እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ ኣብ መሸጣ ኣጽዋር ኣብ ዓለም ዝነበራ መሪሕነት ከምዝዓቀበት ተገሊጹ
ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ንሃገራት ዓለም ብመሸጣ ዘቕረበቶ መጠን ኣጽዋር ብ37 ሚኢታዊት ከምዝወሰኸ ሓደ ኣብ ስዊድን ዝርከብ ትካል መጽናዕቲ ሓቢሩ።
ብዘይካ ኣሜሪካ ሃገራት ፈረንሳይን ጀርመንን እውን ናብ ካልኦት ሃገራት ብመሸጣ ዘቕርብኦ ኣጻዋር ውግእ መጠኑ ክውስኽ ምኽኣሉ ነቲ ብወገን ቻይናን ሩስያን ተፈጢሩ ዘሎ ሕጽረት ቀረብ ከምዝመልእ ይግለጽ።
ኣብዚ እዋን ዘሎ መሸጣን ዕድግን ኣጽዋር ካብ እዋን ዝሑል ኲናት ናብዚ እቲ ዝለዓለ ምዃኑ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብ ዓለም ካብ ዝተፈጸመ መሸጣ ኣጽዋር ውግእ ከኣ እቲ ዝለዓለ ኣብ ውሽጢ ማእከላይ ምብራቕ ዝተመዝገበ ኮይኑ’ሎ።
ነቲ ዳህሳስ ኣብ ዘካየደ ትካል መጽናዕቲ ስቶክሆልም ላዕለዋይ ተመራማሪ ፒተር ዊዝማን “እቲ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተርኣየ ዝለዓለ ዕዳጋ ኣጽዋር ውግእ ተዛዚሙ ንምባል እዋኑ ኣይኣኸለን” ኢሉ።
እቲ በዓል ሞያ ከምዝበሎ ኣብዚ እዋን ኣጋጢሙ ዘሎ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ብሰንኪ ዘሕድሮ ጸቅጢ ሃገራት ነቶም ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ዝዕድግኦም ኣጽዋር ኲናት ምልስ ኢለን ምግምጋመን ኣይክተርፍን።
“ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብ ዝበጽሓሉ ዝሓለፈ ዓመት’ኳ ብዙሓት ሃገራት ወሰንቲ ዝበሃሉ ዓይነታት ኣጽዋር ንምዕዳግ ዓበይቲ ስምምዓት ተፈራሪመን’የን” ክብል ድማ የረድእ።
እቲ ትካል መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ መጠን ናይቲ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተሸጠ ኣጽዋር ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ክነጻጸር ከሎ ብዝነበሮ ኩነታት ናይ ምቕጻል ባህርያት ነይርዎ።
ኣሜሪካ ናብ ደገ ካብ እትሸጦ ኣጽዋር ዳርጋ እቲ ፍርቂ ናብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ዝቐረበ እዩ። ስዑዲ ዓረቢያ ድማ ካብ መሸጣ ኣጽዋር ኣሜሪካ ነቲ 24 ሚኢታዊት ትወስድ።
ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣሜሪካ ኣብ ዓለም ዝነበራ ዕዳጋ ኣብ ዝወሰኸሉ እዋን 94 ዓማዊል ሃገራት ነይረንኣ።
ነታ ሃገር ብምስዓብ ፈረንሳ ዝነበራ መሸጣ ኣጽዋር ብ 44 ሚኢታዊት ክውስኽ ከሎ ጀርመን ብወገና 21 ሚኢታዊት ዕብየት ዕዳጋ ኣመዝጊባ።
እስራኤልን ደቡብ ኮርያን ምስተን ሰለስተ ሃገራት ክነጻጸራ ከለዋ ዝተሓተ መጠን ኣጽዋር ናብ ዕዳጋ ዘቐርባ’ኳ እንተኾና መሸጠአን ግን ብዝለዓለ መጠን’ዩ ወሲኹ።
ጎንጽን ወጥርን ኣብ ዘይፍለዮ ማእኸላይ ምብራቕ ዝርከባ ሃገራት ዘቕርብኦ ጠለብ ዕድጊት ኣጽዋር ውግእ ብዝለዓለ መጠን እናወሰኸ ይርከብ።
እተን ናብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪቃ ኣጽዋር ብምቕራብ ዝፍለጣ ሃገራት ሩስያን ቻይናን መሸጠአን ከምዝነከየ እዩ ዝግለጽ።
ሩስያ መሸጠኣ ብ22 ሚታዊት ክንክይ ከሎ እታ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ኣጽዋር ብምቕራብ ብሓምሻይ ደረጃ እትስራዕ ቻይና ከኣ መሸጠኣ ብ7.8 ሚኢታዊት ነክዩ’ሎ።
ፓኪስታን፣ ባንግላዲሽን ኣልጀርያን እተን ቀንዲ ዓማዊል ኣጽዋር ቻይና ነይረን።