ፕረዚደንት ናይጀርያ ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት እታ ሃገር ኣባሪሩ

ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሃማድ ቡሃሪ፡ ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል ናይጀርያ ካብ ስርሖም ከምዘባረሮም ኣፍሊጡ።

እዞም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ናይጀርያ፡ ንሱ፡ ኣብ 2015 ስልጣን ኣብ ዝተረከበሉ እዋን'ዩ ሽመት ተዋሂብዎም።

እቲ ፕረዚደንት ኣስማት እቶም ዝትክእዎም ኣዘዝቲ ሰራዊት'ውን ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቶም ካብ ስርሖም ዝተባረሩ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ከምኡ'ውን [ኢታማጆር ሹም] ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ እቲ ሰራዊት ምክልኻል ናይጀርያ እዮም።

እዞም ሰብመዚ ስለምንታይ ካብ ስርሖም ተባሪሮም ግና ዝተዋህበ መብርሂ የለን።

እንተኾነ፡ እቲ ስጉምቲ ምስቲ ጂሃዳዊ ጉጅለ ቦኮሓራም ዝፍጽሞም ዘሎ መጥቃዕትታትን፡ ቀጻሊ ጭውያታትን ብዝተሓሕዝ ከምዝተወስደ'ዩ ዝግለጽ።

እዞም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት እታ ሃገር፤ ካብ ስርሖም ክባረሩ ካብ ኣመሓደርቲ ግዝኣታት ናይጀርያን ባይቶ እታ ሃገርን ብዙሕ ጻውዒት ክቐርብ ከምዝጸንሐ'ውን ይግለጽ።

ፕረዚደንት ቡሃሪ፡ ኣብ 2015 ኣብ ስልጣን ክመጽን እንከሎ፡ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር ዘሎ ዕግርግር ከምዘኽትሞ ተመባጺዑ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ዝንቐሳቐን ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ቦኮ-ሓራም ብቐጻሊ መጥቓዕትታት ከካይድ ጸኒሑ።

ካልኦት ግበረ-ሽበራዊ ጉጅለታት'ውን ኣብቲ ዞባ ወተሃደራዊ ስርሒታት የካይዱ ምህላዎም ይግለጽ።

ኣብ ትሕቲ ስልጣን ቡሃሪ፡ ኣብ ማእከላይ ዞባ እታ ሃገር ኣብ መንጎ ሓረስቶትን ጓሶትን ጎንጺ ብቐጻሊ ይውላዕ ከምዘሎን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ጭውያት ይፍጸም ከምዘሎን ይሕበር።

ቦኮ ሓራም

መንግስቲ ናይጀርያ ነቲ ብቦኮ ሓራም ዝፍለጥ ጂሃዳዊ ምንቅስቓስ ዝተመስረተሉ ሰሜናዊ ምብራቕ ክፋል እታ ሃገር ንምቁጽጻር ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ይርከብ።

ብመሰረት መረዳእታ ዓለም ለኻዊ ተርታ ግብረ ሽበራ፡ ቦኮሓራም፡ ካብ 2011 ኣትሒዙ፡ ኣብ ናይጀርያን ጎረባብቲ ሃገራትን፡ ምስ ኵናት ብዝተኣሳሰር ሞት ልዕሊ 37,500 ሰባት፡ ምስ ግብረ ሽበራ ብዝተኣሳሰረ ድማ ንሞት ልዕሊ 19 ሽሕ ሰባት ተሓታቲ ኮይኑ ይርከብ።

ኣብ 2015 ምስ ኣይ-ኤስ ክሰርሕ ቃል ዝኣተወ ሓደ ጉጅለ ካብ ቦኮ ሓራም፡ “ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ እስላማዊ መንግስቲ” እየ ብምባል፡ ዶባት እቲ ኸባቢ ብቐሊሉ ብምስጋር ኣብ 2018 ኣብ ቀላያት ጫድ ድልዱል መዓስከር ኣቚሙ ይርከብ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ አይ ኤስ ነዚ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ምትሕብባር ብቐጻሊ ክዛረበሉ ጸኒሑ ኣሎ። ወተሃደራት ናይጀርያ ካብ 2009 ጀሚሩ ነቶም እስላማዊ ዕጡቓት ሓይልታት ቦኮ ሓራም ክዋጋእ ጸኒሑ'ሎ።

በቲ ጎንፂ ልዕሊ 30,000 ሰባት ክሞቱ እንከለው ኣስታት 18 ሚልዮን ካብ ገዛውቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ።