እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መጥቃዕቲ ኢራን፡ ንወተሃደራት ኣመሪካ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ተኻይዱ
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ በቲ ኢራን ዘካየደቶ ናይ ሚሳይላት መጥቓዕቲ ዝተጎድአ ወተሃደር ኣመረካ ከምዘየሎ ሓቢሩ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ሰራዊት ሃገሩ መጠናዊ ዕንወት ከምዝወረደን ግን ኣይሓበአን።
ትራምፕ፡ "ኣነ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ክሳብ ዝኾንኩ ኢራን ኒክሎራዊ ኣጽዋር ክትውንን ኣይከፍቀደላን'የ" ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓዲሽ እገዳ ከምዘንብርን "ኢራን ሓጋዚት ግብረሽበራውያን እያ" ክብል ገሊጽዋ።
ኢራን፡ ናይቲ ብኣመሪካ ዝተቐተለ ጀነራላ ሕነ ንምፍዳይ፡ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ መደበራት ሓይሊ ኣየር ወተሃደራት ኣመሪካ ናይ ሚሳይላት መጥቃዕቲ ኣካይዳ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ጀነራል ቃስም ሶሌማኒ ምስ ተፈጸመ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ ተኻይዱ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ኢርቢልን ኣል-ኣሳድን ዝርከቡ ክልተ መደበራት ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖም ሓቢሩ።
ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላ ከመነይ፡ እቲ መጥቃዕቲ "መሪር ጽፍዒት እዩ ነይሩ" ድሕሪ ምባል፡ ህላወ ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከብቅዕ ጸዊዑ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ዓብደል ማሃዲ፡ ኢራን ኣቐዲማ ንዒላማታት ኣመሪካ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ከምተካይድ ሓበሬታ ከምዝተዋህቦ ገሊጹ። በቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝኾነ ዒራቓዊ ከምዘይተጎድኣ'ውን ገሊጹ።
ይኹን እምበር፡ ፕረዚደንት ዒራቕ ባርሃም ሳልሕ፡ እቲ ናይ ኢራን መጥቃዕቲ ንልኡላውነት ዒራቕ ዝግህስን፡ ነታ ሃገር ናብ ዓወደ-ኲናት ዝቕርይን'ዩ ክብል ኮኒኑ።
ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ዒራቕ'ውን ብዛዕባ'ቲ ኣመጥቃዕቲ ኣመልኪቱ፡ ንኣምባሳደር ኢራን ኣብ ዒራቕ ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ጸዊዑ ከምዘዘራረቦን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ምግሃስ ልኡላውነት ዒራቕ ገይሩ ከምዝወስዶን ገሊጹ።
እዞም ብኢራን ዝተጠቕዑ ክልተ መደበራት ሓይሊ ኣየር፡ ኣንጻር ዳዕሽ ዝቃለሱ ዘለው ወተሃደራት ኣመሪካን ኪዳን ሓልታትን ዝጥቀሙሎም'ዮም።
ኣመረካ፡ ኣንጻር ጅሃዳዊ ጉጅለ ዝተሰለፉ ኣስታት 5 ሽሕ ወተሃደራት ኣብ ዒራቕ ኣዋፊራ ትርከብ።