ቀዳመይቲ ምኒስተር ነበር ተሬዛ መይ፡ ንውጥን ምምላስ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ነቒፋ

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ነበር ተሬዛ መይ፡ እቲ ናይ ምምላስ ፖሊሲ ን"ሕጋውነት፡ ግብራውነትን ኣድማዕነትን" መስፈርቲ ኣየማልእን እዩ ክትብል ነቲ ውሳነ ከምዘይትድግፎ ንላዕለዋይ ባይቶ እታ ሃገር ሓቢራ።
ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪት ፓተል እቲ ውጥን " ንዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ዓቢ ጽፍዒት" ከም ዝኸውንን ነቶም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክኣትው ኣብ መገዲ ናይ ዝሞቱ ሰባት ህይወት ደው ከም ዘብሎ ገሊጻ ።
እቲ ፖሊሲ ብብዙሓት ማሕበራት ግብረሰናይን ተቓወምቲ ውድባትን ተነቒፉ እዩ ።
ካብ 2010 ክሳዕ 2016 ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ እንግሊዝ ዝነበረት ወይዘሮ ተሬዛ መይ፡ እቲ ናብ ሩዋንዳ ናይ ምምላስ መስርሕ ንደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ዝምልከት እንተኾይኑ፡ ዘይሕጋዊ ስግግር ደቀንስትዮን ህጻናትን ንከይውስኽ’ከ እንታይ ውሕስነት ኣሎ ክትብል ሓቲታ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምእተነግረ እቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ሰባት፡ ኣብ ዝመጽእ ሳምንቲ ናብታ መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ዝካየደላ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክምለሱ እዩ እቲ እማመ። እቲ ውጥን ከምቲ ዝተሓስበ እንተቐጺሉ እቶም ሕቶ ዑቕበኦም ዝተዓወተ፡ ኣብታ ሃገር ናይ ነዊሕ እዋን መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም ከምዝኾነ’ዩ ዝሕብር።
ሚስ ተሬዛ መይ ብዛዕባ እቲ ናይ ስደተኛታት ንርዋንዳ ናይ ምምላስ ውጥን "ክሳዕ ሕጂ ካብ ዝሰማዕክዎን ዝረኣኽዎን እዚ ፖሊሲ እዚ: ሕጋውነት: ግብራዊነትን ኣድማዕነትን ስለዘይብሉ ኣይድግፎን’የ። እዚ መደብ እዚ ስድራ ቤታት ዝበታትን ንቖልዑን ደቀንስትዮን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ዘይምዃኑ ዘተኣማምን መርትዖን መረጋገጽን የሎን” ክትብል እቲ ውጥን ክውገድ ሓቲታ ኣላ።
እንተዀነ ግን: ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ሚስ ፓተል "ሰባት ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ንክኣትው ናይ ህይወት ሓደጋ የጋጥሞም ስለዘሎ ናይ ግድን ለውጢ የድሊ ኣሎ" ክትብል ነቲ ፖሊሲ ትጣበቐሉ ኣላ።
ንሳ፡ "እዚ ምስ ርዋንዳ ዝግበር ዘሎ ሽርክነት ነቲ ዓለምለኻዊ ስርዓተ-ኢሜግሬሽን ፍትሓዊ ብምግባር ሰባት ውሑስ ህይወትን ዕድልን ንኽረኽቡ ዝሕግዝ ዓለምለኻዊ ሓባራዊ ዕማም እዩ” ክትብል ንፓርላማ ሓቢራቶም።
"እዚ ውጥን’ዚ ንኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ናይ ንግዲ ሞዴል ብምስባር ህይወት ሰባት ዘድሕንን ነቶም ናይ ሓቂ መሳኪን ስደተኛታት ድማ ዕቝባ ክኾኖም’ዩ" ኢሎም።
ውጥን ምምላስ ስደተኛታት ንርዋንዳ ብኸመይ ክሰርሕ’ዩ ?
• ብመሰረት ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ብሪጣንያን ርዋንዳን ዝተገብረ ምርድዳእ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ናብ ሃገራ ንዝኣተው ሓተትቲ ዑቕባ "ብዘይ ወዓል ሕደር" መርሚራ፡ ናብ ርዋንዳ ዝኸዱ መምያ፡ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ መሰረታዊ ዝርዝራት ናብ ሩዋንዳ ተመሓላልፍ።
• እቶም ስደተኛታት ንሩዋንዳ ቅድሚ ምግዓዞም ኩሉ ጠለባት ተጽድቕ፡ እቲ ምድላው ከኣ ንሓሙሽተ ዓመት ይጸንሕ።
• ነፍሲ ወከፍ ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ሩዋንዳ ድሕሪ ምብጽሑ መንበሪን ደገፍን ክወሃቦን ኩሉ ግዜ ካብ መንበሪኦም መጺኦም ናብ ቃሕ ዝበሎም ብነጻነት ክንቀሳቐሱ መሰል ከምዝህልዎ እቲ ጽሑፍ ይሕብር ።
• እቲ ሓታቲ ዑቕባ ሕቶ ዕቕቡኡ እንተተዓዊቱ ኣብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሩዋንዳ ናይ ነዊሕ እዋን መንበሪ ይወሃቦ።
• እቶም ሕቶ ዑቕበኦም ብሰበ-ስልጣን ሩዋንዳ ተቐባልነት ዘይረኸቡ ሰባት ከኣ ናብ ሃገሮም ወይ ክትቅበሎም ፍቓደኛ ናብ ዝኾነት ሳልሰይቲ ሃገር ክኸዱ ይኽእሉ።
• ዓባይ ብሪጣንያ እውን ንገለ ክፋል ካብቶም ናብ ሩዋንዳ ዝተመልሱ ሓደ ሓደ ጉዱኣት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ መሊሳ ክተጣይሶም ምዃና ይሕብር።
ምክትል ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ የቨት ኩፐር ነቲ ፖሊሲ፡ ስነ-ምግባር ዝጎደሎን ፈጺሙ ዘይሰርሕን፡ ኣብ ጉዳይ ስደትን ምሕደርኡን ንዓመታት ዝተዋህለለ ፍሽለት ንምሽፋን ዝተማህዘ ዘባል ውሳነ’ዩ ክብል ኰኒንዎ።
ሚስተር ኩፐር፡ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ኣብቲ ምስግጋር ንዝግበር ወጻኢታት እኹል ሓበሬታ ከምዘየሎ ብምሕባር፡-
"ነቲ ኣብቲ መስርሕ ዝኽፈል 120 ሚልዮን ፓውንድ ነቶም ስደተኛታት ዝኽፈሎም ነገር ይህሉ’ዶ ይኸውን? ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝኽፈሎ ስምምዕ ኣይተገብረን። ወይስ እቲ ዝተገልጸ 120 ፓውንድ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ወይ ንጋዜጣዊ መግለጺ ጥራይ ዝኽፈል’ዶ ይኸውን?” ክብል ሕቶ የልዕል።
እታ ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ሩዋንዳ ዘለዋ ምሕዝነት ንምግላጽ ዝተጠቕመትሉ ቃና፡ "ኣዝዩ ዘኖፎቢክ (ዜኖፎብያ ንዘይትፈልጦም ሰባት ወይ ንጓኖት ምፍራሕን ምጽላእን)" ምዃኑ ገሊጻ ።
ሚስ ፓተል ሓያሎ ሰበስልጣን ብዛዕባ እቲ ፕሮጀክትን ወጻኢታቱን ሕቶታት ምስኣቕቡላ ነቲ ውጥን ዝተሰለዐ ገንዘብ ወግዓዊ ብምግባር ነቲ ኣጸቢቓ እትደፍኣሉ ዘላ ምምላስ ሓተትቲ ዑቕባ ንሩዋንዳ ምሉእ ሓላፍነት ከም እትወስደሉ ሓቢራ።
ሰሉስ ምሸት ከኣ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ንፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋመ ደዊሉ ምስ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንምዕያይ ድሉውነት ከምዘለዎ ኣጕሊሑዎ ። ዓሚ 28,526 ሓተትቲ ዑቕባ ብመትረብ ኢንግሊሽ ቻነል ብጀላቡ ናብ ብሪጣንያ ከም ዝኣተው ይፍለጥ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







