እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮቪድ-19፡ ምስተኸተብካ እውን ጥንቃቐ እዩ ዘዋጽእ
ብዙሓት ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳን ኣመሪካን፤ ምብራቕ ኤስያ፣ ቻይና፣ ሩስያ፣ ህንድን ብራዚልን ኮታ ብዙሓት ካልኦት ኣብ ገስጋስ ዕቤት ዝርከባ ሃገራት ድሮ ክታበት ኮቪድ ጀሚረን ኣለዋ።
ሕብረተሰብ ዓለም እውን ካብቲ ዝጸንሐ ጭንቅን ሻቕሎትን ብመጠኑ ተገላጊሉ ተስፋ ገይሩ ኣሎ። ብሓቂ ከኣ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። ይኹን እምበር ቫዮሮሎጂስት ክሳብ ምቁጽጻር ዝርገሐ ኮቪድን ሓዲሽ ዓይነታቱን ኣብ ዘተኣማምን ምቁጽጻር ዝበጽሕ ጥንቃቐ ከምዘድሊ ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ብራዚልን ሓዲሽ ዓይነት ቫይረስ ምስተራእየን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ሃገራት ኤውሮጳን ብቕጽበት ክላባዕ ምስጀመረን እተን ሃገራት ጽኑዕ ዕጽዋ ኣዊጀን ጸኒሐን፤ ሕጂ ንሚልዮናት ዕድመ ዝደፍኡን ናይ ጥዕና ጸገማት ዘለዎም ዜጋታተን ፈላሚ ክታበት ድሕሪ ምሃበን እቲ ምርጋጥ በብቑሩብ ከዝልቐኦ ይፍትና ኣለዋ።
ውድብ ጥዕና ዓለም እውን ንብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ካልኦት ሃገራትን ናይ ክታበት ቢልቃጥ ከከፋፍል ጀሚሩ ኣሎ። እተን ኣብ ጽዑቕ ምርምር ዝጸንሓ ትካላት መፍረ መድሃኒት ኣስትራ ዘኒካ፣ ሞዴርና፣ ፋይዘር፣ ኮርኖቫክ ዝኣስማቱ ክታበት ኣፍርየን ንህዝቢ የቕርባ ኣለዋ።
ዓባይ ብሪጣንያ እውን ንሓያሎ ኣዋርሕ ብኦንላይን ኣብ ገዝኦም ክመሃሩ ዝጸንሑ ተማሃሮኣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ምስ ኩሉ ንቡር ጥንቃቐታት ስሩዕ ትምህርቶም ጀሚሮም ኣለው። ዋና ኣማኻሪ ሕክምና ዓዲ-እንግሊዝ፡ “ ንኹሉ ምንቅስቓስ ሰባት ቀልጢፍና እንተፍቂድናዮ፡ ንዝርገሐ ለበዳ ከጋድዶ ስለዝኽእል ምጥንቃቕ ኣገዳሲ እዩ” ኢሉ። ፕሮፈሰር ክሪስ ዊቲ፡ ቀልጢፍካ ምክፍፋት ኣብ ዝርገሐ ለበዳ ኮቪድ ኣዝዩ ከቢድ ሳዕቤን ከኸትል ከም ዝኽእል ብምጥቃስ፡ “ እቶም ብክታበት ዘይተዋሕሱ ብዙሓት መሳኪን ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ይኽእሉ እዮም” ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ኣባላት ኮሚተ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ድማ፡ ለበዳ ኮቪድ ኣብ ሓደ እዋን መሊሱ ምውሳኹ ዘይተርፍ ምዃኑ ብምዝኽኻር ወትሩ ጥንቃቐ ክግብር ከምዘለዎ ተማሕጺኖም።
ቫዮሮሎጂስት ዶክተር ተስፍኣለም ካብ ካንሳስ ዩኒቨርሲቲ እውን፡ ኮቪድ ዋላ እውን ብኽታበትን ኣብ ሰብነትና ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብምፍራይን ክንከላኸሎ እንተኸኣልና፡ ኣብ መወዳእታ ከም ማንም ክንጻወሮ እንኽእል ዓይነት ሰዓላት ምሳና ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ስለዝኽእል፡ ኩሉ ዓይነት ኣገባብ ምክልኻል ምጥቃም ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሩ።
“ዋላ እውን እንተተኸተብና፡ ዝርገሐ ለበዳ ንምግታእ ኩሉ ሳዕ እቶም ሳይንቲስት ንዝህቡዎ ሓበሬታ ከነኽብር ይግባእ” ይብል።
“ብዙሓት ሰባት ኩሉ ነገር ከም ዝተወደአ ገይሮም ክወስዱዎ ይኽእሉ እዮም። ግን ከኣ ነገራት ብከመይ ዓይነት ፍጥነትን ዝርገሐን ናብ ሕማቕ ክልወጥ ከምዝኽእል ተማሂርና ኢና” ይብል ፕሮፈሰር ዊቲ።
ብምቕጻል፡ ኩሉ እቲ ሳይንሳዊ ዳታ ዘርእዮ ሓበሬታ እቲ ሕማም ኣብ ሓደ እዋን ክዓርግ ይኽእል እዩ። እቶም ዘይተኸትቡ ሰባት ወይ እቲ ክታበት ዘይሰርሓሎም ብዝያዳ ክህሰዩ ይኽእሉ እዮም። ምናልባት ሓሚሞም ንሆስፒታል ክኣትውን ክሞቱን እውን ይኽእሉ እዮም።
ነብሲ ወከፍ ስጉምቲ ብጥንቃቐ ክረአን ኣለዎ
ሓያሎ ኣባላት ባይቶ ዓቃባዊ ሰልፊ፡ እቲ ዝርገሐ መልከፍቲ ኮቪድ ስለዝጎደለ ነገራት ክኽፈት ኣለዎ ዝብል ጸቕጢ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ፕሮፌሰር ዊቲ፡ እቲ መጠነ መልከፍቲ እኳ እንተጎደለ መንግስቲ ንምዕባለታት እቲ ሕማም ብምክትታል፡ ነቲ ዕጽዋ ደረጃ ብደረጃ እንተዘይኣጉዲሉዎ ካልእ ሽግር ክስዕብ ከምዝኽእልን ብዝወሓደ ክሳብ ወርሒ ሰነ ነገራት በብቑሩብ ክኽፈት ከምዘለዎን የተሓሳስብ።
እቲ ናይ መጀመርታ ዶዝ ክታበት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንኺፈጥር ኣስታት ሰለስተ ሰሙን ይወስደሉ። እቶም ብኮቪድ ዝጥቅዑን ዝሞቱን እቶም ቀዳሞት ኣርባዕተ ጉጅለታት፡ ማለት ልዕሊ 70 ዝዕድመኦም፣ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ኣለይትን፣ ከምኡ’ውን እቶም ኣዝዮም ተኣፋፊ ኩነታት ጥዕና ዘለዎምን ስለዝኾኑ ንሳቶም ክታበት ምርካቦም ዘተስፉ እዩ። ግን ከኣ ኩሉ ምስ ጥንቃቐ እዩ ክኸውን ዘለዎ ይብል ዶክተር ተስፋኣለም።
ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዝያዳ ምንባብ
ብተወሳኺ፡ እቲ ዕጽዋ ምስ ተላዕለ፡ ድሕሪ ሰለስተ ኣርባዕተ ሰሙን ኣማኸርቲ መንግስቲ ተኣኪቦም ነቲ ኩነታት ብግቡእ ክግምግሙ እዮም። ካብቲ ዝህቡዎ ገምጋም ከኣ እቲ ምዝላቕን ምኽራርን ዕጽዋ ኣብ ጉዕዞ ክረአ እዩ።
ነብሲ ወከፍ ሰብ ውሑስ ምዃኑ ክሳብ ዘይተረጋገጸ ናይ ብሓቂ ልዑል ጥንቃቐ እዩ ዝሓትት። እቶም ድሕሪ ክታበት ዓባይ ብሪጣንያ ጸገም ኣይክህልዋን እዩ ዝብል ኣረዳድኣ ዘለዎም ሰባት ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ ኣበይ ጸኒሐን ናበይ የምርሓ ከምዘለዋ ከስተውዕል ከምዝግባእ እቶም ሊቃውንወቲ ኣዘኻኺሮም።
'ዋላ እውን ኣብ ነዊሕ እዋን ዜሮ ሞት ኽንጽበ የብልናን'
ፕሮፌሰር ዊቲ፡ ድሕሪ ነዊሕ እዋን እውን እንተኾነ ዜሮ ሞት ኮቪድ ክህሉ ክንጽበ ከምዘይንኽእል ይሕብር። ቀስ ብቐስ እገዳታት ምስተላዕለ እውን እንተኾነ፡ ኣብ ሓጋይ ዓመተ 2022 ኣስታት 30,000 ሰባት ክሞቱ ከም ዝኽእሉ ይዛረብ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ክታበት 100% ካብ ሚእቲ ይከላኸል እዩ ማለት ኣይኮነን። እቶም ክታበት ክወስዱ ዘይደልዩ ሰባት እውን በቲ ቫይረስ ከጥቅዑ ይኽእሉ እዮም።
"ምስ ዝተማልአ ክታበት፡ መጠነ ሞት እቲ ሕማም ናብ ዝተሓተ ደረጃ ክወርድ እዩ፣ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ናብ ዜሮ ክወርድ ኣይክእልን እዩ ።" ስለዝኾነ ኣብ ሕማቕ ወቕቲ ሰዓል ክሳብ 20,000 ሰባት ክሞቱ ይኽእሉ እዮም።
ኮቪድ፡ ከም ሰዓል ኣብ ቀውዕን ክረምትን ዝብርትዕ ወቕታዊ ሕማም ክኸውን እትጽበዮ እዩ። ኣብ ሓጋይ ግን ብመጠኑ ክጎድል ትጽቢት ኣሎ። ግን ከኣ ኩሉ ነገር ምስ ልዑል ጥንቃቐ እዩ ክኸውን ዝግባእ ይብሉ ሳይንቲስት።