ምፍርራሕ ስርሑ ኣቋሪጹ
ንራፐር ኒፕሲ ሃስል ተኲስካ ብምቕታል ንዝተጠርጠረ ውልቀ ሰብ ክሟገተሉ ዝፀንሐ ስሙይ ጠበቓ፡ ንባዕሉ ካብዚ ጉዳይ ከምዘግለለ ኣፍሊጡ።
ስሙይ ጠበቓ ክሪስ ዳርደን ከምዝገለፆ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድርኡን ደቁን ብዝበፅሐ ምፍርራሕ፡ ካብዚ ጉዳይ ንባዕሉ ከግልል ተገዲዱ።
ብኤርሚያስ ኣስገዶም ዝፍለጥ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ራፐር ኒፕሲ ሃስል፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝርከብ ዝውንኖ መሸጢ ክዳውንቲ ብዝተተኮሰሉ ጠያይት ምቕታሉ ይዝከር።
ተጠርጣሪ ወዲ 29 ዓመት ኤሪክ ሆልደር፡ ነዚ ቅትለት ከምዝፈፀመ ቤት-ፍርዲ እንተድኣ ኣረጋጊፁ፡ ናይ ዕድመ ልክእ ማእሰርቲ ይጽበዮ።
ጠበቓ ክሪስ ዳርደን፡ "ፈራሓት" ኣብ ኦንላይን ብሕቡእ ከምዘፈራርሕዎ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገፁ ገሊፁ።
ብሞይኡ ምስራሕ ከም ዘየቋርጽ ዝገለፀ ክሪስ ዳርደን፡ ንኤሪክ ሆልደር ምጥባቕ ግና፡ ከምዘይቅፅለሉ ኣፍሊጡ።
"ኣብዚ ዘመን፡ መሰል ሓደ ፀሊም መንእሰይ ንምምንጣል ዝጓየዩ ከምዘለዉ ክርድኣኒ ኣይኽኣለን፡ ንደቀይ ምፍርራሕ'ኸ ንምንታይ ኣድልየ?" ክብል ተዛሪቡ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ዝርከብ ኤሪክ ሆልደር፡ ቤት-ፍርዲ ብዋሕስ ንክወፅእ 5 ሚልየን ዶላር ኣሜሪካ ዝወሰነ እንትኸውን፡ ንሱ እውን ነዚ ጥፍኣት ከምዘይፈፀመ ገሊፁ እዩ።
ጠበቓ ክሪስ ዳርደን፡ ኣብ ኣሜሪካ ካብ ሞንጎ ዘለዉ ስሙያት ጠበቓታት ሓደ እዩ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 1995 ኣካትዓይ ናይ ዝነበረ ጉዳይ ኦጄ ሲምፕሰን ተኻቲዑ ናፃ ኣውፅይዎ እዩ።
ኣሜሪካዊ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግርን ተዋሳኣይን ነበር ኦጄ ሲምፕሰን፡ ካብ ገበን ቅትለት በዓልቲ ገዝኡ ኒኮልን መሓዝኣ ሮናልድ ጎልድማንን፡ ነፃ ከምዝኾነ ንቤ-ፍርዲ ብምምጓት ኣእሚኑ እዩ።
ኣብቲ እዋን እውን እንተኾነ ብዙሕ ምፍርራሕ ከመዝበፅሖ ዝዛረብ ክሪስ ዳርደን፡ ሕዚ እውን ከምዚ ዓይነት ተግባር ምፍርራሕ ምህላዉ ከምዘሕረቖ ተዛሪቡ።
"ኣብዚ እዋን እዞም ቦጃቡጅ ደብዳበ ልኢኾም እንተይኮነስ፡ ኣብ ድሕሪ ኮምፒዩተር ተሓቢኦም እዮም ኣደ ምስ ውላዳ ዘፈራርሑ"
"ምናልባት እዚ ንገለ ሰባት ዘስሕቕ ክኸውን ይኽእል፡ ኣነ ግና ኣይስሕቕን፤ ድማ ኣይርስዖን፡ ሕሶቶምን ምፍርርሖምን ብፍፁም ካብ ስረሐይ ኣይዓግቱንን" ኢሉ።
ሞት ራፕ ኒፕሲ ሃስል ምስተሰምዐ ከም ድሬክ፣ ሪሃናን ጄ ኮልን ዝበሉ ስሙያት ከየንቲ ሓዘኖም ገሊፆም እዮም።
ድሬክ ፡ "ክቡር ሰብ፤ ሓለቓ እዩ" ብምባል ክገልጾ እንከሎ፡ ድምፃዊት ሪሃና፡ "ዋላ ሓደ ትርጉም የብሉን፡ መንፈሰይ ተረቢሹ እዩ" ክትብል ኣብ ትዊተር ፅሒፋ እያ።
ኣብቲ ብራፐር ኒፕሲ ሃስል ዝውነን ዝነበረ መደብር ክዳውንቲ ማራቶን፡ ብዝተኸፈተ ተኹሲ ካልኦት ክልተ ሰባት እውን ተጎዲኦም እዮም።
ፖሊስ ሎስኣንጀለስ፡ ኒፕሲ ሃስል፡ ኣብ ርእሱን ኣፍልቡን ብዝተተኮሱ ጠያይቲ ምኽንያት ክመውት ከም ዝኸኣለ እዩ ድምዲሙ።