እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክታበት ፋይዘር ለውጢ ጀነቲካዊ ቅርጺ ንዝገበሩ ሓደስቲ ዓሌታት ኮቪድ 'ክከላኸል' ይኽእል'ዩ
ፋይዘር ዝተባህለ ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ሓደስቲ ዓሌታት እቲ ቫይረስ ንዝተርኣየ ለውጢ ጀነቲካዊ ቅርጺ እውን ክከላኸል ከምዝኽእል መጽናዕቲታት ሓቢሮም፡፡
ይኹም እምበር፡ እዚ ለውጢ ሓደ ካብቶም ኮሮረናቫይረስ ዘማዕብሎም ዘሎ ለውጥታት ጀነቲካዊ ቅርጺ ጥራይ'ዩ፡፡ እዚ ማለት፡ ንካልኦት ዓሌታት ናይቲ ቫይረስ ዝከላኸል ዝኽእል እንተኾይኑ ኣይተረጋገጸን።
በዚ ምኽንያት ድማ፡ ዋላ'ኳ እቲ መጽናዕቲ ጽቡቕ ተቐባልነት ዝረኸበ እንተኾነ፡ ብዛዕባ ውጽኢታውነት እቲ ክታበት ውዱእ ስነፍልጠታዊ መደምደምታ ክግበር ኣይተኻእለን።
ሓደስቲ ዓሌታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተረኸቡ ኮይኖም፡ ብቕልጡፍ ይላብዑ ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ፡፡
ዛጊድ ተረኺቦም ዘለዉ ክታበታት ኮሮናቫይረስ፡ ነዞም ሓደስቲ ዓሌታት ብኽንደይ ዝኣክል ክከላኸሉዎም ይኽእሉ ዝብል ሕቶ ድማ ብቐጻሊ ዝለዓል ኮይኑ ኣሎ፡፡
እቶም ክታበታት ነዞም ሓደሽቲ ዓሌታት እውን ክከላኸሉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ሓፈሻዊ ርድኢት ዘሎ ኮይኑ፡ ተመራመርቲ ግና ሓቅነቱ ንምርግጋጽ ኣብ መጽናዕቲ ይርከቡ፡፡
ኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ፡ ኣብ ክልቲኦም ሓደስቲ ዓሌታት ኮሮረናቫይረስ ዝተርኣየ 'ኤን501ዋይ' (N501Y) ኣብ ዝተባህለ ለውጢ ጀነቲካዊ ቕርጺ ኣተኲሩ ይሰርሕ ኣሎ፡፡
እቲ ዓይነት ለውጢ ኣገዳሲ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እቲ ምስ ዋህዮታት ኣካላትና ፈላማይ ምትንኻፍ ዝገብር ብምዃኑ'ዩ። ምስ ተቐየረ ድማ ብቐሊሉ ናብ ኣካላትና ክኣቱን ረኽሲ ክፈጥርን ክሕግዞ ይኽእል፡፡
''ጽቡቕ ዜና''
እቶም ተመራመርቲ፡ ሓደ ለውጢ ናይ ቅርጺ ዝገበረን ካልእ ዘይገበረን ዓይነታት ቫይረስ፡ ናብ ቅምሶ ደም ኣብ እዋን ክሊኒካዊ ፈተነ ክታበት ዝወሰዱ 20 ሰባት ኣእትዮምዎም፡፡
እቲ ዝረኸብዎ ውጽኢት ድማ፡ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ናይቶም ዝተኸተቡ ሰባት ነቲ ለውጢ ጀነቲካዊ ለውጠ ቅርጺ ዘለዎ ቫይረስ ክከላኸል ኪኢሉ'ሎ፡፡
ኮይኑ ግና፡ እቲ ሓድሽ ዓሌት ብዙሓት ዝተላለዩ ለውጢታት ስለዘለዎ፡ ተኣኻኺቡ ነቲ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከየድክሞ ስግኣት ኣሎ፡፡
ኣብ እንለሊዛዊ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ዝሰርሕ ፕሮፌሰር ራቪ ጉብታ ''እቲ ተመሪጹ ዘሎ ለውጢ ጀነቲካዊ ቅርጺ፡ ካብቶም ሸሞንተ ለውጢታት ናይቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተርኣየ ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ እዮም፤ ንሱ በይኑ ድማ ብዙሕ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ዝሕሰብ ኣይኮነን'' ብምባል ነቲ ዘሎ ስክፍታታት የጠናኽሮ፡፡
እቲ ውጽኢት ብግልባጡ ተዝኸውን ሕማቕ ዜና ምኾነ ነይሩ ዝብል ፕሮፌሰር ስቴቨን ኢቫንስ ድማ፡ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት ''ጽቡቕ ዜና'' ከምዝኾነን፡ ብምሉእነት ንምድምዳም ግን ከምዘይከኣልን ተዛሪቡ፡፡