እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ እየሩሳሌም ዝካየድ ዘሎ ግጭት ሓሙሻይ መዓልቲ ኣቑጺሩ
ኣብ እየሩሳሌም ዝካየድ ዘሎ ግጭት ሓሙሻይ መዓልቲ ኣብ ዘቁጸረሉ እዋን እስራኤል ኣብ ጋዛ ትገብሮ ዘላ መጥቃዕቲ ኣሐይላቶ።
ሓይሊ ኣየርን ሓይልታት ምድርን እስራኤል ኣብ ቃዛ መጥቃዕቲ የካይዱ ከምዘለዉን፡ እንተኾነ ግን ናብታ ወሽመጥ ከምዘይኣተዉን ሰራዊት እታ ሃገር ገሊጹ'ሎ።
ኣብ ጋዛ ዝርከብ ሪፖርተር ቢቢሲ ኣብቲ ኵናት ነፈርቲ ውግእ፡ ሄሊኮፕተራትን ብረት ዝጽዓና ጀላቡን ይሳተፋ ምህላወን ገሊጹ።
እቲ ግጭት ብሰኑይ ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ ኣብ ጋዛ ልዕሊ 100 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብወገን እስራኤል ኸኣ ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ገለ ከተማታት እስራኤል ኣብ ሞንጎ ኣይሁዳውያንን ኣዕራብ እስራኤላውያንን'ውን ናዕብታት ይልዓል ኣሎ።
ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ቤኒ ግንትዝ ነቲ ብኣስታት 400 ሰባት ዝተበገሰ ህዝባዊ ናዕቢ ብኣካላት ጸጥታ ከም ዝሃደአ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ነታንያሁ ሎሚ ንግሆ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ እስራኤል ኣንጻር ሓማስ ኣብ ጋዛ ተካይዶ መጥቃዕቲ ክንድቲ ዝተደለየ ከም ዝቅጽል ብምግላጽ፡ 'ሓማስ ዋግኦም ክረኽቡ'ዮም' ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ሓማስ ብወገኑ፡ ንሰራዊት እስራኤል ጽቡቕ ትምህርቲ ከነቅስሞ ኢና ኢሉ።
እዚ ሕጂ ኣብ ጋዛ ዝካየድ ኵናት ድሕሪ 2014 ኣብቲ ዞታ ካብ ዝተራኣየ ግጭታት እቲ ዝኸፈአ እዩ።
ኣብ ምብራቕ እየሩሳሌም ዝጀመረ ምትፍናን፡ ናብ ኣየር ደብዳብን ሮኬት ምውንጫፍን ዓሪጉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ነታንያሁ መግለጺ ምስ ሃበ፡ ከም ቅጽበትየ ኣብ ጋዛ መጥቃዕቲ ተጀሚሩ።
ሓማስ ብወገኖም ከም ግብረ መልሲ ናብ ናይ እስራኤል ከተማታት ኣሽክሎን፣ ኣሽዶድ፣ ብርሸባን ያቭነን ሮኬታት ወንጪፎም።
ድሕሪ ሰዓታት እስራኤል ኣስታት 7000 ዝኾኑ ሰራዊታን ብድሩዓት መካይን ኣሰንያ ናብ ዶባት ጋዛ ኣጸጊዓቶም።
ሰራዊት እስራኤል፡ ብኣጋር ሰራዊት ናብ ጋዛ ምእታው ሓደ ኣማራጺ ኮይኑ ንናይ መወዳእታ ትእዛዝ ይጽበዩ ከም ዘለዉ ገሊጾም።
እቲ ግጭት ሓሙሻይ መዓልቲ ኣብ ዘቁጸረሉ ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ክልቲኦም ወገናት ተጻብኦታት ኣቋሪጸም ቶኵሲ ደው ከብሉ ጸዊዑ።
ክሳብ ሕጂ 27 ህጻናት ዝርከብዎም 103 ፍሊስጤማውያን ክሞቱ እንለዉ ልዕሊ 580 ኸኣ ብከቢድን ፎኵስን ተሃሪሞም ከም ዘለዉ ሚኒስተር ጥዕና ጋዛ ሓቢሩ።
እስራኤል ብወገና፡ ካብቶም ኣብ ጋዛ ዝሞቱ እቶም ዝበዝሑ ዕጡቓት ምዃኖም እያ ትገልጽ።
ትማሊ ሓሙስ ካብ ዝነበረ ገለ ፍጻመታት
- ሰለስተ ሮኬት ካብ ሊባኖስ ናብ እስራኤል ከም ዝተወንጨፈ ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ኣፍሊጡ።
- ሰራዊት እስራኤል ኣብ ጋዛ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ስለያ ሓማስ፤ ሓማስ ከም መዋፈሪን ኣብያተ ንግድን ዝጥቐመሉ ህንጻ ከም ዝሃረመ ገሊጹ።
- ሓማስ ካብ ጋዛ ኮይኑ ናብ እስራኤል ትንፋስ ዘይህብ ሮኮታት ክውንጭፍ ውዒሉ። ውሃቢ ቃል ሓማስ 'እዚ ኣዝዩ ውሑድ'ዩ' ብምባል ልዕሊኡ ናይ ምግባር ዓቕሚ ከም ዘለዎም ኣተንቢሁ።
- ኣብተን ኣይሁዳውያንንን ኣዕራብን ተሓናፊጾም ዝነብሩለን ከተማታት እስራኤል ሓያል ናዕቢ ክካየድ ውዒሉ።
- ከይኤልኤል፡ ብርቲሽ ኣይርወይስን ቭርጂን ኣትላንቲከን ዝርከብአን ሓያለ መንገዲ ኣየራት ናብ እስራኤል ዝገብርኦ በረራታት ደው ኣቢለን ኣለዋ።