እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግጭት እስራኤል-ጋዛ፡ ብሊንከን ሃገሩ ምስ ፍልስጤም ዘለዋ ዝምድና ከመሓይሽ ምዃኑ ተመባጺዑ
ኣመሪካ ምስ ፍልስጤም ዝነበራ ርክብ ዳግም ከም እተሐድሶን ኣብ እየሩሳሌም ቆንስላ ቤት ጽሕፈት ከም እትኸፍትን ቃል ኣትያ።
ብተወሳኺ ብምኽንያት እቲ ንዝሓለፉ 11 መዓልታት ዝተኻየደ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ዝዓነወት ጋዛ ዳግም ኣብ ምህናጽ ሓገዝ ከም እትገብር ገሊጻ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ መራሕቲ ፍልስጤም ከምኡ'ውን ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ተራኺቡ'ዩ።
ኣመሪካ ንድሕነት እስራኤል እትገብሮ ቐጻሊ ሓገዝ ኣብ ቦትኡ ምዃኑ ድማ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣረጋጊጽሉ።
ኣንቶኒ ብሊንከን ብሰሉስ ምስ ፕረዚደንት ማሕሙድ ኣባስን ቀዳማይ ሚኒስተር መሓመድ ሽታየህን ድሕሪ ዘካየዶ ዘቶ፡ "ኣብ ዙርያ ምሕያል ርክብ ኣመሪካን ፍልስጤምን" ተዛቲና ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
እቲ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2019 ዝተዓጽወ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ዝስርሐሉ ቆንስላ ኣመሪካ'ውን ዳግም ብምኽፋት ክልትኣዊ ዝምድና እዘን ሃገራት ንምጥንኻር ከም ዝስራሕ ሓቢሩ።
ዶናልድ ትራምፕ ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ቴልኣቪቭ ናብ እየሩሳሌም ኣብ ዘሰጋገረሉ እዋን፡ ጉዳይ ፍልስጤም ኣብ ትሕቲ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ እስራኤል ክጠቓለል እዩ ገይሩ።
ላዕለዋይ በዓል መዚ ፍልስጤም ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ክልትኣዊ ዘተ ሕጂ'ውን ኣብ ግዜ ምምሕዳር ትራምፕ ዝተዓጽወ ቤት ጽሕፈት ትካል ሓርነት ፍልስጤም ኣብ ዋሽንግተን ዳግም ንክኽፈት ዘጠቓለለ ነይሩ ኢሉ።
ምምሕዳር ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ጋዛ ዳግም ንምህናጽ ሓገዝ 75 ሚሊየን ዶላር ከም ዝገብር ቃል ኣትዩ'ዩ።
ብተወሳኺ ኣመሪካ ንህጹጽ ሓገዝ ዘድሊ 5.5 ሚሊየን ዶላር ከም እተቕርብ ክትገልጽ እንከላ፡ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራትን ኤጀንሲ ስደተኛታት ፍልስጤምን 32 ሚሊየን ዶላር ከም ዘድልዮም ይገልጹ።
እንተኾነ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ ካብቲ ኣመሪካ እትገብሮ ሓገዝ ተጠቃሚ ከም ዘይኸውን ብሊንከን ኣረጋጊጹ።
ሓማስ፡ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብሪጣንን እስራኤልን ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ ኢለን እየን ዝወስድኦ።
ኣብ ግጭት እስራኤልን ዕጡቓት ፍልስጤምን ልዕሊ 250 ሰባት ከም ዝሞቱ ይግለጽ። መብዛሕትኦም እዞም ግዳያት ከኣ ነበርቲ ጋዛ'ዮም።
ኣብ ሞንጎ ኣብ ምብራቕ የሩሳሌም ዝነብሩ እስላምን ኣይሁድን ኣብ ቅዱስ ስፍራ ዝተፈጥረ ግጭት ምኽንያት እቲ ብዙሕ ዕንወት ንብረትን ሞት ሰላማውያን ሰባትን ዘስዓበ ጎንጺ ከም ዝኾነ'ውን ይእመን።