ስነ ልቦና፡ ስለምንታይ ኢና ኪርኪር ኢልና ንስሕቕ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዝዀነ ነገር ርእዮም ወይ ሰሚዖም ክርትም ኢሎም ዝስሕቑ ሰባት'ዶ ገጢሞምኹም ይፈልጡ?
መሰረት ገብረስላሴ ከምኡ'ያ፤ ተዓንቂፉ ክወድቕ ዝርኣየቶ ሰብ ኣይተርፋን፡ ከብዳ ክሳብ ዘሕማ ትስሕቕ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝውዝዑ ዝተፈላለዩ ፍልይ ዝበሉ ቪድዮታት ምስ እትርኢ እሞ፡ ሰሓቓ መወዳእታ የብሉን።
"እዚ'ዩ ክብሎ ኣይክእልን፤ ግን ውሽጠይ ጽቡቕ ስለ ዝስምዓኒ'የ ዝስሕቕ። ኣብ ገሊኡ፡ ክስሕቀሉ ዘይግብኣኒ ኵነታት ሰሓቕ ክሞልቀኒ እንከሎ ግን ቅሩብ ይስከፍ'የ፡" ትብል።
ሶፊ ስኮት፡ ጥራይ ዝባኑ ጭብጥ ኢሉ ዘሊሉ ናብ ኣዝዩ በረድ ዝዀነ መሐምበሲ ገንኢ ናይ ዝኣቱ ሰብኣይ ቪድዮ ኣብ ቴሌፎና ኣሎ።
ቅሩብ ጭዋዳታቱ ፍትሕትሕ ኣቢሉ ናብቲ ከም ጠስሚ ከረው ኢሉ ዝደረቐ በረድ ዘለዎ መሐምበሲ ገንኢ ዘሊሉ ይኣቱ።
እቲ በረድ፡ ኣይተበተነን፤ መሓዙቱ ግን እንታይ እዋኖም ክስሕቑ ከም ዝጀመሩ ኣይፍለጥን፡ ክርትም ኢሎም ክስሕቑ ኣብቲ ቪድዮ ይርኣይ።
"ፈቘዶኡ ደምን ዓጽምን ተበቲኑ ስለ ዘይርኣዩ'ዮም ስሒቘም፡" ትብል ስኮት።
ስለ ምንታይ ኢና ዋላ'ውን ዝዀነ ሰብ ክቕንዞ እናርኣና ኪርኪር ንብል? ስለ ምንታይከ እዚ ናብ ካልኦት ምሳና ዘለው ሰባት ተመሓላላፊ ኮይኑ?
ሰሓቕ፡ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ኣዝዮም ኣገደስቲ ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ነገራት ሓደ'ዩ።
ስኮት፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ተመራማሪት ስነ ኣእምሮ እያ፤ ንዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ድማ ነዞም ሕቶታት መልሲ ንምርካብ መጽናዕቲ ክትገብር ጸኒሓ።
ነዚ፡ ነቲ ብሓፈሻ ኣብ እንስሕቀሉ እዋን እነውጽኦ ዓይነት ድምጽን እዚ ብዛዕባ መንነትና ዝሓዘሎ ሓበሬታን ወሲዳ ከተጽንዖ እንከላ፡ በዚ "ብዛዕባ ጾታይ፡ ዕድመይ፡ ደረጃ ትምህርተይ፡ መበቆለይ፡ ስምዒታተይ፡ ጥዕናይን ካልኦትን ዘለው ጉዳያት ዝምልከት ምስሊ ክትረኽቢ ትኽእሊ፡" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ካብቶም ኣብዚ መጽናዕቲ ንፈተነ ዝተጠቐመትሉ መገዲ፡ ፕሮፌሽናል ድምጺ ብምምሳል ዝፍለጥ ዳንከን ዊስበይ ናይ ካልኦት ሰባት ኣዘራርባ ንምልማድ ዝገብሮ ጻዕሪ ዘካተተ እዩ።
በዚ፡ ብዝገርም ኵነታት ንጥፈት ኣእምሮ ብልሙድ ምስ ምንቅስቓስ ሰብነትን ብምስሊ እንርእዮም ነገራትን ዝተራኸቡ ቦታታት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ተገንዚባ።
ብተወሳኺ ድምጺ ናይ ምምሳል ስራሕ፡ ኣብ ቃላዊ መንነትና ዓቢይ ቦታ ዘለዎም ከም ላህጃን ምዝራብን ዝበሉ ዝተፈላለያ ዞባታት ክትፈልጥ ሓጊዙዋ።
ኣብ ናሚብያ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ግን፡ ስኮት ስሓቕ ሓደ ካብቲ ሃብታም ናይ ድምጽና ኣካል ምዃኑ ክትርዳእ ኣኽኢልዋ።
ቅድም ኢሎም ዝተኻየዱ መጽናዕታት፡ ኵላትና ኣብ ውሽጢ ባህልና ዘለው ሽዱሽተ ስምዒታት- ፍርሒ፡ ቁጥዐ፡ ኣግራሞት፡ ጽዩፍ ምዃን፡ ሓዘንን ደስታን - ኣብ ገጽና ጥራይ ብምርኣይ እንታይ ዓይነት ስምዒት ኣለና ዝብል ምፍላጥ ከም ዝከኣል የመልክቱ።
ስኮት ግን ካብ ድምጽና ዝዀነ ሓበሬታ ምውሳድ ከም ዝክኣል ክትርኢ ደልያ።
ስለዚ፡ ንደቀባት ናሚብያን እንግሊዝን ብኽልተኦም ወገን ዝተቐድሐ ድምጺ ኣስሚዓቶም።
በዚ፡ እቶም ቅድም ክብል ዝተባህሉ ሽዱሽተ ስምዒታት ሓዊሱ ኣብዞም ሰባት ዝርአ እፎይታ፣ ዓወት ወይ ዕግበት ክንደይ ከም ዝዀነ ዓቂና። ሰሓቕ ድማ ብኽልቲኦም ወገን ብቐሊሉ ዝተራእየ ስምዒት ነይሩ።
ኣብ ቀረባ ግዜ፡ መብዛሕትኡ ሰሓቕ ምስ ዋዛ ወይ ጸወታ ዝተሓሓዝ ከም ዘይኮነ ብመጽናዕቲ ኣረጋጊጻ።
"መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ብዋዛ ካልኦት ሰባት ዝስሕቑ'ዩ ዝመስሎም፤ እንተኾነ ኣብ ዝዀነ ወግዒ ዝበዝሐ ዝስሕቕ እቲ ዝዛረብ ሰብ እዩ፡" ትብል።
ካብዚ ብምብጋስ፡ ዝዀነ ነገር ዘስሕቕ ይዅን ዘየስሕቕ ብዘየገድስ፡ ሰሓቕ ዘቀራርበናን ዘተኣሳስረናን "ማሕበራዊ ስምዒት፡" እዩ ኢላ።
"ምስ ሰባት ክትስሕቕ እንከለኻ ከም እትፈትዎም፣ ምስኦም ከም እትሰማማዕ ወይ'ውን ከም እትረዳዳእ ኢኻ እተርእዮም። ስለዚ ሰሓቕ ሓባሪ ጽኑዕ ምሕዝነት'ዩ፡"።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝዀነ ኣጋጣሚ፡ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ኮይኖም ብሓባር ኰፍ ዝበሉ እሞ ንሓድሕዶም ክስሓሓቑ ርኢኹም ትኾኑ።
ኣብ ቀረባ ርሕቐት ኣብ ጐድኖም ዘለው ሰባት ግን ዋላ ሓደ ዘይክስምዖም ይኽእል።
ስኮት ነዚ ከተረድእ እንከላ፡ "ሓደ፡ 'ተዋዛዪ ስለ ዝኾንካ እየ ዝብህገካ ወይ ምሳኻ ክኸውን ዝደሊ' ክብል ይኽእል። እዚ ማለት ይብህጎ እየ፤ ኣብ ጥቓኡ ክኸውን እንከለኹ ድማ ብምስሓቕ ከም ዝፈትዎ የርእዮ ማለት እዩ፡" ትብል።
ሓጐስ፡ መባእታዊ ምሕዝነት ዝጠናኸረሉ መገዲ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ንኣብነት፡ ኣብ ሞንጐኦም ሰሓቕ ዘይፍለዮም መጻምዲ ድሕሪ በብወገኖም ዘሕልፍዎ ናይ ጭንቂ ሰዓታት ናይ ምግርጫው ዕድሎም ጸቢብ ከም ዝዀነ እታ በዓልቲ ሞያ ትዛረብ።ንውሕ ንዝበለ ግዜ ብሓባር ናይ ምጽናሕ ተኽእሎኦም'ውን ልዑል ምዃኑ ትገልጽ።
ኣብ ቀረባ ዝተኻየዱ መጽናዕታት ዘስሕቝ ቪድዮታት ብምርኣይ ብሓባር ዝስሕቑ ሰባት፡ ብዛዕባ ውልቃዊ ጉዳዮም ብግልጺ ንምዝርራብ ልቦም ክኸፍቱ ከም ዝገብሮምን ሰባት ዝቀራረብሉ ባይታ ከም ዘመቻችእን የምልከቱ።
ነፍሲ ወከፍ ኣብ ልዕሊ እቲ ናብ ቀዝሒ በረድ መሐንበሲ ገንኢ ዝወደቐ ጀርመናዊ ዝተንጸባረቐት ሰሓቕ'ውን ነቶም መሓዙት ዝያዳ ኣቀራሪባቶም ትኸውን።
"ክወድቕ ዝርኣይዎ መሓዙቱ ዝስሓቕሉ ቅጽበት ኣዝዩ'ዩ ዝገርም፤ ምናልባት ንዕኡ'ውን ጽቡቕ ስምዒት ክፈጥርሉ ደልዮም ዝገበርዎ ክኸውን ይኽእል እዩ፡" ትብል ስኮት።
እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ምሁር ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ሮቢን ደንበር፡ ሰሓቕ ሰብነትና ብተፈጥሮኡ ቃንዛ ንምዕጋስ ዘመንጭዎም ኬሚካላት [ኢንዶርፊንስ] ክተባብዑ ብምግባር ማሕበራዊ ምትእስሳራት ክጸንዑ ይገብር ኢሉ።
ስኮት፡ ሕጂ ኣብ ሞንጐ፡ ምናልባት ምድላዋት ፈነወ ራድዮን ቴሌቪዥንን ክዘርጉ ዝኽእሉ ሞሊቝና ኪርኪር ኢልና እንስሕቘም ሰሓቓትን ወግዕታትና ንምምቃር እንስሕቈምን ዘሎ ፍልልይ ክንፈልጥ ትደሊ።
ንኣብነት፡ እቶም ካብ ልብኻ እትስሕቆም ዘይመስሉ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ኣፍንጫ ዝመጽኡ ኮይኖም እቶም ምኽኣል ተሳኢኑና ከብድና ክሳብ ዝቘስል እንስሕቘም ግን፡ ካብ ኣፍንጫ ከም ዘይኮኑ ትዛረብ።
ኣእምሮና ንኽልቲኡ ዓይነት ሰሓቕ ዝህቦ ምላሽ ብኤምኣርኣይ ክርአ ገይራ እያ።
ኣብዚ፡ ክልቲኦም፡ ነቲ ንጥፈት ካልኦት ሰባት ከነምስል ዝገብረና ክፍሊ ኣእምሮና ሓጐስ ክፈጥርሉ ይርኣይ።
ኣብ ሞንጎ ሞሊቝኻ እትስሕቆን ንይምሰል እትስሕቆን ዘሎ ፍልልይ ምዝራብ ቀሊል ክመስል ይኽእል፤ ስኮት ግን እዚ ኣብ መወዳእታ 30ታት ክንከውን እንከለና እነማዕብሎ ክእለት እዩ ትብል።
ሰባት "ናይ ሓሶት" ሰሓቕ ክስሕቁ እንከለው ንጸልኦም ኢና፤ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ነገራት ሰባት እንታይ ዓይነት ባህሪ'ዩ ዘለዎም ዝብል ንምፍላጥ ከም ዝሕግዝ ኣረዲኣ።

ቢቢሲ ፊዩቸር ዘዳለዎ'ዩ






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







