ኣብ ምብራቕ ጎጃም ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ብውሑዱ 30 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም፡ ሎሚ ንጎሆ ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ መኪና ብውሑዱ 30 ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።

እቲ ሐደጋ ኣብ ወረዳ 'ሁለት እጁ እነሴ' ኣብ ዝበሃል ከባቢ ከምዘጓነፈ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ እቲ ወረዳ፡ ምክትል ኮማንደር አይችሉህም ዳምጤ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

እቲ ሐደጋ ኣብ መንጎ፡ ካብ ደብረ ታቦር ተበጊሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስን ካብ ግንደ ወይን ናብ ሞጣ ትጓዓዝ ዝነበረት ኣይሱዝን ዝተፈጥረ ምግጫው እዩ ኣስዒቡዎ።

እተን መካይን ፊት ንፊት ምስተጋጨዋ እታ ኣይሱዚ ዝዓይነታ መኪና 150 ሜትሮ ናብ ገደል ከምዝጸደፈት ተገሊጹ።

ካብቶም ኣብታ ኣይሱዝ ዝነበሩ 23 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ካልኦት ብባጃጅ (ሰለስተ እግራ መኪና) ናብቲ ሓደጋ ንክረድኡ ብፍጥነት ዝጎዩ ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት ድማ ኣብ መገዲ ተገልቢጦም ሞይቶም።

እቶም ዝተረፉ ድማ ካብቶም ኣብ'ታ ዋልያ ኣውቶብስ ዝነበሩ ተሳፈርቲ እዮም ተባሂሉ።

ሽድሽተ ሰባት በቲ ሓደጋ ጉድኣት በጺሕዎም ንሕክምና ናብ ባህርዳር ዝተወስዱ ኾይኖም፡ ካልኦት 17 ድማ ኣብ ሆስፒታል ሞጣ ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝኾነ እቲ ምክትል ሓላፊ ፖሊስ ተዛሪቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ በብዓመቱ ብሓደጋ መኪና፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ህይወቶም ከምዝስእኑ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ፡ 20,672 ሐደጋታት ኣጓኒፎም ኢሉ።

በዚ መሰረት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ 1 ሓምለ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 30 ታሕሳስ 2013 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ኣብ ዘጋጠመ ሓደጋታት ናይ 1 ሽሕን 849 ሰባት ህይወት ሓሊፉ።

ኣብቲ ተመሳሳሊ እዋን፡ 2646 ሰባት ከቢድ ጉድኣት ክበጽሖም እንከሎ፡ 2565 ሰባት ድማ ፈኲስ ጉድኣት ከምዝበጽሖም ተገሊጹ።