እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን፡ ኣብ ቀብሪ ጀነራል ሶሌማኒ ብዝተፈጠረ ጽቕጥቕጥ 50 ሰባት ሞይቶም
ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ብኣሜሪካ ዝተቐተለ ኢራናዊ ጀነራል ቃስም ሶሌማኒ ብዘጋጠመ ጽቕጥቕጥ 50 ሓዘንተኛታት ክሞቱ እንከለው ልዕሊ 200 ድማ ቆሲሎም።
ኣብቲ ስነስርዓት ንምስታፍ ብዙሓት ሰባት ኣብ ከተማ ከርማን፡ ትውልዲ ዓዲ እቲ ጀነራል ተረኺቦም እኳ እንተነበሩ፡ ብምኽንያት እቲ ዘጋጠመ ሞት እቲ ስነስርዓት ቀብሪ ናብ ካልእ እዋን ከም ዝተሰጋገረ ሰብ መዚ ኢራን ሓቢሮም።
ኣሜሪካ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ብምጥቃም ብዓርቢ ንኣዛዚ ሓይልታት ቁድስ ማለት ጨንፈር ወጻኢ ሃገራት ሰውራዊ ሓለዋ ኢራን፡ ድሕሪ ምቕንጻላ ኣብቲ ዞባ ወጥሪ ሰፊኑ ኣሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን መሓመድ ጃቫን ሰሪፍ፡ መወዳእታ ህላወ ኣሜሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ዝጀመረ ገሊጹ'ሎ።
ሰሪፍ፡ ግብረ መልሲ ናይቲ ኣሜሪካ ብዓርቢ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ንኣሜሪካ ዝዳዳ ኣብ ዘሳቕይ ሰዓትን ቦታን ክፍጸም ምዃኑ ይሕብር።
ኣዛዚ ሰውራዊ ሓለዋ ኢራን ሁሰይን ሰላሚ ብወገኑ፡ ኢራን ንመቕተልቲ ጀነራል ሶሌማኒ ሕነ ንምፍዳይ 13 ዒላማታት ትፍትሽ ከም ዘላ ሓቢሩ። ወሲኹ'ውን ኣሜሪካ ነቶም ዕላማታት ከም ትፈልጦም ተዛሪቡ።
"ሕነ ክንፈዲ ምዃንና ጸላዒና ይፍለጥ። ነቲ ዘፍቅርዎ ስፍራ ክነቃጽል ኢና" ክብል ተዛሪቡ።
ጀነራል ሰሌማኒ ኣብ ኢራን ንላዕላዋይ መራሒ ዓሊ ኻመኒ ስዒቡ ዝሓየለ ሰብ ምንባሩ ይግለጽ።
ኣሜሪካ ድማ ከም ኣሸባርን ስግኣት ሰራዊታን ገይራ ትወስዶ ነይራ። ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ድማ ብትሪ ተቓዊማ ነይራ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሚሊሻታት መጥቃዕቲ ምስፈጸመት፡ ነዚ ስጉምቲ ክትወስድ ዝገበራ፡ ቅድም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኣሜሪካ ዝተወሰደ ስጉምቲ፡ እቲ ጀነራል ዘዋደዶ እዩ ክትብል ተሓታቲ ገይራቶ ነይራ።
ወቐሳታት ኣብ ልዕሊ ትራምፕ
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንባህላዊ ማእከላት ኢራን ከጥቅዕ ምዃኑ ድሕሪ ምጥንቃቑ ነቐፌታታት ይስዕበሉ ኣሎ።
ንሱ፡ ኢራን ኣብ ልዕሌና ስጉምቲ ምስ እትወስድ "ባህላዊ ማእላት ዝርከብዎም 52 ዒላማታት" ከይተረፈ ከምዘይንሕፎም ኣጠንቂቑ'ሎ።
ትካል ባህሊ ሕቡራት ሃገራትን ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያን ዝርከብዎም ትካላት ግና እቶም ስፍራታት ክዕቀቡ ዝግብኦም ምዃኖም ኣዘኻኺሮም።
ኣል ሙሃንዲስ፡ ምስ ሶሌማኒ ዝተቐትለ ኢራቓዊ ኣዛዚ
ቀብሪ ናይቲ በቲ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ምስ ጀነራል ሱለይማኒ ዝተቐትለ ዒራቓዊ ኣዛዚ ሰራዊት ሎሚ ኣብ ኢራቓዊት ከተማ ናጃፍ ተኻይዱ።
ኣቡ ማኽዲ ኣል ሙሃንዲስ ነቲ ጀነራል ክቕበሎ እዩ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ባቕዳድ ተንቀሳቒሱ።
ኣልሙሃንዲስ ምኽትል ኣዛዚ ናይቲ ብኢራን ዝድገፍ ኣብ ኢራቕ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ሚሊሻ ሺዓ እዩ ነይሩ። ንሱ፡ ዒራቕ ኣብ 2017 ኣንጻር ኩርዳውያን ኣብ ዝገበረቶ መጥቃዕቲ ዋና ከም ዝነበረ ይግለጽ።