እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ክልተ ገጠራት ኒጀር ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 100 ሰባት ተቐቲሎም
ቀዳማይ ሚኒስተር ኒጀር ከምዝበሎ፡ ቀጽሪ ናይቶ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ብጂሃዳውያን ዕጡቓት ዝተቐትሉ ሰባት 100 በጺሑ።
እቶም 70 ኣብ ትኮምባንጎ ዝተባህለ ቁሸት፡ እቶም ዝተረፉ 30 ድማ ኣብ ዛሮምዳረየ ዝተባህለት ቁሸት ከምዝተቐትሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጊ ራፊኒ ኣፍሊጡ።
እቲ መጥቃዕቲ ምስ ማሊ ኣብ ዘዋስን ምዕራባዊ ዶብ እታ ሃገር እዩ ተፈጺሙ።
ኣብዚ ቀረባ ኣብ ዞባ ሳሕል ብዙሓት መጥቃዕቲታት ብዕጡቓት ተፈጺሞም እዮም።
ፈረንሳ እኳ፡ ትማሊ ቀዳም ክልተ ወታሃደራታ ኣብ ማሊ ከምዝተቐተሉ ገሊጻ እያ።
ሰዓታት ቅድሚ እቲ ናይ ትማሊ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ፡ ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ዘለዎ ሓደ ጉጅለ ዕጡቕ፡ ነቲ ብሶኒ ኣብ ማሊ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ወታሃደራት ፈረንሳ ዝተፈጸመ ቅትለት ሓላፍነት ከምዝወስድ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ፈረንሳ ነቲ ኣብ ዞባ ሳሕል እስላማውያን ዕጡቓት ንምድምሳስ ብሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን ኣውሮጳውያን መሓዙተንን ዝቖመ ልፍንቲ ክትመርሖ ጸኒሓ እያ።
ኮይኑ ግና እቲ ዞባ ብዓሌታዊ ጎንጺ፣ ሽፍትነት፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባትን እጻትን ምሕማሱ ቀጺሉ ኣሎ።
ድሕሪ እቲ ኣብተን ገጠራት ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ናብቲ ከባቢ ወታሃደራት ከምዝተልኣኹ ሚኒስተር ውሽጢ ዓዲ ኒጀር ገሊጹ ኣሎ፤ እንተኾነ ብትኽክል ክንደይ ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣይሓበረን።
ኤኤፍፒ ዘዘራረቦ ሓደ በዓል ስልጣን እቲ ከባቢ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐተሉ ክገልጽ ከሎ፡ ሓደ ጋዜጠኛ ድማ ክሳብ 50 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተዛሪቡ።
እቲ ሰለስተኣዊ ወሰን ሃገራት ኒጀር፣ ማልን ቡርኪናፋሶን ዝኾነ ከባቢ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ጂሃዳውያን ዝፍጸመሉ ከባቢ እዩ።
ካብ ናይጄርያ ሰሊኾም ዝኣትዉ ዕጡቓት ቦኮ ሓራም እውን ኣብ ኒጀር ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ እዮም፤ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እኳ ደቡብ ምብራቓዊ ኒጀር ኣብ ዝርከብ ዞባ ዲፋ፡ 27 ሰባት ቀቲሎም ነይሮም።
እቲ ናይ ትማሊ መጥቃዕቲ ግን፡ ኒጀር ሃገራዊ መረጻ እተካይደሉ ኣብ ዘላ እዋን እዩ ተፈጺሙ ዘሎ።