ፍልስጤማውያን እሱራት ጉድጓድ ብምፍሓር ካብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ኣምሊጦም

ፍልስጤማውያን እሱራት ጉድጓድ ብምፍሓር ካብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ኣምሊጦም

ሽዱሽተ ፍልስጤማውያን እሱራት ካብ ሓደ ጽኑዕ ሓለዋ ዝግበረሉ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ምምላጦም ስዒቡ ሰበስልጣን እስራኤል ኣለሻ የካይዱ አለዉ፡፡

እቶም እሱራት ኣብቲ ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጊልቦዋ ዝርከብ ክፍሊ፡ ምድሪ ቤት ብምኹዓትን ብውሽጢ መሬት ገለርያ ብምውጻእን ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ክሃድሙ ከምዝኸኣሉ እዩ ዝእመን።

ሰበመዚ እቶም እሱራት ክሃድሙ ካብ ዝረኣዩ ሓረስቶት ብዝበጸሖም ጥቆማ እዮም ፈሊጦም፡፡

እቶም ዘምለጡ እሱራት ሓደ ናይ ኣል-ኣቅሳ ማርቲርስ ብርጌድ ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለ መራሒ ዝነበረን ሓሙሽተ ኣባላት ጂሃዳዊ ጉጅለን እዮም፡፡

ሰብመዚ እስራኤል ነቲ ተግባር ‘‘ከቢድ ውድቀት ድሕነትን ጸጥታን’’ ክብሉ ዝገለጽዎ ኮይኖም ዕጡቓት ፍልስጤም ግና ‘‘ቅያዊ’’ ክብሉ የሞግስዎ ኣለዉ፡፡

ገለ ሓረስቶት ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከቡ ግራውቲ ጸጉረ ለወጥ ዝኾኑ ሰባት ምስረኣዩ ንሰበስልጣን ሓበሬታ ብምሃቦም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብህጹጽ ቆጸራ ተገይሩ፤ ሽዱሽተ እሱራት ድማ ጎዲሎም ተረኺቦም፡፡

እቶም እሱራት በቲ ኣብ ዝጥቀሙሉ ሽቓቕ ዝፈሓርዎ ጉድጓድ ኣቢሎም ከምዘምለጡ እዩ ዝእመን፡፡ ጋዜጣ ጀሩሳሌም ፖስት ድማ ነቲ ጉድጓድ ንምፍሓር ሓቢኦምዎ ዝነበሩ ዝመረተ ማንካ ከምዝተጠቐሙ ጸብጺቡ፡፡

እቲ ዝፈሓርዎ ጉድጓድ እቲ ቤት ማእሰር እንትህነጽ ኣብ ውሽጢ ናብ ዝተገደፈን ክሳብ ደጋዊ ክፍሊ እቲ ህንጻ ዝበጽሕ ካልእ ገፊሕ ጉድጓድ ዝወሰዶም ኮይኑ፡ ካብኡ ድማ ፍሒሮም ናብ ደገ ወጺኦም፡፡

ኣገልግሎት ድሕነት እቲ ቤት ማእሰርቲ ብወገኑ እቶም እሱራት ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ብዘእተውዎ ዘይሕጋዊ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ኣብ ደገ ምስዘለዉ ሰባት ይራኸቡን ካልእ ሰብ መጺኡ ብመኪና ተቐቢልዎም ክኸውን ከምዝኽእልን ኣፍሊጡ፡፡

መራሒ ኣል-ኣቅሳ ማርቲርስ ብርጌድ ዝነበረ ዛካርያ ዙበይዲ ኣብ እስራኤል ብዝተፈጸሙ ብዙሓት መጥቃዕቲታት ተጠርጢሩ ኣብ 2019 ዝተኣሰረ ኮይኑ ክሱ እናተርኣየ ነይሩ፡፡

ኣቶም ኣርባዕተ ኣባላት ጂሃዳዊ ጉጅለ ድማ እስራኤላውያን ዝሞቱሎም መጥቃዕቲታት ብምትላምን ምፍጻምን ተኸሲሶም ዕድመ ልክዕ መእሰርቲ ተበይኑሎም ነይሩ፡፡ እቲ ሓምሻይ ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረበ ንኽልተ ዓመታት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዝጸንሐ ማዕከናት ዜና እስራኤል ሓቢረን፡፡

ሓለውቲ ዶባት እስራኤል እቶም ዘምለጡ እሱራት ናብ ዌስት ላንድ ወይ ዮርዳኖስ ከይሳገሩ ሓለዋ ይገብሩ ከምዘለዉ ዝገለጹ ኮይኖም ቀዳማይ ሚኒስተር ናፍታሊ በነት ብወገኑ ነቶም እሱራት ንምሓዝ ሓይልታት ጸጥታ ጻዕሪ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ፡፡