እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ 2020 ብብዝሒ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣብ ቅድሚት ዝተስርዓ ሃገራት ኣየኖት እየን?
ኣብ 2020 ብብዝሒ ብሞት ካብ ዝቐጽዓ ሓሙሽተ ሃገራት ዓለም: እተን ኣርባዕተ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከባ ምዃነን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ።
ኣብ 2020 ብደረጃ ዓለም 483 ሰባት ብሞት ከም ዝተቐጽዑ ዝገልጽ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ካብኦም እቶም 88 ሚኢታዊት ካብ ሃገራት ኢራን፡ ግብጺ፡ ኢራቕን ሰዑድ ዓረብን እዮም ኢሉ።
ኣብ ሓደ ዓመት ክንድ'ዚ ቁጽሪ ብሞት ክቅጽዑ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ዝተመዝገበ ቁጽሪ ብምንጽጻር ዝተሓተ ከም ዝኮነ ዝገልጽ ኣምነስት ኢንተርናሽናል እዚ ቁጽሪ እዚ ናይ ቻይና ከም ዘይተወሰኾ ሓቢሩ።
ቻይና ኣብ ዓመት ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሰባት ብሞት ከምእትቀጽዕ ይግመት።
እንተኾነ እቲ መስርሕ ፍርዲ ብሚስጢር ስለ እትሕዞ ነቲ ቁጽሪ ምፍላጡ ከም ዘጸግም ይግለጽ።
ኣብ 2019 ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቅን፡ 579 ሰባት ብሞት ተቀጺዖም ነይሮም።
ኣብ ዓመተ 2020 ግን እቲ ቁጽሪ ናብ 437 ከም ዝወረደ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ኣብታ 27 ሰባት ብሞት ዝቀጽዐት ስዑዲ ዓረብ ምስ ናይ ዓመተ 2019 ብምንጽጻር ቁጽሪ ናይ ሞት መቅጻዕቲ ብ85 ሚኢታዊት ክጎድል እንከሎ ኣብታ 45 ሰባት ብሞት ዝቀጸዐት ኢራን ከኣ ብ50 ሚኢታዊት ጎዲሉ።
ብኣንጻሩ ኣብታ 107 ብሞት ዝቐጽዐት ግብጺ እቲ ቁጽሪ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር ብ300 ሚኢታዊት ክብ ኢሉ ኣሎ።
በዚ መሰረት ኣብ ዓመት 2020 ብሞት ካብ ዝቐጽዓ ሃገራት ዓለም፡ ንቻይናን ኢራንን ተኸቲላ ሳልሰይቲ ዝልዓለ ቁጽሪ ሒዛ ዘላ ሃገር ግብጺ ኮይና፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኸኣ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ኣላ።
ግብጺ ብሞት ካብ ዝቐጽዓቶም ሰባት እቶም 23 ምስ ፖለቲካዊ ናዕቢ ዝተኣሳሰር ክሲ ዝተመስረቶም ከም ዝኾኑን እቲ ናይ ፍርዲ መስርሕ ርትዓዊ ከም ዘይነበረን ክሱሳት ብሓይሊ ከም ዝኣምኑ ከም ዝተገበሩን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ጸብጻቡ ገሊጹ።
ኣብ ግብጺ ምስቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣል ኣቕራብ ሞት ብዙሓት ፖሊስን እሱራትን ዘኸተለከ ፈተነ ህድማ እሱራት ብዝትሓሓዝ ኣብ ወርሒ ጥቅምትን ሕዳርን 57 ሰባት ብሞት ከም ዝተቐጽዑ ተፈሊጡ።
ኣብ ዓመተ 2020፡ 246 ሰባት ብሞት ዝቐጽዐት ኢራን ንቻይና ተኸቲላ ኣብ ካልኣይ ተሰሪዓ ዘላ ሃገር እያ።
ኣምነስቲ፡ መንግስቲ ኢራን ናይ ሞት መቅጻእቲ ከም መሳርሒ ፖሎቲካ ከም ዝጥቀመሉ ብምግላጽ ትእዛዙ ንዘይፍጽሙን ንዝቃወምዎን ብሞት ክቀጽዕ ከም ዝረአ ኣብሪሁ።
ኣብ ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 3 ትሕቲ 18 ዓመቶም እንከለዉ ብዝፈጸምዎ ገበን ብሞት ዝተቐጽዑ ከም ዘለዉ ዝሓበረ እቲ ተሓላቒ መሰላት: ውሳነ ኢራን ንዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጻረር ከም ዝኾነ ገሊጹ።
ቐጠር'ውን ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝኾነ ሰብ ብሞት ከይቀጽዐት ድሕሪ ምጽናጽ ብቅትለት ዝተኸሰሰ ኔፓላዊ ኣብ ወርሒ ግንቦት ብሞት ከም ዝቀጽዓቶ ተፈሊጡ ኣሎ።