ጎንጺ እስራኤል-ፍልስጤም፡ ስለምንታይ ምስሊ ጋዛ ኣብ ካርታ ጉግል ሃሲሱ የዘራርብ ኣሎ

ጋዛ፡ ኣብ ዓለም ብጻዕቂ ነበርቲ ኣዝያ ዝተጨናነቐት ከተማ እያ፤ ኣብ ካርታ ጉግል ግን ሃሲሳ ትርአ።

እዚ ጉዳይ ኣብ ዓይኒ ወግዓዊ ዝኾነ ሓበሬታ ተጠቒሙ መጥቃዕትን ዕንወትን ዝበጽሖም ከባቢታት ዝከተታሉ ተመራመርቲ ካብ ዝኣቱ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብ ዝበዝሕ ዶባት እስራኤልን ፍልስጤምን ጎሊሑ ዝርአ ምስሊ ዘቕርቡ ትካላት እንተሃለው'ውን፡ 'ጉግል አርዝ' ዝተባህለ መተግበሪ ዘርእዮ ምስሊ ግን ጽፈቱ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።

በዚ መገዲ፡ ኣብ ጋዛ መካይን ምርኣይ'ውን ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ።

ምስ ርእሰ ከተማ እታ ሚስጥራዊት ሃገር ሰሜን ኮርያ ዝኾነት ፒዮንጊያንግ ክወዳደር እንከሎ ኣብታ ከተማ ዝውሰዱ ምስሊታት ሳተላይት ብንጹር መካይንን ውልቀሰባትን ምፍላይ ዘኽእሉ'ዮም።

ኣገዳስነት ምስሊ ሳተላይት

ብፍላይ ጎንጺ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ምስሊ ሳተላይት ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ እስራኤልን ፍልስጤማዊ ጉጅለ ዝውንጭፍዎም ሚሳይላት ከምኡ'ውን ዘፍርስዎም ህንጻታት ንምፍላጥ ከም ናይ ሳተላይት ምስሊ ዝጠቅም የለን።

እንተኾነ ብዙሓት ዝጥቀምሉ ዘለው ጉግል አርዝ ኣብ ከባቢ ጋዛ ዘርእዮ ጽሬቱ ዘይሓለወ ስእሊ ስለ ዝኾነ ነዚ ተጠቒምካ ብሓቂ ኣብ መሬት ዝፍጸም ዘሎ ነገር ክትፈልጥ ኣይትኽእልን።

ጋዜጠኛ ቢሊንግ ካት ኤሪክ ቶለር፡ "ኣብ ጉግል አርዝ ዘሎ ምስሊ ብ2016 ዝተወስደ'ዩ፤ ግና ዝረብሕ ኣይኮነን። ኣብ ገጠር ከባቢታት ሶርያ ኣቕሪበ ንምርኣይ ጻዕሪ ክገብር እንከለኹ ኣብቲ ሽዑ ግዜ ዝተወስዱ ልዕሊ 20 ብግልጺ ዝርኣዩ ምስሊታት ኣለው" ይብል።

ጉግል ብወገኑ ዕላምኡ "ኣብ ኣዝዮም ዝተቐራረቡ ከባቢታት ዝተወስዱ ምስሊታት በብግዝኡ ክሕደሱ ምግባር" ከም ዝኾነ እኳ እንተገለጸ እዚ ግን ኣብ ጋዛ ግብራዊ ዝኾነ ኣይመስልን።

መንግስቲ አመሪካ ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ምስሊ ሳተላይት ዘቕርቡ ኩባኒያታት ኣብ ከባቢታት ዶብ እስራኤልን ፍልስጤምን ዝተወስዱ ጽሬት ዘለዎም ምስሊታት ንከየቕርቡ ኣጊዱ ነይሩ።

እዚ እገዳ ብጸቕጢ እስራኤል ዝተመሓላለፈ ኮይኑ ኩባኒያታት ኣመሪካ ኣብቲ ከባቢ ኣዝዩ ትሑት ጽሬት ዘለዎም ምስሊታት ንከቕርቡ ከም ዝተገደዱ ይግለጽ።

መዓስከራት ሰራዊት ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ከምዚ ዓይነት እገዳታት ምግባር ዝተለምደ'ኳ እንተኾነ፡ ሓንቲ ሃገር ሙሉእ ንሙሉእ ጽሬቱ ዘይሓለወ ምስሊ ሳተላይት ክህልዋ ግን ጋዛ ናይ መጀመርታ እያ።

እቲ ሕጊ ንእስራኤል ጥራሕ እንተጠቐሰ'ውን ከባቢታት ዶብ ፍልስጤም ግን ኣካቲቱ ይርከብ።

እንተኾነ ካብ ኣመሪካ ወጻኢ ብፈረንሳውያን ኣቕረብቲ ምስሊ ሳተላይት ዝውነኑ ከም ኩባኒያ ኤርባስ ዝበሉ ትካላት ኣብቲ ከባቢ ልዑል ጽሬት ዘለዎም ምስሊታት ከቕርቡ ይኽእሉ'ዮም።

በዚ ምኽንያት ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ ነቲ ቕድም ኢላ ዝደንገገቶ ሕጊ ከተልዕሎ ተገዲዳ።

ሕጂ ኩባኒያታት ኣመሪካ ልዑል ጽሬት ዘለዎ ምስሊ ከቕርቡ ጀሚሮም ኣለው።

እቶም ኣብ ጋዛ ዘለው ምስሊታት ድኣ ስለምንታይ ሃሳሳት ኮይኖም? ትብሉ ትኾኑ።

ቢቢሲ ንጉግልን ኣፕልን ከዘራርብ እንከሎ፡ ኣፕል ኣብ ቀረባ ኣብቲ ከባቢ ዘለው ምስሊታት ዝሓሸ ጽርየት ንክህልዎም ንሰርሕ ኣለና ኢሉ።

ጉግል ብወገኑ እቶም ምስሊታት ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ከም ዝእክቦም ብምግላጽ "ዝሓሸ ጽርየት ዘለዎም ምስልታት ክቐርቡ እንከለው ክዕረ'ዩ" ኢሉ። እንተኾነ "ሕጂ ክዝርግሖም መደብ የብለይን" ኢሉ።

ንምዃኑ እቶም ምስሊታት መን'ዩ ዘልዕሎም?

ጉግል አርዝን ኣፕል ማፕስን ምስሊ ሳተላይት ካብ ዘቕርቡ ትካላት ይቕበሉ።

ማክሳርን ፕላኔት ላብስን ክልተ ዓበይቲ ምስሊ ሳተላይት ዘቕርቡ ትካላት ኮይኖም: ኣብ እስራኤልን ጋዛን ዝለዓለ ጽርየት ዘለዎም ምስሊታት የቕርቡ።

ክልቲኦም ኩባኒያታት ኣመሪካ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ምስ ተላዕለ ኣብቲ ከባቢ ዝለዓለ ጽርየት ዘለዎም ምስሊታት ከቕርቡ ጀሚሮም ምህላዎም ኣረዲኦም።

ይኹን'ምበር ንህዝቢ ክፉት ዝኾነ መረዳእታ ብናጻ ወሲዶም ዝጥቀሙ ተመራመርቲ ዝጥቀሙሎም መተግበሪታት ብናጻ ዝርከቡ ጥራሕ ስለ ዝኾነ ልዑል ጽርየት ዘለዎም ምስሊታት ምርካብ ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ ይገልጹ።

ተመራመርቲ ሂዩማን ራይትስዎች ብ2017 ወተሃደራት ሚያንማር ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣስላም ሮሂንጋ ዝነብሩላ ቁሸት ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ከቃልዑ እንከለው ምስሊታት ሳተላይት ተጠቒሞም ነይሮም።

እዚ መረዳእታ ናብ ባንግላድሽ ተሰዲዶም ዝነበሩ ሮሂንጋውያን ኣስላም ምስ ዝሃቡዎ ቃል ሓደ ዓይነት ኮይኑ ተረኺቡ።

ምስሊ ሳተላይት ኣብ ልዕሊ ኣብ ቻይና ዝርከቡ ኣስላም ዝበጽሕ ምዝመዛ ጉልበት ንምርዳእ'ውን ከም ዝሓገዘ ይዝረብ።

ቻይና "መሰልጠኒ ኢደ ጥበብ" ብዝብል ጉልባብ ኣስላም እትዳጉነሉ መዓስከር ዢንዣንግ ኣብ ምዕራብ ቻይና ግዝኣት ዳባንቼንግ ይርከብ።

ቻይና "ኣተሓሳስባ ኣኽረርቲ እስላም ዝሃንጸሉ ትካል ትምህርትን ስልጠናን'ዩ" ትብል።