እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ ቀዳማይ ዙር ክታበት ኮሮናቫይረስ ጽባሕ ሰኑይ ክትጅምር’ያ
ኣሜሪካውያን ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ካብ መንግስቲ ፍቓድ ዝረኸበ ክታበት ፋይዘር/ባዮኤንቴክ ካብ ጽባሕ ሰኑይ ጀሚሮም ክኽተቡ ምዃኖም ተፈሊጡ።
ፈለማይ 3 ሚልዮን ክታበት ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት “ናብ ኩለን ግዝኣታት” እታ ሃገር ክበጽሕ ከምዝግበር ንዝርግሐ እቲ ክታበት ዝከታተል ጀነራል ጉስታቨ ፔርና ገሊጹ።
ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ክታበት “ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ 24 ሰዓታት” ንምጉዕዓዝ ይጸዓን ከምዘሎ ሓቢሩ።
ንኮሮናቫይረስ ኣብ ምእላይ “ሙሉእ” ምትእምማን ከምዘለዎ ዝተዛረበ ጀነራል ጉስታሽ “ኩሎም ኣሜሪካውያን ክሳብ ዘይተኸተቡ ግን ዝተወደአ ጉዳይ ኣይኮነን” ክብል ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ክታበት ክሳብ 95 ሚኢታዊት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘለዎ ኮይኑ፡ ውሑስ ምዃኑ ድማ ካብ ምምሕዳር መግብን ኣፋውስን ኣሜሪካ መረጋገጺ ረኺቡ’ሎ።
ኣብታ ሃገር ትማሊ ቀዳም ጥራይ 3,309 ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።
እቲ ኣብ ዌብሳይት ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዝተገለጸ ብዝሒ ሞት፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ዝተመዝገበ ሞት እቲ ዝለዓለ ከምዝኾነ የመልክት።
ኣብ ኣሜሪካ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዘጋጥም ሞት ብዝለዓለ መጠን እናወሰኸ ይርከብ።
በዚ ምኽንያትድማ ብቕልጡፍ ናብ ክታበት ክትኣትው ተገዲዳ’ላ።
ብቐዳምነት ድማ ንሰራሕተኛታት ጥዕና ከምኡ’ውን ነበርትን ሰራሕተኛታትን መሕብሐሚ ማእኸላት ክኽተቡ ትጽቢት ይግበር።
ነቲ ሕማም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዘይኮኑ ዜጋታት እታ ሃገር ድማ እቲ ክታበት ኣብ ወርሒ ጥሪ ክበጽሖም ከምዝኽእል ዝግለጽ ኮይኑ፤ ክሳብ ሚያዝያ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ከምዝባጻሕ ትጽቢት ይግበር።
ክታበት ፋይዘር ካብ ብሪጣንያ፣ ካናዳ፣ ባህሬንን ስዑዲ ዓረብን መረጋገጺ ፍቓድ ከምዝረኸበ ይፍለጥ።