ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ብሕጽር ዝበለ እንክግለጽ

ኣማኢት ፍሊስጤማውያንን ልዕሊ 20 ኣባላትፖሊስ እስራኤልን በቲ ኣብ ዩርሳሌም ተወሊዑ ዘሎ ዕግርግር ተሃስዮም ኣለዉ።

ዋላ'ኳ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ዓሰርተታት ዓመታት ዝገበረ ግጭት እንተሃለወ እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ምልውዋጥ ተዂሲ ግን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝጀመረ ወጥሪ ዘበገሶ እዩ።

ከመይ ኢሉ'ዩ ጀሚሩ?

100 ዓመት ዘቁጸረ ጉዳይ

ኦቶማን ኢምፓየር (ናይ ቀደም ቱርኪ) ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ምስ ተሰዓረ ብሪጣንያ ነቲ ሕጂ ፍሊስጤምን እስራኤልን ዘለወኦ ቦታታት ተቖጻጺራቶ።

ኣብቲ እዋን እቲ መሬት ብዙሓት ኣዕራብን ውሑዳት ኣይሁዳውያንን እዮም ዝነብርዎ ነይሮም።

ኣብ ሞንጎ እቶም ኣዕራብን ኣይሁዳውያንን ምስሕሓብ ምስ በዝሐ ግን ብሪጣንያ ብመሰረት ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተውሃባ ሓላፍነት: ኣይሁዳውያን ኣብቲ ቦታ መሬትና ዝብለዎ ቦታ ክትፈልየሎም ክኣለት።

ኣይሁዳውያን ነቲ ቦታ መበቆላዊ መሬትና እዩ ክብልዎ እንከለዉ ፍሊስጤማውያን ብወገኖም እቲ ቦታ ንዐኦም ከምዝግባእ ብምምጓት ነቲ ብብሪጣንያ ዝተውሃበ ውሳነ ክቃወምዎ ጀመሩ።

ኣብ 1920ታት ክሳብ 1940ታት ኣብ ዝነበረ ግዜ ብዙሓት ኣይሁዳውያን ናብቲ መበቆልና ዝብልዎ መሬት ክውሕዙ ጀሚሮም፡ ብፍላይ ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ግፍዕታት ይፍጸም ስለዝነበረ ብዙሓት ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ብምህዳም ክተኣኻኸቡ ጀመሩ።

ምትእኻኻብ ኣይህዳውያን ዘንቀሎ፡ ኣብ ሞንጎ ኣዕራብ፤ ኣይሁዳውያንን ብሪጣንያንን ግጭታት እናተባኣኣሰ ከይዱ።

ኣብ 1947 ሕቡራት ሃገራት ፍሊስጤም ኣብ ክልተ ተኸፊላ ግዝኣት ኣይሁድን ግዝኣት ዓረብን ተባሂላ ክትስመን ዩሩሳሌም ዓለምለኻዊት ከተማ ክተከውንን ውሳነ ኣሕሊፉ።

እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዝተውሃበ ውሳነ ኣይሁዳውያን ሓንጎፋይ ኢሎም ክቕበልዎ እንከለዉ ኣቶም ኣዕራብ ግን ብትሪ ተቓዊመሞ።

ምምስራት ሃገረ እስራኤልን ዝስዓብ 'ህልቂትን'

ኣብ 1948 እቶም ነቲ ጸገም ክፈትሕዎ ዘይክኣሉ ብሪጣንያውያን ካብቲ ቦታ ምስ ወጽኡ ኣይህዳውያን ሃገረ እስራኤል መስሪቶም።

ብዙሓት ፍሊስጤማውያን ንውሳነ እስራኤል ስለዝተቓወምዎ ኵናት ስዒቡ፡ ኣብ ጎረባብቲ ዝርከባ ሃገራት ኣዕራብ'ውን ነቲ ኵናት ተጸንቢረንኦ።

ኣብቲ እዋን እቲ ኣሽሓት ፍለስጤማውያን ናብ ስደት ኣምሪሖም ወይ'ውን ካብ ቤቶም ንኽፈናቐሉ ተገዲዲም: ነዚ እዋን እዚ ኸኣ ፍሊስጤማውያን 'ኣልናቕባ' ወይ ህልቂት ኢሎም ይገልጽዎ።

እስራኤል ዝበዝሓ ቦታታት ምስ ተቆጻጸረት እቲ ዝተጀመረ ኵናት ብስምምዕ ቶኵሲ ደው ምባል ደው ኢሉ።

ኣብቲ እዋን ዮርዳኖስ ነተ ምዕራባዊ ገማግም ዝብሃል ቦታ ክትቆጻጸር እንከላ ግብጺ ኸኣ ንቃዛ ተቆጻጺራቶ ነይራ።

ከተማ ዩርሳሌም ኸኣ ኣብ ክልተ ተኸፊላ ብምዕራብ እስራኤል ብምብራቕ ኸኣ ዩርዳኖስ ሒዘናኣ ነይረን።

ንኹልቲኡ ሓይልታት ዝቕይድ ውዕል ስለዘይነበረ ኸኣ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታትተ ንሓድሕዶም እናተታዀሱን እናተኻሰሱን የሕልፍዎ ነይሮም።

ኣብ 1967 ብዝተወለዐ ከቢድ ውግእ እስራኤል ንምዕራባዊ ገማገም፡ ጎቦታት ጎላን፡ ቃዛን ወሽመጥ ሲናይን ክትቆጻጸር ክኣለት።

ብድሕሪ እዚ ፍሊስጤማውያን ኣብ ቃዛ፡ ምዕራባዊ ገማግም ከምኡ'ውን ተሰዲዶም ኣብ ዩርዳኖስ፡ ሶርያን ሊባኖስን ክነብሩ ጀሚሮም።

ብድሕሪ እዚ ናብቲ ኣብ እዋን ብሪጣንያ ብጽሒትኩም እዩ ዝተብሃሎም መሬት'ውን ተመሊሶም ክነብሩ ኣይክኣሉን፡ እስራኤል ምምላስ ፍሊስጤማውያን ንእስራኤል ስግኣት እዩ ኢላ ስለእትኣምን እያ ዘይትቕበሎ።

እሰራኤል ክሳብ ሕጂ ነቲ ምዕራባዊ ገማግም ተቆጻጺራቶ እያ እትርከብ፡ ካብ ቃዛ'ውን ዋላ እኳ እንተኣንሰሓበት ሕቡራት ሃገራት ግን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ናይ እስራኤል ምህላዉ እዩ ዝገልጽ።

እስራኤል ብምልእታ ዩሩሳሉም ናተይ እያ ክትብል እንከላ ፍሊስጤም ብወገና፡ ምብራቕ ዩሩሳሉም ናይታ መጻኢት ፍሊስጤም ርእሰ ከተማ እያ ኢላ እያ ትማጎት።

ኣመሪካ፡ ካብተን ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ብምልእታ ዩሪሳሉም ናይ እስራኤል እያ ኢለን ዝኣምና ሃገራት ሓንቲ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት እስረኤል ኣብቲ ዘሰሓሕብ ቦታታት ዝተፈላላየ ሰፈራታት ብምህናጽ፡ ልዕሊ 600 ሽሕ ኣይሁዳውያን ከምዝሰፍርዎ ገይራ ኣላ።

ፍሊስጤም እዚ ሰፈራታት ዘይሕጋዊ ከምዝኾነን ንመስርሕ ሰላም መሰናኽል ከምዝኾነ እያ ትገልጽ፡ እስራኤል ግን ነዚ ኣይትቅበሎን።

ሕጂኸ እንታይ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ?

ኣብ ምብራቕ ዩሩሳሉም፡ ቃዛን ምዕራባዊ ገማግምን ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ኣብቲ ቦታ ዝነብሩ ፍሊስጤማውጣንን ወጥሪ ሃዲኡ ኣይፈልጥን እዩ።

ቃዛ በቶም ሓማስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ፍሊስጤማውያን ዕጡቓት እዩ ዝመሓደር።

ሓማስ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣንጻር እስራኤል ዝቃለስ ፍሊስጤማዊ ጉጅለ እዩ።

እሰራኤልን ግብጽን ጉጅለ ሓማስ ዕጥቂ ንኽይረክብ ንቃዛ ዘዳውብ ቦታታት ጥቡቕ ሓለዋ እየን ዝገብራሉ።

ኣብ ቃዛ ዝርከቡ ፍሊስጤማውያን ብሰንኪ እስራኤል ትግብረሎም እገዳታትን ዓቐኑ ዝሓለፈ ምቁጽጻርን ኣዝዩም ከምዝሳቐዩ እዮም ዝሕብሩ።

እስራኤል ብወገና እቲ ምቁጽጻር ካብ ፍልስጤማውያን ክውሕዛ ዝኽእል ዕግርግርን መጥቃዕትን ንምቁጽጻር ኢላ ከምእትገብሮ እያ ትምጉት።

ኣብ መፋርቅ ወርሒ ሚያዝያ 2021 ጾመ ሮመራን ካብ ዝጅመር ንደሓር ግን ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ሞንጎ ፖሊስ እስራኤልን ፍሊስጤማውያንን ተደጋጋሚ ምግጫው ክኽሰት ጸኒሑ።

እስራኤል ንገለ ፍሊስጤማውያን ስድራቤታት ካብ መንበሪኦም ምስ ሰጎጎቶምን ንገለ'ውን ክትሰጎም ምኳና ምስ ኣፈራረሐቶምን እቲ ወጥሪ መሊሱ ሰማይ ዓሪጉ።

እቲ ቀንዲ ጸገምከ እንታይ'ዩ?

እስራኤልን ፍሊስጤምን ዘይሰማማዓሉ ብዙሕ ጉዳያት እዩ ዘሎ።

ኣቶም ኣብ ስደት ዘለዉ ፍሊስጤማውያን እንታይ ይኹኑ? ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝርከቡ እስራኤላውያን ሰፋሮ ኣብኡዶ ይኹኑ ካብኡ የልግሱ? ከተማ ዮሩሳሌም ንኽልቲኤንዶ ትመቐል? ሃገረ ፍልስጤም ማዕረ ማዕረ እስራኤል ትመስረትዶ? ዝብሉ ዓበይቲ ዘይተመለሱ ሕቶታት ኣለወን።

ንዝሓለፈ 25 ዓመታት ዘተ ሰላም፡ ውለዕ ጥፍእ እናበለ ክካየድ ጸኒሑ እዩ እንተኾነ ውድዓዊ ሰላም ከምጽእ ዝኽልእ ስምምዕ ኣይተበጽሕን ዘሎ።

ንመጻኢኸ ድኣ እንታይ እየን ክኾና?

ሕጽር ብዝበለ ጉዳይ እስራኤልን ፍሊስጤምን ኣብ ሓጺር ግዜ ክፍታሕ ትጽቢት ኣይግበርን እዩ።

ኣብ እዋን ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ 'ዝዓበየ ስምምዕ ናይዚ ዘመን' ዝተሰመየ እማመ ውዕል ሰላም እስራእልን ፍሊስጤምን ቀሪቡ ነይሩ፡ እስራኤል ነቲ ውዕል ክትቕበሎ እንከላ፡ ፍሊስጤም ግን ኣብ ባይታ ዘሎ ዘየገናዘብን ጸግዒ ናይ ሓደ ወግን ዝሓዝን እማመ'ዩ ብምባል ነጺጋቶ።

ኣብ መጻኢ ክልቲኦም ወገናት ዝሰማማዕሉ ውዕል ክመጽእ ኣለዎ፡ ክሳብ ሽዕኡ ግን እቲ ግጭት ዘይተርፍ እዩ ዝመስል።