ኣብ ኢራን ኣብ ገዛ ዝተጾምቀ ኣልኮላዊ መስተ ዝሰተዩ ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም

ኣብ ኢራናዊት ከተማ ባንዳር ኣባስ፡ ኣብ ገዛ ዝተጾምቀ ብኩል ኣልኮላዊ መስተ ዝሰተዩ ሸሞንተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ገሊጸን፡፡

ብተመሳሳሊ ካልኦት 51 ሰባት ብኣልኮላዊ ምምራዝ ናብ ሆስፒታል ከምዝኣተዉ ሰብመዚ ጥዕና ኣፍሊጦም፡፡

ካብዚኦም እቶም 17 ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ሕሙማት ክንክን ዝግበረሎም ዘሎ ኮይኑ፡ እቶም 30 ሕጽበት ኩላሊት(ዳያሊስስ) ይግበረሎም ከምዘሎ እቶም ሰብ መዚ ሓቢሮም፡፡

ፖሊስ ብወገኑ ነቲ ኣልላዊ መስተ ብምፍራይን ብምክፍፋልን ዝተጠርጠሩ ሸሞንተ ሰባት ኣሲረ ኢሉ፡፡

ብእስላማዊ ሕጊ ኣብ እትመሓደር ኢራን፡ ካብ ውሑዳት ሰዓብቲ ካልኦት ሃይማኖታት ወጻኢ፡ ኣልኮላዊ መስተ ምፍራይ፣ ምሻጥን ምስታይን ብጥቡቕ ዝተኸልከለ እዩ፡፡

ኣልላዊ መስተ ክጥቀም ዝተረኸበ ሰብ ድማ 80 ግዘ ብሓለንጊ ይግረፍ፡፡

ኣመሓደርቲ ከተማ ባንዳር ኣባስ፡ ዛጊድ እቲ ንሕለፈት እቶም ሰባት ምኽንያት ዝኾነ ኣብቲ ኣልላዊ መስተ ዝኣተወ ባእታ ኣይፈለጡዎን፡፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት ግና ንሞት ዝዳርግ መጠን ‘መታኖል’ ዝተባህለ ባእታ ዝኣተዎ ኣልኮላዊ መስተ ዝሰተዩ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢራናውያን ሞይቶም እዮም፡፡

መታኖል ነዳድን ካልኦት ኣሕቐቕትን ከይረግኡ ንምግባር ዝጠቅም ኮይኑ፡ ኣፍረይቲ ዘይሕጋዊ ኣልኮላዊ መስተ ግና መጠን ኣልኮል ንምውሳኽ ይሓውስዎ፡፡

እቲ ባእታ ዋላ ብንእሽቶ መጠን እንተተወሲዱ፡ ዑረትን (ምዕዋር ዓይኒ) ሞትን ከስዕብ ይኽእል እዩ፡፡

ኣብ ምጅማር ለበዳ ኮረና ቫይረስ፡ ኣልኮላዊ መስተ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ይሕግዝ እዩ ብዝብል ግጉይ እምነት፡ ቁጽሪ ኣብ ኢራን ብሜታኖል ዝምረዙ ሰባት ወሲኹ ነይሩ፡፡

ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ሚያዝያ 2020፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ ብምምራዝ 500 ሰባት እንትሞቱ 5000 ሽሕ ድማ ናብ ሕክምና ምእታዎም ገሊጹ ነይሩ፡፡