ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ፡ ማክሮን ንግብረ-ሽበራ ይምውል'ዩ ክብል ተዛሪቡ

ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኤማንወል ማክሮን ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኤማንወል ማክሮን መዋሊ ግብረ-ሽበራ ክብል ድሕሪ ምኽሳስ፡ ነቲ ብመራሒ ፈረንሳ ዝቐረበ ክሲ ነጺግዎ።

መራሒ ፈረንሳ፡ ነቲ ኣንጻር ሶርያውያን ሓይልታት ኩርዲ ዝተወስደ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኮኒንዎ እዩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪማቩልት ካቫሱሉግ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ማክሮን መራሒ ናይ ኤውሮጳ ክኸውን ድላይ ከምዘለዎ እንተኾነ ስቕ ኢሉ ደርበስበስ ከምዝብልን ከምዘይኽእሎን ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ፡ ካብ ሓለፍቲ ጉጅለ ሶርያውያን ንዕጡቓት ኩርዲ ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ ነይሩ።

መንግስቲ ቱርኪ፡ ነዞም ሶርያውያን ዕጡቓት ኩርዲ ከም ግብረ-ሽበራውያን ባእታታት እያ ትርእዮም።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ማቩልት ካቫሱሉግ፡ ንባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዝስመዖ መደረ፡ ፕረዚደንት ማክሮን መዋሊ ግብረ-ሽበራ ከምዝኾነን፤ ብቐጻሊ ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ከምዘዘራረቦምን ሓቢሩ።

"ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ኤውሮጳ ናይ መሪሕነት ሃጓፍ ኣሎ። ማክሮን ድማ መራሒ ክኸውን ይፍትን ኣሎ። መሪሕነት ግን ቀስ ኢልካ እዩ ዝጥረን ዝዓብን"

ቱርኪ፡ ማክሮን ምስ ወሃቢ ቃል ሶርያውያን ሓይልታት ኩርዲ ጀኒን፡ ኣብ ፓሪስ ምስ ተራኸበ ከምዘቖጠዖም ይግለጽ።

ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ማክሮን ከምዝሓበሮ፡ ምስ ሶርያውያን ሓይልታት ኩርድ ምርኻብ፡ ኣንጻር ዳዕሽ ንዝገበርዎ ቃልሲ ንምንኣድን፤ እቲ ብቱርኪ ዝውስድ ዘሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዕቃበታት ከምዘለዎን ንምግላጽ እዩ።