እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን ናይታ ዝወደቐት ነፋሪት መኽዝን ሓበሬታ ንኣሜሪካን ቦይንግን ኣሕሊፋ ከምዘይትህብ ኣፍሊጣ
ኢራን መኽዝን ሓበሬታ (ብላክ ቦክስ) ናይታ ትማሊ ዝወደቐትን ምኽንያት ሞት 176 ሰባት ዝኾነትን ነፋሪት መገዲ ኣየር ዩክሬን፡ ንኣሜሪካ ኮነ ንኩባንያ ቦይንግ ኣሕሊፋ ከምዘይትህብ ኣፍሊጣ።
ዋንነታ ናይ መገዲ ኣየር ዩክሬን ዝኾነት ቦይንግ 737-800 ነፋሪት ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ቴህራን ምስተበገሰት ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ'ያ ወዲቓ።
ሓላፊ ሲቪል ኣቪየሽን ኢራን ዓሊ ዓበድዛዲህ "እቲ መኽዝን ሓበሬታ ንኣፍራይ ኩባንያ [ቦይንግ] ኮነ ንኣሜሪካውያን ኣይንህብን" ምባሉ ወኪል ዜና ኢራን - መህር- ጸብጺባ።
"እቲ ሓደጋ ብትካል ኣቪየሽን ኢራን ክምርመር'ዩ፤ ዩክሬን ግን ክትሳተፍ ትኽእል'ያ" ኢሉ።
ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕግታት ኣቪየሽን፡ ኢራን ነቲ ዝካየድ ምጽራይ ክትመርሕ መሰል ኣለዋ።
እንተኾነ ኣፍረይቲ ነፍረቲ'ውን ኢደን ይሓውሳ'የን፤ ክኢላታት ከምዝብልዎ ድማ ነቲ መኽዝን ሓበሬታ (ብላክ ቦክስ) ክትንትና ዝኽእላ ውሱናት ሃገራት እየን።
እቲ ሓደጋ ኣብ ሞንጎ ኢራንን ኣሜሪካን ከቢድ ወጥሪ ኣብ ዝነገሰሉን ኢራን ኣብ ክልተ ወተሃደራዊ መዋፈርታት ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ኣብ ዝፈነወትሉን ዘጋጠመ'ዩ።
እዚ ኩነታት ምስ ምስ መውዳቕ ነፋሪት ዩክሬን ዝተሓሓዝ ምዃኑ ዘረድእ መረዳእታ የለን።
ቦርድ ሃገራዊ ድሕንነት መጓዓዝያ ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ብሃገሩ ዝስርሓ ቦይንግ ነፈርቲ ዝበጽሑ ሓደጋታት ኣብ ዝካየዱ ዓለማዊ ምርመራታት ኢዱ ይሓውስ እዩ።
እዚ ክኸውን ግን ፍቓድ ክረክብን ምስ ሕጊ እታ ዝምልከታ ሃገር ክሳነይን ትጽቢት ይግበር።