እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናይጄሪያ፡ ዕጡቓት ቦኮሓራም ዘይተስዓሩሉ ሽዱሽተ ምኽንያታት
ዕጡቓት ናይጄሪያ ዝኾኑ ቦኮሓራም "ቴክኒካዊ ስዕረት" ገጢሙዎም'ዩ ዝብል ኣገላልጻ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓቅነቱ እናፎኸሰ ይኸይድ ኣሎ።
ፕረዚደንት ሙሓሙዱ ቡሃሪ ኣብ 2015 ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ድሕሪ ሸውዓተ ኣዋርሕ እዩ ከምኡ ክብል ተሰሚዑ፤ እንተኾነ ግና እቲ ጉጅለ ክሳዕ ሎሚ ኣይጠፍአን ኣሎ።
ሰራዊት እታ ሃገር፡ ነዞም ዕጡቓት ብምጥቃዕ ተቖጻጺሮምዎ ዝነበረ ግዝኣት ከምልስን ካብ ገለ ካብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ ስፍራታት ክኣልዮምን ክኢሉ'ዩ።
እንተኾነ ኣብ ቀረባ እዋን፡ እቶም ዕጡቓት ኣብ 2009 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] መጥቃዕቲ ኣብ ዝጀመርሉ ሰሜን ምብራቕ ከቢድ መጥቃዕቲ ምስ በጽሐ፡ ብዙሓት ንምዃኑ ምኽንያት ውድቀት ሰብ መዚ እታ ሃገር ካብ ምንታይ ዝተበገሰ'ዩ ኢሎም ይሓቱ ኣለው።
ኣብዚ ዓመት ጥራሕ፡ ኣስታት 100 መጥቃዕታት ተፈጺሞም፤ እዚኦም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያንን ወተሃደራትን ዒላማ ዝገበሩ'ዮም።
በዚ ምኽንያት፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም፣ ኣጽዋር፣ መግብን መድሓኒትን ከኣ ተዘሚቶም።
ክኢላታት: ቦኮሓራም ክጠፍእ ዘይከኣለ ብሽዱሽተ ምኽንያታት ምዃኑ ይገልጹ።
1. ምንጪ እቲ ጸገም ተበጻሒ ኣይተገብረን
ተንታኒ ጸጥታን ድሕነትን ካቢሩ ኣዳሙ፡ ቦኮሓራም ብወተሃደራዊ ስትራቴጂ ክትምክቶ ትኹረት ምግባር: ዓብዪ ጸገም መንግስቲ እታ ሃገር ምዃኑ ይዛረብ።
"ነዚ'ዩ ንዝሓለፉ 11 ወይ 12 ዓመታት ኣንጻር እቲ ጉጅለ ዝውሰድ ስጉምቲ ለውጢ ከምጽእ ኮነ ክዕወት ዘይንርኢ" ይብል።
"ብርግጽ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ግዝኣታት ከምልስ ይክእል እዩ፤ ይኹን'ምበር ሕጂ'ውን ጽልዋ ክፈጥሩ፣ ኣባላቶም ክምልምሉ፣ ፋይናንስን ኣጽዋርን ክረኽቡ ከምኡ'ውን ዳግም ክውደቡ'ዮም ዝርኣዩ" ኢሉ።
ኣብ ሰሜን ምብራቕ ዝነብር ህዝቢ ንቦኮሓራም ስለ ዝሓሊ ዘይኮነ ሰብ መዚ ኣገዳሲ ትኹረት ስለ ዘይገብርሉ፡ ተስፋ ዝቖረጹ ነበርቲ ኣብ ኢድ እቶም ዕጡቓት ክወድቁ ከም ዝደፋፍኦም ተንተንቲ ይገልጹ።
"ግብረ ራዕዲ ክትቃለስ እንተኾይንካ ካብ ወተሃደራዊ ስርሒት ዝዘለለ ስትራቴጂ የድሊ። እዚ ማለት ምንጪ እቲ መጥቃዕቲ ክትበጽሖ ኣለካ። ይኹን'ምበር ነዚ ኣመልኪቱ እኹል ጻዕሪ ክግበር ኣይርኣናን" ይብል ኣዳሙ።
ሕጽረት ሰናይ ምሕደራ፡ ህዝቢ ዝጠፈሸ፣ ተስፋ ዝቖረጸን ዘይተመሃረን ክኸውን ገይሩዎ'ዩ ዝብል እቲ ተንታኒ፡ እዚ ኸኣ "ሓደ ዓብዪ ምንጪ እቲ ጸገም" እዩ ይብል።
መንግስቲ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ልምዓት ንምስላጥ ዝገብሮ ምንቅስቓስ እንተሃለወ'ውን ኣዝዩ ዝንጉዕ እዩ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ክሊ እቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ቑጠባዊ ልምዓትን ቓልሲ ኣኽራርነትን ዝሓዘ እዚ ጉጅለ ንምቅላስ ዝተሓንጸጸ ሃገራዊ ስትራቴጂ ቃልሲ ሽበራ ኣሎ።
እንተኾነ እዚ ስትራቴጂ ሙሉእ ንሙሉእ ተግባራዊ ኮይኑ'ዩ ኢሉ ከም ዘይኣምን ክኢላ ጸጥታን ድሕነትን ካቢሩ ኣዳሙ ይገልጽ።
ተንታኒ ድሕነት 'ኢንስቲትዩት ቶኒ ብሌየር ንልምዓት' ዝኾነ ቡላማ ቡካርቲ ብወገኑ፡ ኣብ ክሊ እዞም ስጉምታት ልክዕ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ዝተወስደ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከም ዘድሊ ይጠቅስ።
2. ዓቕሚ ምምልማል ቦኮ ሓራም
ኣብ ብዙሓት ከባቢታት እታ ሃገር ዘሎ ሱር ዝሰደደ ድኽነትን ናይቲ ጉጅለ ጎነጻዊ መገድታትን በብግዝኡ ዝምልምሎም ሰባት ክበዝሑ ከም ዝገበረ ክኢላታት ይዛረቡ።
ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ሽቕለት ኣልቦነትን ድኹም ምሕደራን ከም ዘሎ ብምግላጽ "ሰባት ንክነብሩ ብቐሊሉ ንምምልማል ድሉዋት'ዮም" ይብል ክኢላ ድሕነት ዓብዱላሂ ያዋል።
ኣመሓዳሪ ግዝኣት ቦርኖ ባባጋና ዙሉሙ ኣብ ቀረባ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል እቲ ጉጅለ ብምኽንያት ጎንጺ ዝተመዛበሉ ሰባት ከይተረፈ ይምልምል ኣሎ ኢሉ ነይሩ።
3. ምውሓድ ዕጥቂ
ነዞም ሓይልታት ንምቅላስ ዘኽእል እኹል ዕጥቂ ከም ዘየለ ዝገልጽ ኣዳሙ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ብኣግባቡ ኣይተዓጠቐን ይብል።
ትካል ቤከን ኮንሳልቲንግ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣብ ናይጄሪያ ኣስታት 6.5 ሚሊየን ንኣሽቱን ቀለልትን ኣጽዋራት ኣለው ክብል እንከሎ፤ ካብዚ እቲ 586 ሽሕ ጥራሕ ኣብ ኢድ ሓይልታት ጸጥታ ከም ዝርከብ ሓቢሩ።
"ካብዚ ብምብጋስ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ሰራዊት እታ ሃገር ዘይብሉ ዝለዓለ መጠን ኣጽዋር ከም ዘለዎ ምርኣይ ይክኣል" ይብል ኣዳሙ።
4. ብልሽውና
ሰራዊት ናይጄሪያ ዝሓሸ ዕጥቂ ከይውንን ካብ ዝገብሩዎ ጸገማት ብልሽውና ሓደ ክኸውን ይኽእል።
ኣንጻር ቦኮሓራም ዝውሰድ ስርሒት ንምስፋሕ ተባሂሉ ዝስላዕ ገንዘብ ኣብ ጁባ ሰብ መዚ ከም ዝተርፍ ይእመን።
ተንታኒ ያዋል፡ ቦኮ ሓራም ንምጥፋእ ዝግበር ቃልሲ ብ"ቅንዕና" ከም ዘይተተግበረን "ገለ ሰባት ናብ ንግድን ዓርሶም ምብልጻግን" ክኣትው ከም ዝገበሮም ይዛረብ።
ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ሰራዊት ናይጄሪያ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም ኣሎ ብምባል ኣመሪካ ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ኣንቢራትሉ'ያ።
ፕሬዝደንት ቡሃሪን ፕሬዝደንት ነበር ጉድላክ ጆናታንን እቲ ስጉምቲ ኣንጻር ቦኮ ሓራም ዝገብሩዎ መኸተ ከተዓነቕፎ ምኽኣሉ ክገልጹ ጸኒሖም።
እንተኾነ፡ እቲ ማዕቀብ ኣብ እዋን መሪሕነት ዶናልድ ትራምፕ ብ2018 ክለዓል እንከሎ፡ ናይጄሪያ ኣንጻር እቲ ጉጅለ እትወስዶ ስጉምቲ ጸብለልታ ከርኢ ትጽቢት ተገይርሉ ነይሩ።
5. ውጽኢታዊ ዝኾነ ወተሃደራዊ ስትራቴጂ የለን
ተንታኒ ቡካርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ኣሸበርቲ "ሰራዊት ናይጄሪያ ዝወስዶ መጥቃዕቲ ኣየር ለሚዶምዎን ተረዲኦምዎን" እዮም ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰራዊት እታ ሃገር ካብ ንኣሽቱ መዓስከራት ወተሃደራት ብምውጻእ ናብ ዓበይቲ መዓስከራት ክኣትው ገይሩ ነይሩ።
እዚ ኣብ 2020 ተግባራዊ ዝኾነ ስትራቴጂ ኮይኑ፡ ወተሃደራት ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ይበጽሖምን ዕጥቅታቶም ተዘሚቱን'ዩ።
እንተኾነ ብዙሓት ገጠራት ንሓደጋ ዝተቓልዓ ክኾና ከም ዝገበረን ተንተንቲ ይዛረቡ።
"እቶም ዓበይቲ ካምፕታት ምስ ተፈጥሩን ሕጂን ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዝበጽሑ መጥቃዕታት ከም ዝወሰኹ ዘረጋግጹ መረዳእታታት ኣለው። ስለዚ እዞም ዓበይቲ ካምፕታት ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝቢ ተቓላዒ ክኸውን ገይሮምዎ'ዮም" ኢሉ ኣዳሙ።
እዚ ነቲ መነባብሮኡ ኣብ ምግፋፍ ዓሳን ሕርሻን ዝተደረኸ ህዝቢ ሰሜን ምብራቕ ከም ዝሃሰዮን ኣብ ፍርያምነት ጽልዋ ከም ዘሕደረን ይጥቀስ።
እቲ ሰራዊት'ውን ስለያ ዘካይደሉ ኮነ ሚስጥራዊ ሓበሬታ ዝረኽበሉ ዕድላት ከም ዝተዓጸውዎ ይግለጽ።
እዚ ማለት "እቶም ዕጡቓት ነቲ ሰራዊት ቀዲሞምዎ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ኣለው" ማለት'ዩ ኢሉ ኣዳሙ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት እታ ሃገር መሓመድ ያሪም ግን "ሰራዊትና ኣብ ልዑል ወነ ቓልሲ'ዩ ዘሎ፤ ቦኮ ሓራም ካብ ሰሜን ምብራቕን መላእ እታ ሃገርን ጸራሪጉ ከውጽኦ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።
6. ጽልዋ ቦኮ ሓራም
ቦኮ ሓራም ምስ ካልኦት ዕጡቓት ርክብ ከም ዘለዎ ይግለጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቦኮ ሓራም ኣብ ኒጀር'ውን ከም ዘሎ ዝገልጽ ቪድዮ ፈንዩ ነይሩ።
ሰብ መዚ ኒጀር ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ'ውን ዕጡቓት ቦኮ ሓራም ናብታ ሃገር ከም ዝኣተውን ጫካታት ተቖጻጺሮም ኣብ ልዕሊ ነበርቲ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ከም ዘለውን ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2020'ውን ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበረ ሌተናል ጀነራል ዮሱፍ ቱኩር ቡራቲ፡ ህዝብን ወተሃደራዊ ስጉምትን ክወሃሃዱ እንተዘይክኢሎም ኣንጻር ቦኮ ሓራም ዝግበር ቃልሲ ንዝቕጽሉ 20 ዓመታት ክቕጽል ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።