ኮቪድ-19፡ ብራዚል ፈላማይ ዝለዓለ መዓልታዊ ሞት ልዕሊ 2 ሽሕ ሰባት ኣመዝጊባ

ኣብ ብራዚል መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ይውስኸሉ ዘሎ ኸይኑ፡ በዝሒ ምስ ኮቪድ ዝተተሓሓዘ መዓልታዊ ሞት፡ ንፈለማ እዋን ልዕሊ 2 ሽሕ በጺሑ፡፡

ብዝሒ ትማሊ ረቡዕ ዝሞቱ ሰባት 2286 ከምዝኾነ እዩ ተገሊጹ፡፡

ኣብታ ሃገር ዛጊድ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ 268370 ዝሞቱ ኮይኖም፡ ካብ ኣመሪካ ቐጺላ ኮቪድ ዘስዓቦ ዝለዓለ ሞት ዘመዝገበት ሃገር እያ፡፡

መጠን ለበዳ ኣብታ ሃገር ብምኽንያት ሓድሽ ዓሌት እቲ ቫይረስ ይጋደድ ከምዘሎ ሰብሞያ የጠንቅቑ፡፡

ፕረዚደንት ብራዚል ነበር ሉላ ዳ ሲልቫ፡ ኣብ እዋን እቲ ለበዳ መራሒ እታ ሃገር ቦልሶናሮ ንዝወሰዶም ውሳነታት ነቒፉ፡፡

ንስግኣታት ኮሮናቫይረስ ከነኣእስ ዝስማዕ ፕረዚደንት ቦልሶናሮ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ንፈለማ እዋን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ገይሩ ዝተርኣየ ኮይኑ ‘‘ምስቁንቋን ግደፉ’’ ክብል ተሰሚዑ እዩ፡፡

ኣብ ብራዚል ዝዓርግ ዘሎ ረኽሲ እቲ ቫይረስ፡ ንስርዓት ጥዕና ዓበይቲ ከተማታት ዓብዪ ጸቕጢ ዝፈጠረሉ ኮይኑ ናይ ገሊአን ድማ ናብ ምውዳቕ ተቓሪቡ ከምዘሎ መሪሕ ትካል ጥዕና እታ ሃገር ፊዮክሩዝ ኣጠንቂቑ፡፡

ኩነታት ኮቪድ ኣብ ብራዚል

ብራዚል ትማሊ ረቡዕ፡ ዛጊድ ካብ ዝተመዝገቡ ረኽሲታት ብሳልሳይ ደረጃ ዝውሰድ 79876 ሓደሽቲ መልክፍቲ ኣመዝጊባ፡፡

እቲ ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ተራእዩ ዘሎ ወሰኽ መልከፍቲ ብሰንኪ እቲ ፒ 1 ተባሂሉ ዝፍለጥን ኣብ ኣማዞን ኣብ እትርከብ ከተማ ማኑስ ከምዝነቐለን ዝግለጽ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ከምዝኾነ እዩ ዝንገር፡፡

ትማሊ ረቡዕ ጥራሕ 2286 ሰባት በቲ ቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ፡፡

ከም ጸብጻብ ፊዮክሩዝ፡ ሪዮ ዲ ጀኔሮን ሳኦ ፓውሎን ሓዊሱ፡ ርእሰ ከተማታት 15 ግዝኣታት፡ ዝነበረን መሐከሚ ጽኑዕ ማእከላት ልዕሊ 90 ምኢታዊት ብሕሙማት ተታሒዙ እዩ፡፡ ብተመሳሳሊ ናይ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ብራዚልያ ሙሉእ ከምዝተታሕዘን፡ ከተማታት ፖርቶ ኣሌግረን ካምፖ ግንደን ዝርከቡ መሐከሚ ጽኑዕ ሕሙማት ድማ ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ሒዘን ከምዘለዋ ገሊጹ፡፡

ኣብታ ሃገር ብቕልጡፍ ክታበት እንድሕር ዘይተባጺሑ ሓደገኛ ኩነታት ክፍጠር ከምዝኽእል እዮም ሰብሞያ ዝዛረቡ፡፡

ብዛዕባ እቲ ኣብ ብራዚል ዝተርኣየ ሓድሽ ዓሌት ኮቪድ እንታይ ንፈልጥ?

ፒ 1 ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓድሽ ዓሌት ኮቪድ፡ ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎኡ ካብቲ ፈላማይ ብዕጽፊ ከምዝዛይድ መረዳእታታት ይሕብሩ፡፡

ብተወሳኺ በምኽንያት እቲ ቀዳማይ ዓይነት ቫይረስ ዝማዕበለ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከዳኽም ከምዝኽእል ይግለጽ፡፡

ደጊሙ ናይ ምሓዝ ተኽእሎኡ ድማ ካብ 25 ክሳብ 60 ምኢታዊት ከምዝበጽሕ እቶም መረዳእታታት የመልክቱ፡፡

ፊዮክሩዝ መጽናዕቲ ካብ ዘካየደለን ሸሞንተ ግዝኣታት ኣብተን ሽዱሽተ እዚ ዓሌት ኮሮረናቫይረስ ብበዝሒ ከምዝረኸበ ዝገለጸ ኮይኑ ካብቶም ኣሻቐልቲ ሓደ ከምዝኾነ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ እዩ፡፡

ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረእየሱስ፡ ኣብ ብራዚል ዘሎ ኩነታ እቲ ቫይረስ ኣዐርዩ ከምዘስገኦ ብምግላጽ ናብቲ ዞባ ክላባዕ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ፡፡