እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን፡ "ንነፋሪት ዩክሬን ኢራን 'ያ ብጌጋ ሃሪማታ" ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ
እታ ብሮቡዕ 176 ገያሾ ሒዛ ኣብ ኢራን ዝወደቐት ብዩክረይን እትውነን ናይ ህዝቢ ነፋሪት፡ ኢራን ብጌጋ ከምዝሃረመታ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ገሊጸን።
ማዕከን ዜና ሲቢኤስ፡ ሰብ-መዚ ኣሜሪካ ነታ ቦይንግ 737-800 ዝዓይነታ ነፋሪት ብሚሳይል ኢራን ተሃሪማ ኢሎም ከምዝኣምኑ ጠቒሱ።
ዩክሬን እውን ኣቐድም ኣቢላ እታ ነፋሪት ብሚሳኤል ኢራን ተሃሪማ ከይትኸውን ክተጻርይ ምዃኑ እኳ እንተሓበረት፡ ኢራን ግን እታ ነፋሪት ብሚሳይል ከምዘይተሃረመት እያ ገሊጻትላ።
እታ ነፋሪት፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣብ ዒራቕ ዝርከብ መዓስከር ወተሃደራት ኣሜሪካ ደብዳብ ድሕሪ ምኽያዳ ድሕሪ ሰዓታት'ያ ወዲቓ።
ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ሰብ-መዚ ስለያ ኣሜሪካ ብምጥቃስ ኣብ ናይ ራዳር ምስሊ፡ ናይ ክልተ ሚሳይል ሓጺር ድምጺ ድሕሪ ምስትብሃሉ ከይደንጎየ ናይ ምፍንጃር ድምጺ ከምዝተሰምዐ ይጠቅስ።
ድሕሪ እዚ ኒውስዊክ እውን፡ ናይ ፔንታጎንን ላዕለዎት ሰብ-መዚ ስለያ ኣሜሪካን ዒራቕን ብምጥቃስ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሩስያ ብዝተሰርሐ ሚሳይል ከምዝተሃርመት ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እውን "ጥርጣረ ኣለኒ፡ እዛ ነፋሪት ብጌጋ እያ ተሃሪማ" ኢሉ።