ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይጀርያ ብውሕዱ 59 ሰባት ብዕጡቓት ተቀቲሎም።

እዞም ዕጡቓት ኣብ ዞባ ቦርኖ ወረዳ ጉቢኦ እትርክብ ሓንቲ ዓዲ ብምእታው እዮም ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም።

እቶም ዕጡቓት ነቶም ደቂ እቲ ዓዲ ድሕሪ ምቅታል ነታ ዓዲ ከምዘዕነዉዋ ዝሓበሩ ናይ ዓይኒ መስኻኽር፤ እቲ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ከምዝመስል ገሊጾም።

ክሳብ ሕጂ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የለን።

ኤኤፍፒ ኣብታ ዓዲ 59 ሰባት ከምዝትቐተሉ ክሕብር እንከሎ ሮይተርስ ብወገኑ እቲ ቁጽሪ 69 ምኳኑ ሓቢሩ ኣሎ።

ሮይተርስ፡ እቶም ዕጡቓት ነቶም ደቂ እቲ ዓዲ ምንቅስቃስኦም ንመንግስቲ ይሕብሩ እዮም ብዝብል ምኽንያት ከምዝቐተልዎም ዝሕብር ኣብ ገጻቱ ከስፍር እንከሎ፡ ኤኤፍፒ ከኣ እቲ ሬሳ ናይቶም ጅሃዳውያን ጉጅለ ከምዝኾነን፤ ጥሪት ክዘምቱ ምስ መጽኡ ብደቂ እቶም ዓዲ ከምዝተቐተሉ እዩ ዝሕብር።

ኣብ ትሕቲ ኣይኤስ ዝነጥፍ ጅሃዳውያን ጉጅለ ቦኮ ሓራም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ ናይጀርያ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከካይድ ዝጸንሐ ጉጅለ እዩ።

ቦኮ ሓራም ኣብ 2014 ልዕሊ 270 ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ፡ ድሕሪ ምጭዋዮም ዓለምለኻዊ ነድሪ ከላዕሉ ክኢሎም እዮም፤ ቦኮ ሓራም ብጀካ ኣብ ናይጀርያ ኣብ ጫፍ፤ ኒጀርን ካሜሮንን'ውን መጥቃዕትታት የካይዱ እዮም።

ቦኮሓራም ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ 47 ናይጀርያውያን ወተሃደራት ድሕሪ ምቅታል ንጽባሓይቱ'ውን ኣብ ጫድ ኣስታት 100 ወተሃደራት እታ ሃገር ቀቲሎም ነይሮም።

እዚ ዓሰርተታት ዓመት ዘቁጸረ ጉጅለ ቦኮ ሓራም፤ ብሰንኪ እቲ ንሱ ዝፍጽሞ መጥቃዕትታት ኣሽሓት ክሞቱ እንከለዉ ብዙሓት'ውን ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ ተገዲዶም'ዮም።