ኢጣልያ፡ ካብ መዕቆቢ ስደተኛታት ከምልጥ ዝፈተነ ኤርትራዊ ብሓደጋ መኪና ህይወቱ ሓሊፉ

ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ፡ ካብ ማእከል መዕቆቢ ሓተትቲ ዑቐባ ክሃድም ዝፈተነ ኤርትራዊ መንእሰይ ብመኪና ተሃሪሙ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ኢንፎ ማይግራንትስ ጸብጺቡ።

ከባቢ 20 ዝኾኑ ሓተትቲ ዑቐባ ኣብቲ ማእከል ዘሎ ኣተሓሕዛ ዘለዎም ተቓውሞ ብምግላጽ ካብቲ መዕቆቢ ከምልጡ ከምዝፈተኑን እቲ ኤርትራዊ'ውን ሓደ ካብኣቶም ምንባሩ ተገሊጹ።

እቲ ስሙ ዘይተገለጸ ወዲ 20 ዓመት ኤርትራዊ፡ ካብቲ ኣብ ከተማ ሲኩሊያና ካብ ዝርከብ ቪላ ሲካንያ ዝተብሃለ መዕቆቢ ምስ ወጽኣ ኣብ ጽርግያ ብመኪና ከም ዝተሃረመ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ክሕዝዎ ዝፍትኑ ዝነበሩ ሰለስተ ፖሊስ'ውን በቲ ሓደጋ መኪና ከም ዝቖሰሉ ተፈሊጡ።

እቶም ካልኦት ስደተኛታት ብምልኦም ተታሒዞም ናብቲ መዕቆቢ ከም ዝተመለሱ እቲ ዝወጽኣ ሓበሬታ ጠቒሱ።

ወዲ 34 ዓመት መራሒ መኪና፡ ሓደጋ ድሕሪ ምፍጻሙ ደው ከም ዘይበለ ንማእከን ዜና ኣንሳ ብምጥቃስ ዝጸብጸበ ኢንፎማይግራንትስ ተታሒዙ መርመራታት ይግበረሉ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ብሓሙስ ኣብ ቪላ ሲካንያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብቲ ማእከል ንዘሎ ምሒር ምጽቕቃጥን ሕማቕ ኩነታት ናብራን ተቓውሞኦም ገሊጾም ነይሮም።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ኣብ ሲሲሊ ካብ ዝርከባ መዕቆቢ ስደተኛታት ከም ዝሃደሙ ኣንሳ ጸብጺቡ።