እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣመሪካ "ዝነውሐ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ" ዘሕለፈ ጆ ሊጎን ድሕሪ 68 ዓመት ወጺኡ
ኣስታት 70 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐ ውልቀሰብ፡ ናጻ ኮይኑ ከም ህዝቡ ክንቀሳቐስ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ኣሎ።
እዚ ውልቀሰብ፡ ኣብ ኣመሪካ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝጸንሐ እዩ።
ናጽነቱ ንክረክብ ግን እዚ ኹሉ ዓመት ስለ ምንታይ ተጸብዩ? ነፍሲ ወከፍ ዕለትን መዓልትን እዚ ኹሉ ዓመታትከ እንታይ ይመስል ነይሩ።
"ብሕታዊ ኮይነ ኣይፈልጥን፤ ግን ብሕታዊ'የ። ብዝተኽኣለኒ መጠን ንብሕተይ ክኸውን'የ ዝመርጽ። ካብታ ንመጀመርታ እዋን ኣብ ሓደ ሸላ ንብሕተይ ዝኣተሰርኩሉ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ ዝፍታሕ በይነይ'የ።
"እዚ ከማይ በይኖም ክኾኑ ንዝደልዩ ሰባት ሓጋዚ'ዩ። ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ከድኩ በሪ ኣብ ልዕለይ ምስ ተዓጽወ፡ ኣብ ከባቢየ እንታይ ይፍጸም ኣሎ ኣይርእን ኣይሰምዕን። እቲ ዝሓሸ ግዜ ሬድዮን ቴሌቪዥንን ክህልወና ኣብ ዝተፈቐደልና ግዜ'ዩ ነይሩ" ይብል።
ጆ ሊጎን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፎ ዓመታት ዓብዪ ተሞኩሮ ህይወት ዝወሰደሉ'ዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኸውንን።
ኣብ ሓንቲ ሸላ ንልዕሊ 68 ዓመታት ዘሕለፎ ናይ ማእሰርቲ እዋን፡ ርእሱ ኣድኒኑ፣ ኣፉ ለጒሙ፣ ካብ ዝኾነ ዓይነት ጸገማት ግልስ ኢሉ ከሕልፎ ከም ዘኽኣሎ ይዛረብ።
መዓልቲ ኣኺሉ ካብታ እዚ ኹሉ ዓመታት ናይ ህይወቱ ዘሕለፈላ ክፍሊ ክወጽእ እንከሎ ከኣ፡ ዋላ ሓደ ድሓን ኩን ኢሉ ዝሰናበቶ ሰብ ስለ ዘይነበረ ኣይከበዶን።
"ኣብ ውሽጢ ይኹን ደገ መሓዙት ኣይነበሩንን፤ ግን ዝረኸብኩዎም ኩሎም ሰባት ከም ኣዕሩኽ'የ ዝቕበሎም። ግን ከኣ መሓዛ ዝብል ቃል ኣይጥቀምን። ንከም ከማይ ዝበለ ሰብ ትርጉም ሓንቲ ቃል እንታይ ማለት ምዃኑ ብዙሕ ተማሂረ'የ" ይብል።
ሊጎን፡ ብናይ ባዕሉ ምርጫ ኩል ግዜ ንብሕቱ'ዩ ነይሩ።
ምስ እኖ ሓጎታቱ ኣብ ኣላባማ በርሚንግሃም ዝዓበየ ሊጎን፡ ብዙሓት መሓዙት ስለ ዘይብሉ ምስ ስድርኡ ዘሕለፎም ጽቡቓት ግዜያት ጥራሕ'ዩ ዝዝክር።
ንኣብነት ኩል ግዜ ሰንበት፡ ኣብ ሓደ ቤተ ክርስቲያን ንስብከት ኣቦ ሓጉኡ እናተኸታተለ'ዩ ዘሕልፎ ነይሩ።
ወዲ 13 ዓመት ምስ ኮነ ብሞያ ነርስ እትመሓደር ኣዲኡን መካኒክ ኣቡኡን ከምኡ'ውን ንኡሽቶ ሓውን ሓፍቱን ናብ ዝነብርሉ ፊላደልፊያ ከይዱ።
ኣብ ትምህርቲ ብዙሕ ለፊዑ፤ ግን ምንባብ ኮነ ምጽሓፍ ኣይክእልን። ኣብ ከባቢኡ ዘለው ቖልዑት'ውን ባህ ዝብልዎ ስለ ዘይነበሩ ሓቢሩዎም ኩዕሶ ንምጽዋት'ውን ኣይደፍርን ነይሩ።
"ብዙሕ ደገ ደገ ዝብል ሰብ ኣይነበርኩን፤ ካብ ሓደ ወይ ክልተ ንላዕሊ መሓዙት ስለ ዘይነበረኒ ኣይወጽእን። ብዙሕ ሰብ ናብ ዘለዎ'ውን ኣይሕወስን" ይብል።
ዓርቢ ኣጋምሸት 1953 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] "ጸገም ከጋጥሞ" እንከሎ፡ ምስ በዓል መን ከም ዝነበረ'ውን ኣይፈልጥን።
ኣብ ከባቢኡ ይንቀሳቐሱ ምስ ዝነበሩ ስሕት ኢሉ ዝፈልጦም ክልተ ሰባት ተራኺቡ፤ መስተ ይሰትዩ ናብ ናብ ዝነበሩ ካልኦት ሰባት ከኣ ተጸምበሩ።
"ድሓር፡ ተወሳኺ ወይኒ ንክንዕድግ ንካልኦት ሰባት ገንዘብ ሃቡና ክንብል ጀሚርና። ግን እቲ ኩነታት ናብ ካልእ ኣምሪሑ . . ."።
እታ ለይቲ ከኣ፡ ንሱ'ውን ኣብ ዝተሳተፈሉ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ሓደጋ ብምብጻሕ ትሓልፍ። በዚ ምኽንያት ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለው ሽዱሽተ ቖሲሎም።
ሊጎን፡ መጀመርታ ተኣሲሩ።
ናብ መደብር ፖሊስ ምስ ተወስደ፡ መንነት እቶም ሓቢሮምዎ ዝነበሩ ውልቀሰባት ክሕብሮም ከም ዘይክእል ነጊረዮም ይብል።
"ዋላ ነቶም ክልተ ኣይፈልጦምን፤ ሽሞም ኣይፈልጦን። ስሕት ኢለ ዝርእዮምን ብሳጉኦም ዝፈልጦምን'ዮም ነይሮም"።
ሊጎን፡ ካብቲ ዝነብረሉ ጎደና ሮድማን ኣዝዩ ርሑቕ ናብ ዝኾነ መደብር ፖሊስ ከም ዝተወስደን ንሓሙሽተ መዓልታት ከም ዝጸንሐን ይዛረብ።
እዚ ኹሉ መዓልቲ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ኣካላት ሕጊ ኣይረኸብኩን'ውን ኢሉ። ወለዱ ድሃዩ ክሓቱን ክርእዩዎን ብዘይምፍታኖም ከኣ ሓሪቑ።
ኣብታ ዝተኣሰረላ መዓልቲ፡ ክሲ ገበን ቅትለት ክቐርበሉ እንከሎ ወዲ 15 ዓመት ነይሩ።
ምስ ፒቢኤስ ዝተባህለ ሚዲያ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ካብቶም ጉድኣት ዝበጽሖም ነቶም ክልተ ብካራ ከም ዝወግኦም ተማኢኑ ጣዕስኡ ክገልጽ እንከሎ፡ ነቲ ዝቐርበሉ ክሲ ቅትለት ነጺጉዎ'ዩ።
"ፖሊስ ቅትለት ፈጺመ'የ ዝብል ዝፍረሞ ወረቐት ክህበኒ ጀሚሩ፤ ኣነ ግን ንዋላ ሓደ ኣይቀተልኩን"።
ፔንሲልቫኒያ፡ ሓንቲ ካብተን ብዘይኣሞክሮ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ዝፈርዳ ግዝአታት ኣመሪካ'ያ።
ሊጎን፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ መጋባእያ ገበነኛ ኢሉ ፈሪድዎ።
እዚ ማለት፡ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ጉዳይ ተኣሚኑ፣ መንግስቲ'ውን ብቐዳማይ ደረጃ ቅትለት ክልተ ግዳያት ገበነኛ ኢሉ ፈሪዱዎ።
እቲ ኮተቴ ኣብቲ ብዘይ ኣመክሮ ንሕልፈት ዝተፈረደሉ መጋባእያ ብኣካል ኣይነበረን፤ እቲ ፍርዲ ንሱ ኣብ ዘይብሉ እዩ ተበይኑ።
እንታይ'የ ተባሂለ ኢሉ ዝሓቶ ኣካል'ውን ኣይነበረን።
"እንታይ ክሓትት ከም ዘለኒ ኣይፈልጥን ነይረ። እዚ ንምእማኑ ዝኸብድ ሓቂ ነይሩ" ዝብል ሊጎን፡ "ዝተረፈ ዕድመይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሕልፍ'የ ዝብል ግምት ኣይነበረንን።ብዛዕባ 'ህይወት ብቃለመሓላ' ዝብሃል ሰሚዐ ኣይፈልጥን" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "ናይ ቁልዕነት ግዜይ ክንደየናይ ዝተዘናበለ ምንባሩ ክነግረኩም - ከንብብ ኮነ ክጽሕፍ ኣይክእልን፤ ሽመይ'ውን ምጽሓፍ ኣይክእልን። ሽመይ ጆ ምዃኑ ይፈልጥ'የ፤ ምኽንያቱ ከምኡ ኢሎም ክጽውዑኒ'የ ዝፈልጥ" ይብል።
ሊጎን፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኸይድ እንከሎ ኣይተሰናበደን፤ ደንገርገር ኢሉዎ።
ስድርኡ ነናሻዕ ናብ ሕልንኡ ክመላለሱዎ ዝጸንሐ ሊጎን፡ "ካብኦም ምርሓቐይ . . . ንበይነይ ምዕጻወይ'የ ዝሓስብ ነይረ። ካብኡ ወጻእ እሞ ሽዑ እንታይ ክሓስብ" ይብል።
ሊጎን፡ እሱር 'ኤኢ 4126' ዝብል መለለዪ ተዋሂቡዎ፤ ንክንደይ እዋን ብኸምዚ ከም ዝጸንሕ ግን ዝፈልጦ ኣይነበረን።
እንተኾነ፡ ነፍሲ ወከፍ መዓልትን ዓመትን ንዝነብሮ ህይወት ቤት ማእሰርቲ እናተላመደ፡ ንልዕሊ 68 ዓመታት ተኣሲሩ።
"ንጉሆ ሰዓት ሽዱሽተ የተስኡኻ፤ 'ኩሉኹም ክትቑጸሩ ተላዕሉ'፤ 'ናይ መቑጸሪ ሰዓት'ዩ' . . . ኢሎም ብመጉልሒ ድምጺ ይጽውዑና። ሰዓት ሸውዓተ ናይ መግቢ ሰዓት፣ ሰዓት ሸሞንተ ከኣ ናይ ስራሕ ሰዓት'ዩ ይብሉና" ብምባል ብዛዕባ እቲ ዘሕለፎ ህይወት ይዛረብ።
በዚ መሰረት፡ ሓሓሊፉ ኣብ እንዳ ክሽነን መሕጸቢ ክዳንን ክሰርሕ እንከሎ፡ ዝበዝሕ ግዜ ግን ኣብ ጽርየት ሰሪሑ። ምሳሕ ምስ በልዐ'ውን ተመሊሱ ናብ ስርሑ'ዩ ዝኸይድ።
ኣጋ ምሸት ምስ ኮነ፡ ብተመሳሳሊ መጉልሒ ድምጺ ንድራር ይጽውዑ። እዚ ሓድሕድ መዓልቲ ናይ ቤት ማእሰርቲ ህይወቱ ዘዘኻኽሮ ድምጺ'ዩ።
በዚ ምኽንያት፡ ዓለም ንዓሰርታት ዓመታት ብዝመጽአ ለውጢ እናተቐየረት፡ ናተይ ህይወት ግን ለውጢ ዘይብሉ ምትራፉ ድዩ እናበለ የስተማስል ነይሩ።
"ኣይተወለፍኩን፤ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰትየ ኣይፈልጥን። ዋላ ሓደ ዝፈጸምኩዎ ገበን የለን፤ ክሃድም'ውን ፈቲነ ኣይፈልጥን። ንዝኾነ ሰብ ኣቸጊረ ኣይፈልጥን። ብዝተኽኣለኒ መጠን ትሕትና ተላቢሰ ክነብር'የ ዝጽዕር ነይረ።
"ቤት ማእሰርቲ ናይ ባዕልኻ ጉዳይ ጥራሕ ክትገብር ከም ዘለካ፣ ልክዕ ዝኾነ ነገር ክትሰርሕ፣ ጸገም ካብ ዝፈጥሩ ነገራት ክትርሕቕ ከም ዘለካ'ዩ ኣምሂሩኒ" ይብል።
ድሕሪ 53 ዓመታት ማእሰርቲ፡ ሊጎን ጸሓይ በሪቓትሉ። ሓደ ጠበቓ ከዘራርቦ ከም ዝደሊ ይንገሮ።
በዓል ሞያ ሕጊ ብራድሊ ኤስ ብሪጅ፡ ብዘይኣመክሮ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ዝተፈርዱ ሰባት ብኸመይ ፍርዲ ቅትለት ከይተፈጸመ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽኡ ይኽእሉ ዝብል ሕጋዊ መገዲታት ከናዲ ጀመረ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ፔንሲልቫኒያ 525 ተመሳሳሊ ፍርዲ ዝተፈርዶም እሱራት ከም ዝነበሩዋ ይዛረብ።
ካብዚኦም ሊጎን እቲ ዝነውሐ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐ ሰብ'ዩ።
"ብዛዕባ ዝተመሓላለፈሉ ፍርዲ ዋላ ሓደ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን። ክሳብ ኣነ ዝረኽቦ ምንም ኣይፈልጥን። ኣነ ግን እዚ ኹሉ ዓመታት፡ ሓደ መዓልቲ ዝኾነ ነገር ክመጽእ'ዩ እናበለ ተስፋ ዘይምቑራጹ'ዩ ዝገርመኒ" ይብል ጠበቓ ብሪጅ።
ሊጎን፡ ድሕሪ'ዚ ኹሉ ዓመታት ምስዚ ሰብ ምርኻቡ ዓይኑ ዘንቁሐሉ ኣጋጣሚ ነይሩ።
ጠበቓ ብሪጅ፡ ሊጎን ብዛዕባ ማእሰርቲ ይግባይ ንክሓትት ዘዳለዎ ሕጋዊ ቅዳሕ ከርእዮ እንከሎ፡ ንፈለማ እዋን ብዛዕባ ማእሰቱ ክፈልጥ ክኢሉ።
"ካብ ዝእሰር ጀሚሩ ብዘይኣግባቡ ከም ዝተትሓዝኩ ተገንዚበ። ብዘይ ኣመክሮ ዕድመ ልክዕ ክትፍረድ ዘይሕገ መንግስታዊ ምዃኑ'ውን ተረዲአ" ይብል።
ኣብ 2016፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ኩሎም ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ዝተፈርዶም እሱራት ዳግማይ ከም ዝፍረዶም ውሳነ ኣሕሊፉ።
ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት ሊጎን ማእሰርቲ 35 ዓመት ተበይኑዎ። እዚ፡ ኣመክሮ ክሓትት ዘፍቅደሉ ውሳነ ነበረ። ጠበቓ ብሪጅ ነዚ ክገብር እንተሓተቶ'ውን፡ ሊጎን ፍቓደኛ ከይኮነ ተረፈ።
"ጥራሕ ሓንቲ ነገር'የ ካብ ኣፈይ ዘውጽእ ዝነበርኩ፤ 'ናጻ ክኸውን'የ ዝደሊ' ይብል ነይረ" ኢሉ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ጠበቓ ብሪጅ ነቲ ብ2017 ዓ.ም ዝተመሓላለፈ ሓድሽ ውሳነ ማእሰርቲ ሊጎን ንክሙግት እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ፌደራል ወሲዱዎ።
ብወርሒ ሕዳር 2020 ድማ፡ ዳይና ንዕኡ ወሲንሉ። ብ11 ለካቲት፡ ብሪጅ ንሊጎን ከምጽኦ ናብ ዞባ ሞንትጎምሪ ክኸይድ እንከሎ፡ ኣብ ሙሉእ ህድኣት ኮይኑ ረኺቡዎ።
"'ኦ ኣምላኸይ!' ኢሉ ስምዒቱ ብሃንውታ ክገልጽ ተጸብየዮ ነይረ። ንሱ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ኣየምስል፤ ገለ ኣይብል" ብምባል ይገልጾ።
ሊጎን፡ ንዓሰርታት ዓመታት ከምኡ'ዩ ነይሩ። ሓሳቡ ንውሽጡ'ዩ ዝገብር። ሕጂ ካብ ዝፍታሕ ሓደ ወርሒ ኮይኑዎ ኣሎ።
"ዳግማይ ከም ዝተወድኩ'ዩ ተሰሚዑኒ። ኩሉ ነገር ሓድሽ'ዩ ንዓይ፤ ኩሉ ተቐይሩ ጸኒሑኒ። ሓደሽቲ መካይን ኣለዋ፤ ሞዴል እዘን መካይን ክኣ ከምተን ኣነ ቅድም ኢለ ዝፈልጠን ኣይኮነን። ብዙሓት ዓበይቲ ህንጻታት ርእየ" ይብል።
"እዚ ኹሉ ንዓይ ሓድሽ'ዩ" ዝብል ሊጎን፡ "እዚ ሓድሽ ከባቢ ክለምዶ ይጽዕር ኣለኹ። ፈትየዮ'የ" ኢሉ።
ጆ ሊጎን፡ እዚ ሕጂ ዝሕጎሰሉ ዘሎ ህይወት ንክረክብ ልዕሊ 68 ዓመታት'ዩ ተጸብዩ።
ብዘይ ምሕረት ብዙሕ ከም ዝከሰረ ይፈልጥ'ዩ፤ ምስ ስድርኡ ከሕልፎ ዝኽእል ዝነበረ ግዜ ከሲሩዎ'ዩ። መብዛሕትኦም ከኣ ሕጂ ሞይቶም'ዮም።
"ጓል ሓፍተይ ቫሌሪ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከለኹ'ያ ተወሊዳ፤ ዓባይ ሓፍታ ተኣሲረ ከለኹ ተወሊዳ፤ ምንኣሳ'ውን ተኣሲረ ከለኹ ተወሊዳ። ኩሎም ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራይ ሞይቶም'ዮም፤ ሕጂ ዘለዋኒ ቫሌርን ኣዲኣን ጥራይ'የን" ይብል።
እዚ ወዲ 83 ዓመት ሰብኣይ፡ ንነዊሕ ዓመታት ብተስፋ ክጽበዮም ዝጸንሐ ጉዳያት ኣለውዎ፤ ውሑዳት መደባት።
ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግን፡ ኣብቲ ዚያዳ ዝፈልጦ ከተኩር'ዩ መሪጹ።
"ህይወተይ ሙሉእ ዝሰርሖ ዝነበርኩ ስራሕ ክሰርሕ'የ ዝደሊ። በቃ ከም ሰራሕተኛ ጽርየት፡ ናይ ጽርየት ስራሕ ሃቡኒ"።