ኮቪድ ፦ ኣብ ልብን ኮላሊትን አእምሮናን እንታይ ሳዕቤን የኸትል?

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ዓዲ-እንግሊዝ ባዮባንክ፡ ሕማም ኮቪድ-19፡ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ኣብ ሰብነት ደቂ ሰባት ከስዕቦ ዝኽእል ጽልዋታት ጥዕና ንምፍላጥ ሰፊሕ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ጀሚሮም። ብራያን ሺፕሀርድ፡ ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ኣብቲ መጽናዕቲ ዝሳተፉ ዘለው ወለንተኛታት ብምዃኑ ከምእተሓጎሰ ይሕብር።

ዓባይ ብሪጣንያ ባዮባንክ፡ ናይ 500,000 ሰባት፡ ስእላውን ጀነቲካዊ ድሕረ ባይታ ጥዕና ሓበሬታ ብምእካብ ምርምር የካይድ ኣሎ። ኣስታት 1500 ሰባት ኮቪድ ዝሓዞም ሰባት ፡ ክፍልታት ኣካላቶም በቲ ቫይረስ ድሕሪ ምልካፎም እንታይ ዓይነት ጽልዋ ከምዘማዕበለ ንምርግጋጽ እንደገና ስእላዊ ምርመራ ሕክምና (ስካን) ገይሮም።

ቀንዲ ተመራማሪት ስነ-ፍልጠት ፕሮፌሰር ናኦሚ ኣለን፡ እቲ መርመራ ቅድምን ድሕርን ኮቪድ ሕሉፍን ህልውን ኩነታት ሰባት ከነጻጽር ዝኸኣለ መጽናዕቲ ጥራይ ምዃና ሓበረት ።

ፕሮፈሰር ኣለን፡ ቀጺላ "ኣብ መጀመርታ ለበዳ ኮቪድ-19 ንስርዓተ ምስትንፋስ ዘጥቅዕ ሕማም ምዃኑ ኢና ንፈልጥ ኔርና ። ሕጂ ንፈልጦ ከምዘሎና ግን ንካልእ ክፍሊ ሰብነት፡ ንልቢ፡ ንጸላም ከብዲ፡ንኮላሊትን ሓንጎልን ዝጸሉ'ዩ ዝመስል ። ስለዚ፡ ተመራመርቲ፡ ኮቪድ ኣብ ኣቃውማን ዕማምን እዞም ክፍልታት ኣካላት እንታይ ዓይነት ጽልዋን ሳዕቤንን ከምዘኸትል ንምርምር ኣለና" ትብል።

እቲ መጽናዕቲ፡ ነቶም ብኮቪድ ተለኺፎም ክነሶም ብዙሕ ሕማም ዘየማዕበሉን እቶም ኣጸቢቖም ዝተሃስዩን ሰባት ዘስዓቦ ጽልዋ ከም ኣብነት ይርእዮ ኣሎ።

እቲ ኣብ ኣእምሮ ዝግበር ስካን፡ ሕማም ኮቪድ ኣብ ነዊሕ እዋን ኣብ ሓንጎል ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን እንተሎ ይርኢ ኣሎ። ፕሮፌሰር ኣለን፡ "ተመራመርቲ ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ እተፈላለዩ ኣካላት ሰብነት ከስዕቦ ዝኽእል ሳዕቤን፡ ካብቲ ኣብ ፈለማ ዝተሓስበ ዝተፈልየ እንተኾይኑ ብዕምቆት ንኺምርምሩ ክሕግዞም እዩ" በለ ።

እቲ ባዮባንክ በቲ ቫይረስ ንዘይተለኸፉ 1,500 ሰባት እውን ዝርዝራዊ ጸብጻብ ክሕዝ እዩ።

'ብምስታፍኩም ዝሕበኑ'

ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ብሕማም ኮቪድ ተታሒዙ ኣብ ሆስፒታል ንሓሙሽተ መዓልቲ ዝደቀሰ ወዲ 71 ዓመት ብራያን ሺፐርድ ካብ ጌት ሸድ ኒውካስትል፡ ኣብቲ መጽናዕታዊ ምርምር ካብ ዝተሳተፉ ሰባት እዩ።

" ኣብ ኣምቡላንስ ምስ ኣተኹ፡ ሰበይተይ ኣብ ጽርግያ ደው ኢላ፡ ክትፋነወኒ ምስረኣኹዋ፡ ተመሊሰ እርእያ'ዶ ይኸውን ኢሉ ከምእተሻቐለ" ይዛረብ።

ይኹን እምበር፡ ብራያን ንሓሙሽተ መዓልቲ ምስ ተሓከመ፡ ዕድል ገይሩ ሓውዩ ናብ ቤቱ እኳ እንተተመልሰ ገና ምልክታት ኣለዎ ።

እቶም ንባዮባንክ ጥዕናዊ ሓበሬታ ዝሃቡን ኣብቲ መጽናዕቲ ብፍቓዶም ዝተሳተፉን ወለንተኛታት ንሳዕቤን እቲ ሕማም ንክፍለጥ ስለዝሓገዙ ክምስገኑ ይግባእ።

ስነ-ፍልጠት፡ ሕማም ኮቪድ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ንዘስዕቦ ሳዕቤናት ንምምርማር ገና ኣብ መጀመርታ ደረጃ እዩ ዘሎ ።

ይኹን እምበር ድሮ ካብቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምርምር ስነ ፍልጠት፡ ሕማም ኮቪድ ኣብ ሳንቡእ በሰላ፡ ነድርን ጭዋዳታት ልብን ፡ ከምኡ እውን ኣብ ኵሊት ሳዕቤናት የኸትል ከምዘሎ ተገንዚቦም ኣለው።

እቲ ቫይረስ ኣብ ልብን ኩሊትን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ አእምሮ እውን ጽልዋ ይፈጥር ምህላውን ሓያሎ ሰባት ድሕሪ ሕማም ኮቪድ ምዕፋን ናይ አእምሮ ምርሳዕን ናይ ኣትኩሮ ጸገም፡ ሕማም ርእስን ጭንቀትን የጋጥሞም ከም ዘሎ ሓቢሮም።

እቲ መጽናዕቲ፡ ነቲ ገሊኡ ስነ-መትናዊ ለውጥታት ኣብ ግምት ከእቱን ኣብ ፍታሕ ከኣ ክሕግዝን ተስፋ ይህብ።

ኣብ ኢምፐርያል ኮሌጅ ለንደን ኒውሮሳይክሊስት ፕሮፈሰር ፖል ማቲውስ፡ " እቲ ኣብ ሓንጎል ዝግበር ዘሎ ስእሊ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ነገራት ሓንጎል ይነግረና ኣሎ። እቲ ስእሊ፡ እቲ ሕማም ኣብ ሓንጎል ቀጻሊ ነድርን ሳዕቤን ዘኸትል ምዃኑን፡ ምናልባት እውን ነቲ ናይ ሓንጎል ነርቭ ክጭብጦን ክሽምርሮን ከምዝኽእል ምልክታት ኣርእዩ ኣሎ።

እቲ ጉጀለ ተመራመርቲ እቲ ኣብ ለንደን ዝግበር ዘሎ ሕክምናዊ መርመራ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ክድገም ምዃኑን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ተመራመርቲ ከም ጭብጥን መበገሲ ቀጻሊ መርመራ ክቐርብ ከምዝኽእልን ሓቢሮም።