እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጸረ-5ጂ ተባሂሉ ኣብ ዕዳጋ ዝተዘርግሐ ስልማት ክሳድ ጸርገ-ንጡፍ ኮይኑ ተረኺቡ
ንሰባት ካብ 5ጂ (ሓሙሻይ ወለዶ መርበብ ሞባይል ቴለፎን) ይከላኸል እዩ ብዝብል ኣብ ዕደጋታት ዝተዘርሐ ናይ ክሳድን ስልማት ጸርገ-ንጡፍ ኮይኑ ተረኺቡ።
በዓልመዚ ኒኩለራዊ ድሕነትን ምክልኻል ጸርግን ሆላንድ (ኤኤንቪኤስ) ሓደገኛ ጸርግታት ዝነዝዑ ከባቢ ዓሰርተ ዝኾኑ ፍርያት ከም ዝረኸበ ኣፍሊጡ።
ህዝቢ ነቶም ኣብ ነዊሕ እዋን ሳዕቤናት ዘኸትሉ ፍርያት ከይጥቀመሎም'ውን ተላብዩ።
መርበብ ቴለፎን 5ጂ ንጥዕና ሓደገኛ ብዛዕባ ምዃኑ ብጭብጢ ኣይተረጋገጸን።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ መርበባት 5ጂ ውሑስ ምዃኖምን ብቐንዱ ካብቶም ኣብ ኣገልግሎት ዝርከቡ 3ጂ ከምኡ'ውን 4ጂ ዝፍለዩ ከምዘይኮኑን እዩ ዝገልጽ።
መርበባት ሞባይል፡ 'ኣዮናይዝ' ዘይገብሩ ማዕበላት ሬድዮ ኮይኖም ኣብ ዲኤንኤ ጉድኣት ኣየብጽሑን እዮም።
እንተኾነ ግና ሓደገኛታት ምዃኖም ዝኣምኑ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ልዕሊ 'ትራንስሚተራት' መጥቃዕትታት ፈጺሞም እዮም።
ገለ ካብ'ቶም ዝተለለዩ ፍርያት ናይ 'ኤነርጂ ኣርመር' ኣብ እዋን ድቃስ ዝዝውተር መሸፈኒ ዓይኒ፡ በናጅርን ናይ ክሳድ ስልማትን ይርከቡዎም።
ብማግኔቲክስ ዌልነስ ዝፍለጥ ናይ ቆልዑ በናጅር'ውን ጸርጊ ዝነዝዕ ኮይኑ'ዩ ተረኺቡ።
ኤኤንቪኤስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ካብ ሕጂ ንደሓር ኣይትውደይዎም፤ ብኸመይ ከምእትመልስዎም መምርሒ ክሳዕ ዝወሃበኩም ኣብ ውሑስ ቦታ ኣቐምጥዎ" ይብል።
እቶም ኣብታ ሃገር ኣብ መሸጣ እቶም ፍርያት ዝተዋፈሩ ትካላት'ውን ብህጹጽ ደው ከብልዎን ንዓማዊሎም ብዛዕባ እዚ ክሕብሩን ኣዚዙ።
ናይ ሽርሒ ክልሰ-ሓሳባት፡ ጥቕሚ ዘይብሎም ጸረ-5ጂ ፍርያታት ናብ ዕዳጋታት ክውሕዙ ደገ ከፊቶም እዮም።
ኣብ ግንቦት 2020 ቤትጽሕፈት ምቁጽጻር ብቕዓት መሸጣታት ብሪጣንያ ብልዕሊ 450 ዶላር ክሽየጥ ዝተቐረበ ካብ 5ጂ "ዝከላኸል" ምዃኑ ዝተነግረሉ ፍላሽ ዲስክ ከይሽየጥ ንምእጋድ ተንቀሳቒሱ ነይሩ።
"ንጸርጊ ዝከላኸሉ" ምዃኖም ዝተገለጸ ልጣፋት ኣብ ዓቢይ ናይ ኢንተርነት ዕዳጋ ኣማዞን'ውን ይሽየጡ እዮም።
ኤኤንቪኤስ ዝርዝር እቶም ጸርገ-ንጡፍ ኮይኖም ዝረኸቦም ፍርያት ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣስፊርዎም ኣሎ።