ለበዳ ኮቪድ-19፡ ትራምፕ ደገፍቱ ክታበት ክወስዱ ከተባብዕ ተሓቲቱ

ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ሪፓብሊካውያን ክታበት ኮቪድ-19 ክወስዱ እንተዘተባብዕ "ዓቢይ ለውጢ" ከምጽእ ከም ዝኽእል፡ ላዕለዋይ ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣሜሪካ ሓቢሩ።

ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ ብሰንበት ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ትራምፕ "ኣብ ሪፓብሊካውያን ኣዝዩ ህቡብ" ምዃኑ ተዛሪቡ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ዝተገብረ ዳህሳስ ከም ዘርእዮ 49% ደቂ ተባዕትዮ ሪፓብሊካውያን ክታበት ኮሮናቫይረስ ክወስዱ ኣይደልዩን።

ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኩሉ ሰብ ክኽተብ ኣዘኻኺሩ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣሜሪካውያን ክታበት ክወስዱ ዘተባብዓሉ ናይ ፈለማ ኣጋጣሚ እኳ እንተነበረ፡ ብድሕሪኡ ኣብቲ ጉዳይ ርእይቶ ኣይሃበን።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ብውልቁ ዝተኸትበ ትራምፕ፡ ፕረዚደንታት ኣሜሪካ ነበር፡ ባራክ ኦባማ፡ ጆርጅ ቡሽ፡ ቢል ክሊንተንን ጂሚ ካርተርን ኣብ ዝተረኽቡሉ እቲ ክታበት ዕላዊ ኣብ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ ኣይተረኽበን።

ኣሜሪካ በቲ ለበዳ እታ ኣዝያ ዝተሃስየት ሃገር ክትከውን እንከላ፡ ልዕሊ 530,000 ምስ ኮቪድ ዝተሓሓዝ ሞትን ከባቢ 29.5 ሚልዮን ሞትን ኣመዝጊባ ምህላዋ ጸብጻባት ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የርእይ።

ዶክተር ፋውቺ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ትራምፕ ንኣሜሪካውያን "እቲ ክታበት ንጥዕናኹም፡ ንጥዕና ስድራቤትኩምን ንጥዕና ሃገርኩምን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ውሰዱዎ እንተዝብሎም፤ ዝበዝሑ ደገፍቱ ክሰምዕዎ ከም ዝኽእሉ ርዱእ እዩ" ኢሉ።

ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ክታበታት ኣብ ምቕራብ "ዕውት ስራሕ" ከም ዝሰርሐ'ውን እቲ ላዕለዋይ ክኢላ ሕክምና ገሊጹ።