እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሽሪን ኣቡኣክላ፡ እታ ብእስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም እተቐትለት ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ መን እያ?
ፍልስጤማዊት-ኣመሪካዊት ጋዜጠኛ ሽሪን ኣቡዓቕለ፡ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብዛዕባ ዝገበረቶ መጥቃዕቲ ትጽብጽበሉ ኣብ ዝነበረት እዋን እያ ተቐቲላ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም፡ ኣቡኣክላ ረቡዕ ንግሆ ኣብ ከተማ ጀኒን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ንዝወረደ መጥቃዕቲ ሸፈነ ኣብ እትህበሉ ዝነበረት እዋን፡ ኣብ ርእሳ ብዘጋጠማ ከቢድ ማህረምቲ ከምዝተቐትለት ገሊጹ።
ኣልጀዚራ፡ ሽሪን ብሓይልታት እስራኤል፡ "ብፍላጥ" ከምኡ'ውን "ብጭካነ" ከም እተቐትለት ይሕብር።
ብተወሳኺ፡ ጋዜጠኛ ምዃና ዝገልጽ መከላኸሊ ጥይት ተኸዲና'ኳ እንተነበረት፡ 'ጥይት ስናይፐር ግን ኣብ ርእሳ ከም ዝወቕዓ' መሰኻኽር ዓይኒ ጠቒሱ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ግን፡ ኣብ ግዜ ምልውዋጥ ተዅሲ፡ ብረት ብዝዓጠቝ ፍልስጤማውያን ተቐቲላ 'ክትከውን ከም እትኽእል' ይገልጽ።
ሽሪን ኣቡኣክላ መን እያ?
ሽሪን ኣቡዓቕለ ኣብ ጥሪ 1971 ኣብ እየሩሳሌም ተወሊዳ፣ ኣብ ከባቢ ቤት-ሓኒና እየሩሳሌም፡ ኣብ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሮዛሪ ሲስተርስ ተመሪቓ።
ፈለማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ስነህንጻ ተማሂራ፤ ብድሕሪኡ ኣብ ጆርዳን ካብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ያርሙክ፡ ብመራኸቢ ብዙሃንን ጋዜጠኝነትን ብፍላይ ድማ ብፍሉይ ክእለት ጽሑፍ መራኸቢ ብዙሃን ብዲግሪ ተመሪቓ።
ሽሪን ምስ ተመረቐት፡ ኣብ ውሽጢ ፍልስጤም ኣብ ዝርከቡ፡ መርበብ ራድዮ ፍልስጤም፡ ኣማን ቲቪን ዝኣመሰሉ ትካላት ሚድያ ሰሪሓ።
ኣልጀዚራ ስራሕ ምስ ጀመረት ድማ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ብ1997 ኣብ ኣልጀዚራ ተቘጺራ ካብቶም ቀዳሞት ጋዜጠኛታት ኰይና።
ሽሪን፡ ኣብ ፍልስጤምን እስራኤልን ዝተኻየዱ ተጻብኦታት ሸፈነ ብምሃብ፡ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ዝዓበየ ቦታ ረኺባ እያ።
ንኣብነት ብ2000 ኣብ ፍልስጤም እተገብረ ናዕቢ 'ኢንቲፋዳ'፣ ከምኡ'ውን እቲ እስራኤላውያን ብ2002 ኣብ ከተማ ቶል-ካራም ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ጀኒንን ዘውረድዎ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ጸብጺባ እያ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ነቲ እስራኤላውያን ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝፈጸምዎ ንጥፈታትን መጥቃዕቲ ነፈርትን እውን ጸብጻብ ኣቕሪባ እያ።
ሽሪን፡ ብ2005 ናብቲ ኣብ ጥቓ ቓዛ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኣሽኬሎን ክትኣቱ ዝተፈቐደላ ፈላመይቲ ዓረባዊት ጋዜጠኛ እያ ነይራ። ኣብኡ ከኣ ምስቶም ብቤት ፍርዲ እስራኤል ንነዊሕ እዋን ዝተኣስሩ ፍልስጤማውያን ተራኺባ።
ሽሪን፡ ነቲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ዝነበረ ኵነታት ፍልስጤማውያን ብዓይና ስለ ዝረኣየቶ ካብ ኣእምሮኣ ከም ዘይጠፍእ ተዛሪባ ነይራ።
ንሳ ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ፡ ሓይልታት እስራኤል ካብ ወተሃደራዊ ዞባታት ሓበሬታ ብምቕራብ ኣዘውቲሮም ከም ዝኸስዋ ገሊጻ ነይራ።
ወተሃደራት እስራኤልን ዕጡቓት ሰፋሮን [ፍልስጤማውያን] ኣብ ዝገብርዎ ቃልሲ፡ ወትሩ ዒላማ ከም ዝዀነት'ውን ተዛሪባ።
ኣልጀዚራ፡ መበል 25 ዓመታ ንምኽባር ኣብ ዝተዳለወ ቪድዮ፡ "ምስ ሰባት ምእንቲ ክራኸብ ጋዜጠኝነት መሪጸ። ክውንነት ንምቕያር ቀሊል ዘይክኸውን ይኽእል እዩ፤ እንተ ወሓደ ግን ድምጾም ዓለም ከምዝሰምዖ ምግባር ክኢለ እየ፤ ... ኣነ ሽሪን ኣቡኣክላ እየ፡" ኢላ ነይራ።