ኮሮናቫይረስ፡ ትእዛዝ ዕጽዋ ኮሮናቫይረስ ዝጠሓሰ ርዋንዳዊ ብሓርገጽ ተበሊዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ርዋንዳዊ፡ ነቲ ብመንግስቲ እታ ሃገር ዝተዋህበ መምርሒ ርእሰ-ውሸባ ጢሒሱ ዓሳ ክገፍፍ ምስ ከደ ብሓርገጽ ከምዝተበልዐ ከንቲባ ከተማ ካሞኚ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ከንቲባ ከምዝገለጾ፡ እቲ ግዳይ ትማሊ ሮቡዕ'ዩ ኣብ ፈለግ ናይባሮንጎ እቲ ሓደጋ ኣጋጢምዎ።
"እቲ ሰብኣይ ነቲ ካብ ገዛኹም ኣይትውጽኡ ዝብል ትእዛዝ ጥሒሱ። ካብቶም ውሑዳት ንኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዘይተሓባበሩ እዩ" ክበል እቲ ከንቲባ ገሊጹ።
ሰብመዚ ርዋንዳ፡ ካብ ሰንበት ጀሚሩ ንዝርጋሐ ኮቪድ-19 ንምግታእ ን19 መዓልቲ ዝጸንሕ ኩሉ ሰብ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም ኣለዉ።
ኣብታ ሃገር ክሳብ ሕጂ፡ 40 ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ከምዘለዉ ተፈሊጡ።
እቲ መንግስቲ፡ ኣብዚ ጽንኩር ግዜ ነቶም ድኻታት ከምዝሕግዞም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።
እቲ ዕጽዋ፡ ነቶም ትሑት መነባብሮን ኣታውን ዘለዎም ሰባት ብጽኑዕ ጎዲእዎም ከምዘሎ ይግለጽ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዝሓለፈ ሰኑይ ክልተ ሰባት ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ዘሕለፎ ውሰነ ምስ ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ዝገበርዎ ቈየቛ ብጥት ከምዝተሃርሙ ተገሊጹ። ፖሊስ ግን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ የለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







