እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን ንምሕምሻሽ ነፋሪት ገያሾ ዩክረይን ‘ምሉእ ብምሉእ’ ተሓታቲት’ያ - ካናዳ
መንግስቲ ካናዳ ንምሕምሻሽ ነፋሪት ዩክረይን ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ "ኣቐዲሙ ዝተወጠነ" ምዃኑ ዘረጋግጽ መርትዖ ከም ዘይረኸበ እኳ እንተገለጸ፤ ኢራን "ምሉእ ብምሉእ" ተሓታቲት እያ ኢሉ።
8 ጥሪ 2020 ነፋሪት ዓለምለኻዊ መገዲ ኣየር ዩክረይን ቁጽሪ በረራ ፒኤስ752 ካብ ርእሰ ከተማ ኢራን፡ ቴህራን ድሕሪ ምብጋሳ እያ ብኽልተ ሚሳይላት ተሃሪማ።
ኣብኣ ካብ ዝነበሩ 176 ሰባት ድማ ብህይወት ዝተረፈ ኣይነበረን።
ነጻ መርመራታት ከይካየድ ብምዕንቃፍ እትኽሰስ ኢራን፡ ነታ ነፋሪት ምስ ሚሳይል ናይ ኣመሪካ ብምግጋይ ከም ዝሃረመታ ትገልጽ።
ካብቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ግዳያት እቶም 138 ዜግነት ካናዳ ወይ ዝምድና ዘለዎም ምንባሮም ይፍለጥ።
ብዘይካኦም ዜጋታት ዩክረይን፡ ብሪጣንያ፡ ኣፍጋኒስታንን ሽወደንን'ውን ነይሮም።
ካናዳ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ሲቪላውን ወተሃደራውን ሰብ መዚ ኢራን ተሓተትቲ ምዃኖም ሓቢራ።
እቲ ነቲ ጸረ ነፈርቲ ዘንቀሳቕስ ሰብ "ብውልቃዊ ውሳነ ነቲ ሚሳይል ተኲስዎ'ውን እንተኾነ" እቲ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ መርመራ "ኢራናውያን ሰብ መዚ ንህይወት ሰብ ሸለልትነት" እንተዘይህልዎም ከጋጥም ኣይምኽኣለን ይብል እቲ ጸብጻብ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ካናዳ ማርክ ጋርነው፡ "ዝኾነ ኮይኑ ኢራን ካብ ተሓታትነት ኣይተምልጥን እያ፤ ምሉእ ብምሉእ ተሓታቲት እያ" ኢሉ።
ሚሳይላት ጸረ ነፈርቲ ኢራን ኣብ ልዑል ጥንቃቐ እኳ እንተነበረ እቶም ሰብ መዚ ንክሊ ኣየራቶም ዘይምዕጻዎም ወይ በቲ ክሊ ኣየር ንዝበሩ መገዲ ኣየራት ሓበሬታ ዘይምሃቦም እቲ ጸብጻቢ ከሲሱ።
ሚኒስተር ጋርነው፡ እቲ ነቲ ጸረ ነፈርቲ ዘንቀሳቕስ ሰብ "ክእለይ ዝኽእል ዝነበረ ከቢድ ጌጋ ውሳነ እዩ ወሲዱ" ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ እዚ ሰራዊት ኢራን፡ ተመሳሳሊ ጌጋ ከይድገም ነቲ ስሕተት ኣብ ምእራም ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣዝዩ ዝተደናጎየ ምንባሩ ገሊጹ።
እቲ መርመራ እኹል መረዳእታታት ስለዘይረኸበ "ኢራን ሰፊሕን ቅንዕና ዘለዎን መግለጺ ክትህብ" ሰብ መዚ ሓቲቶም።
ሰብ መዚ ኢራን ኣብ ፈለማ ነቲ ሓደጋ ከም ዘይፈጸምዎ ብምግላጽ፡ ነቲ እታ ነፋሪት ዝተሓምሸሸትሉ ቦታ ሓለዋ ኣይገበረሉን።
ጭብጥታት እናበዝሐ ምስ ከደ ግና፡ ሓይሊ ኣየራ ብጌጋ ነታ ቦይንግ 737-800 ከም ዝሃረማ ተኣሚና።