እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኮይኑ ብዘታለሎ ገንዘብ፡ ገዛን መኪናን ዝዓደገ ናይጄርያዊ፡ ተነቒሑሉ
ኢንተርነት ብምጥቃም ንብዙሓት ብምትላሉ፡ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ዝወረደ ናይጄርያዊ፡ ኣብቲ ቤት-ማእሰርቲ ኮይኑ'ውን ሓደ ሚልየን ዶላር ጉሒሉ ብዝብል ይምርመር ኣሎ።
ሆፕ ኦሊሴጉን አሮኬ፡ መሻርኽቱ ብምጥቃም ከታልል ከምዝጸንሐ፡ ሰብ-መዚ ጸረ-ብልሽውና ናይጄሪያ ገሊጾም።
ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ብምትላል ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኸበ ሆፕ፡ 24 ዓመታት ንክእሰር ተፈሪዱ፡ ልዑል ሓለዋ ኣብ ዝግበረሉ ቤት-ማእሰርቲ እዩ ዝርከብ።
እዚ ውልቀ-ሰብ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኮይኑ'ውን ኣብ ዝተኣሰረሉ ክፍሊ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብምርካቡ፡ ሕዚ'ውን ንብዙሓት ሰባት ከምዘታለለ፡ ፀብፃብ ሰብ-መዚ ኮሚሽን ጸረ-ብልሽውና እታ ሃገር ይሕብር።
ሆፕ ኦሊሴጉን አሮኬ፡ ካብ ካልኦት እሱራት ብፍሉይ ኣገልግሎት ኢንተርነት ይረክብን፤ ስልኩ'ውን ከም ቃሕትኡ ይጥቀም ከምዝነበረን፡ እቲ ኮሚሽን ሓቢሩ።
እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ብዘጋጠሞ ሕማም ኣብ ሆስፒታል ከምዝደቀሰ ይዝረብ'ኳ እንተነበረ፡ ንሱ ግና ንሰበይቱን ደቁን ከምድላዩ ይረኽቦም ከምዝነበረ ተገሊጹ።
ኣብ መርዓን ልደትን ይዕደም ከምዝነበረ'ውን፡ ኣረጋጊጸ እየ ኢሉ እቲ ኮሚሽን።
ስኑዕ ስም ብምጥቃም፡ ክልተ ሒሳብ ባንኪ ዝኸፈተ ሆፕ፡ ኣዝዩ ክባር መኪናን ገዛን ዓዲጉ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ናይ በዓልቲ እንድኡ ሒሳብ ባንኪ፡ ዘታለሎ ገንዘብ ንምዝውዋር ከምዝተጠቐመሉ እቲ ኮሚሽን ኣቃሊዑ።
እቲ ኮሚሽን፡ እዚ ውልቀ-ሰብ፡ ንምንታይ ናብ ሆስፒታል ከምዝኸደ፣ ብኸመይ ኣብ ሆቴል ክነብር ከምዝኸኣለን ብነፃነት ይንቀሳቀስ ከምዝነበረን፡ የፃርይ ኣለኹ ኢሉ።
ጥቡቅ ሓለዋ ናይ ዝግበረሉ ቤት-ማእሰርቲ ሰብ-መዚ ግና፡ ኣብዚ ጉዳይ ርኢቶ ካብ ምሃብ ጠቖጢቦም ኣለዉ።
እዚ ዜና ንብዙሓት ናይጄሪያውያን ከም ዘሰንበደጸ ዝገለጸ፡ ወኪል ቢቢሲ ንዱካ ኦሪጂንሞ፡ 'ተፈሪዱ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ዝኣተወ ገበነኛ፡ ብኸመይ ኣብ ልደትን መርዓን ክርከብ ይኽእል?' ብምባል ይሓትቱ ከምዘለዉ ድማ ሓቢሩ።
ሆፕ ኦሊሴጉን አሮኬ፡ ንናይቲ ቤት-ማእሰርቲ ሰባት ዘስድዕ ገንዘብ ከይሃበ ከምዘይተርፍ ድማ፡ ብዙሓት ግምቶም ይህቡ።
መንግስቲ፡ ንሰብ-መዚ እቲ ቤት-ማእሰርቲ ዝረብሕ መሃያ ስለዘይከፍሎም እዩ፡ እዚ ኩሉ ተፈጢሩ ዝብሉ ብዙሓት ናይጄሪያውያን፡ ቀንዲ ተሓታቲ መንግስቲ ከምዝኾነ ይገልጹ።