ደቡብ ኮርያ፡ ስለምንታይ’ዮም ብዙሓት ሰባት ብስእነት ድቃስ ዝሳቐዩ?

ጂ-ኡን ናይ ስራሕ ሰዓታታ ብዙሕ ኣድካምን ኣሕላኽን ምስ ኮነ እያ ብስእነት ድቃስ ክትሽገር ጀሚራ።

ብማእከላይ ገምጋም ካብ ሰዓት 7፡00 ክሳዕ ምሸት ሰዓት 22፡00 ትሰርሕ። ኣብቲ ስራሕ ዝበዝሓ መዓልትታት ግና እታ ጓል 29 ዓመት ናይ ህዝባዊ ርክባት ኦፊሰር፡ ክሳዕ ወጋሕታ ሰዓት ሰለስተ ኣብ ኦፊስ ትጸንሕ።

ሓለቓኣ ብዙሕ ግዜ ለይቲ ደዊሉ፡ ገለ ነገር ሽዑ ንሽዑ ክትሰርሕ ይሓታ።

"ከመይ ገይረ ከም ዘዕርፍ ዳርጋ ረሲዐዮ'የ" ትብል ጂ-ኡን።

ዶክተር ጂ-ሂዮን ሊ ኣብ ከተማ ሲዎል ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝርከብ 'ክሊኒክ ድቃስ ድሪም' ምህርቲ ስነ-ኣእምሮ ኮይና ብፍላይ ኣብ ድቃስ መጽናዕቲ ዘካየደት እያ።

ገለ ካብቶም ናብኣ ዝመጹ ዓማዊል ኣብ ሓደ ለይቲ ክሳዕ 20 መደቀሲ ከኒና ዝወስዱ ምዃኖም ትዛረብ።

"ዝበዝሕ ግዜ ድቃስ ቀልጢፉ ኣይመጸካን እዩ፡ ኮርያውያን ግና ሽዑ ንሽዑ ክድቅሱ እዮም ዝደልዩ፤ ነዚ ከኣ ከኒና ይወስዱ" ትብል።

ኣብታ ሃገር ወልፊ ናይ መደቀሲ ከኒና ከቢድ ጸገም እዩ። ወግዓዊ ጸብጻባት እኳ እንተዘየሎ፡ ኣስታት 100,000 ኮርያውያን ወልፊ ናይ መደቀሲ ከኒና ከምዘለዎም ይግመት። እቲ ከኒና ምስራሕ ምስዝኣብዮም ኣልኮላዊ መስተ ስለዝውስኹሉ ከኣ ንከቢድ ጸገማት ይቃልዑ።

"ሰባት ብድቁሶም ካብ ዓራቶም ተንሲኦም ይኸዱ። ከይተረድኦም ናብ ፍሪጅ ከይዶም፡ ዘይበሰሉ መግብታት ዝርከብዎም ብዙሕ ነገራት ይበልዑ" ትብል ዶክተር ሊ።

"ኣብ ማእከል ከተማ ሲዎል ብድቁሱ መኪና ይዝውር ብዝነበረ ሰብ ሓደጋታት መኪና'ውን ኣጋጢሙ ይፈልጥ እዩ።"

ዶክተር ሊ፡ ገለ ዓማዊላ ኣብ እዋን ለይቲ ንልዕሊ ሒደት ሰዓታት ካብ ዝድቅሱ ዓሰርተታት ዓመታት ከምዝተቖጸረ ከምዝነገርዋ ትዛረብ።

"ይበኽዩ፡ [ናብዚ ክመጹ እንከለው] ግና ሓንቲ ተስፋ ሒዞም እዮም ዝመጹ። ብሓቂ ከቢድ ኩነታት እዩ" ትብል።

ደቡብ ኮርያ ሓንቲ ካብተን ብስእነት ድቃስ፡ ድቃስ ዝሰኣነት ሃገር ክትኸውን እንከላ ካብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝለዓለ መጠን ርእሰ ቕትለት፡ ሓልኪ ኣልኮላዊ መስተን ብዙሓት ጸረ ቕዛነት ኣፋውስ ዝወስዱ ሰባትን ዘለዋ ሃገር እያ።

ነዚ፡ ታሪኻዊ ምኽንያታት ከምዘለዎ ይግለጽ።

እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓሰርተ ዓመታት ካብ ድኽነት ወጽያ ብቴክኖሎጂ ዝሰጎማ ሃገራት ዓለም ክትኸውን ክኢላ እያ። በቲ እናዓበየ ዝመጽአ 'ባህሊ ፖፕ' ኣብ ዓለም ጽላዋኣ ክብ ዝበለ እዩ።

ምስኣ ዝመሳሰላ ሃገራት ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ባህርያዊ ጸጋታተን ክምርኮሳ እንከለዋ፡ ኮርያ ከምዚ ዓይነት ጸጋ የብላን። ኣብ ህዝባ ሓባራዊ ሃገራውነት ብምስራጽ ኣበርቲዕኻን ኣፍጢንካን ምስራሕ እያ ኣሐዪላ።

ሓደ ውጽኢት ናይዚ ከኣ ህዝባ ስራሕ ዝበዝሖም፡ ጸቕጢ ዘለዎምን ድቃስ ዝስእኑን ክኸውን ጌሩ።

ኣብዚ እዋን ነቶም ድቃስ ዝስእኑ ዘገልግል፡ ቢልዮናት ዶላራት ዝንቀሳቐሰሉ ካልእ ኢንዱስትሪ ዓብዩ ኣሎ።

ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ ኢንዱስትሪ

ደቡብ ኮርያ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሑ ብስእነት ድቃስ ዝሳቐዩ ሰባት ዘለዋ ሃገራት እያ።

ኣብ ሲዎል ብፍርያት ምስ ድቃስ ዝተኣሳሰሩ ፍርያት- ካብ ብሉጽ ኣንሶላ ክሳዕ ምቹእ መተርኣስ- ጥራይ ዝመልኡ ዓበይቲ ድኳናት ኣለው።

ከብሒ ፋርማሲታት ካብ ኣትኽልቲ ብዝፈርዩ ኣፋውስ ድቃስ መሊኡ ምርኣይ ልሙድ እዩ።

ስእነት ድቃስ ንምግጣም ዝማዕበለ ቴክኖሎጂካዊ ንዋት ዝሓዙ'ውን ኣለው።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ዳንኤል ቱዶር 'ኮኪሪ' ዝተሰመየ ናብ መንእሰያት ኮርያውያን ዝዓለመ ናይ ምስትንታን መተግበሪ ሰሪሑ።

ጥንታዊት ኮርያ ወላ'ኳ ቡድሂስት እንተኾነት፡ እቲ ንእሽቶ ወለዶ፡ ንምስትንታን (ሜዲቴሽን) ፋሽኑ ዝሓለፎ ልምዲ ጌሩ እዩ ዝርእዮ።

ዳንኤል ነዚ ልምዲ ንመንእሰያት ሰሓቢ ንምግባር ካብ ሃገራት ምዕራብ ከምጽኦ ከምዝነበሮ ይገልጽ።

ሄራንግ ሱኒም ፈላሲት ቡድሂስት ኮይና ኣብ ከባቢ ሲዎል ዝርከብ፡ ምድቃስ ዝተስኣኖም ሰባት ኣብ ምስትንታንን ኣስተምህሮታት ቡድሂዝም ኣብ ምሃብን ንዝነጥፍ ቤትመቕደስ ተካይድ።

ቀደም እቲ ስፍራ ነቶም ጡረታ ዝወጽኡ ኣስተምህሮን ጸሎትን ንዝደልዩ ሰባት ዝተሓዝአ እዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ግና እቶም ዓማዊል በቐንዱ መንእሰያት ኮርያውያን እዮም። እንተኾነ ግና እቶም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣብያተ መቕደስ'ውን ካብቶም ዓማዊል ብዙሕ መኽሰብ ከም ዝረኽባ ይኽሰሳ።

"ከም ሓቂ የሻቕል እዩ. . . እንተኾነ ግና እቶም ሰባት ዝርብሕዎ ይዓቢ" ትብል ሄራንግ ሱኒም።

"መንእሰያት ናብዚ መጺኦም ትምህርትታት ቡድሂዝም ክከታተሉ ብዙሕ ልሙድ ኣይነበረን። ግና ኣብዚ ኣብ ዝጸንሑሉ ግዜ ብዙሕ እዮም ዝቐስሙ።"

ኣገዳስነት መሰረታዊ ለውጢ

ሊ ሃይ-ሪ ኣብ ስራሕ ጸቕጢ ምስ በዝሓ፡ ኣብ ሓደ ካብቶም ኣብያተ መቕደስ ንዝተወሰነ ግዜ ከይዳ ነይራ።

ነቲ ዝገጠማ ቕዛነት ሓላፍነት ክትወስድ ከምዘለዋ ከምዝተማሃረት ከኣ ትገልጽ።

"ነፍሲ ወከፍ ነገር ካባይ እዩ ዝጅምር፡ መበገሲ ናይ ኩሉ ጸገም ኣነ እየ። ኣብዚ ዝተማሃርክዎ እዚ እዩ።"

እንተኾነ ግና ነቲ ናይ ቕዛነትን ድቃስ ምስኣንን ጸገማት መፍትሒ ብውልቂ ደረጃ ንምፍትሑ ምፍታን ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ ጸገም ምኽንያታዊ ብዘይኮነ ባህሊ ስራሕን ጸቕጢ ሕብረተሰብን ከም ዝሰዓበ ዝኣምኑ ሰባት፡ እዚ ኣገባብ 'ንግዳይ ምውቃስ እዩ' ብምባል ይነቕፍዎ።

ምስትንታንን ምዝናይን ነቲ ቁስሊ ፕላስተር ከም ምልጣፍ እዩ፤ ሓቀኛ መፍትሒ ኣብቲ ማሕበረሰብ መሰረታዊ ለውጢ ብምትእትታው ጥራይ ከም ዝመጽእ ከኣ ይምጉቱ።

ጂ-ኡን ብሰንኪ ስእነት ድቃስ ስርሓ ክተቋርጽ ተገዲዳ። ኣብዚ እዋን ከም ግዚያዊት ሰራሕተኛ ኮይና ዝወሓደ ሰዓታት እያ ትሰርሕ። ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ ከኣ ካብ ገዝኣ እያ እትሰርሕ።

"ክሳዕ ክንድ'ዚ ኣበርቲዕኻ ምስራሕ እንታይ እዩ ፋይዳኡ? ከም ሃገር እንታይ ኣምጺና ኣሎና?" ክትብል ከኣ ትሓትት።