ኮሮናቫይረስ፡ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ስኑዕ ሓበሬታ ዝዝርግሑ ሸውዓተ ዓይነት ሰባት

ኮሮናቫይረስ ብዝምልከት ዝዝርግሑ ቅንዕና ዘይብሎም ትንተናታት፣ ስኑዕ [ናይ ሓሶት] ሓበሬታን ግምታትን ብዙሓት ሰባት ብማሕበራዊ ሚድያ ክቀባበልዎም ምርኣይ ዝተለመደ’ዩ። ነዞም ሓበሬታታት ዘመንጩን ዝዝርግሕን ግን መን’ዩ?

ኣብዚ ዘለናሉ ናይ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዋን ኣዝዮም ብዙሓት ስኑዓት ሓበሬታታት ክዝርግሑ ሪኢናን ሰሚዕናን ኢና። ኣብዚ ጽሑፍ ነቶም ሓበሬታታት መን ከምዝዝርግሖምን መበገሲኦም እንታይ ከምዝኾነን ክንርእይ ኢና።

ነቶም ስኑዓት ሓበሬታታት ዘመንጭዉን ዝዝርግሑን ዓይነታት ሰባት ኣብ ሸውዓተ ተመዲቦም ኣለዉ።

“ቀያዕቲ/ቀለድቲ”

ኣብ ሓደ እዋን፡ ‘መንግስቲ እንግሊዝ ንነበርቲ ለንደን ክእንግዶም ኣብ ስታድየም ዌምለይ ላዛኛ ይሰርሕ ኣሎ’ ዝብል ሓበሬታ ክፍኖ ከሎ ብዙሓት ሰባት ነዚ ከም ቅየዐ ወይ ቀልዲ ኣይቆጸርዎን።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ከኣ ሓደ ውልቀሰብ ‘መንግስቲ ንዘቐመጦም ገደባት ብምጥሓስ ካብ ገዝኡ ብተደጋጋሚ ዝወጽእ ዝነበረ ሰብ ተቐጺዑ’ ዝብል ሓበሬታ ምስ ስእሊ ጠቂዑ ነይሩ። እቲ ውልቀሰብ ከምዝበሎ ሰባት ካብ ገዝኦም ምውጻእ ንኽፈርሑ ብዝብል’ዩ ነቲ ተግባር ፈጺሙ።

ኢንስታግራም ኣብ ዝተበሃለ ማሕበራዊ መራኸቢ መሓዙቱ ዝኾኑ ሰባት ነቲ ሓበሬታ ናብ ኩሉ ንኸባጽሑሉ ዝሓተቶም ኮይኑ፤ እቲ ሓበሬታ ግን ካብ ኢንስታግራም ሰጊሩ ብዙሓት ሰባት ኣብ ፌስቡክ ተቐባቢሎምዎ። በዚ ምኽንያት ከኣ ብዙሓት ሰባት ነቲ ሓበሬታ ከም ሓቂ ወሲዶምዎ።

“ኣብ ሰባት ስንባደ ክፈጥር ድልየት የብለይን” ይብል እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ፈለማ ነቲ ሓበሬታ ዘመንጨወ ውልቀሰብ። “ግን ከኣ እቶም ሰባት ነቲ ትኽክለኛ ምስሊ ክፈልዩ እንተዘይኪኢሎም ካብ ኢንተርኔት ረኺቦም ዘረጋግጹሉ መገዲ ክምርምሩ ኣለዎም” ክብል ርእይትኡ ሂቡ።

መታለልቲ”

ኣብዚ ናይ ኮሮናቫይረስ እዋን ብዙሓት መታለልቲ ካብ መንግስቲ ዝተልኣኹ ኣምሲሎም ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ናብ ሰባት ክዝርግሑ ተራእዮም’ዮም። ቀንዲ ዕላምኦም ከኣ ንሰባት ብምትላል ገንዘብ ምርካብ’ዩ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ሓደ ጉጅለ ምጽራይ መረዳእታ ዘካየዶ ምርመራ ከምዘመልክቶ ሓደ መታለሊ ‘መንግስቲ ንዜጋታት ድጎማ ክገብር ስለዝወጠነ ናይ ባንኪ ዝርዝር ሓበሬታኹም ለኣኹ’ ዝብል ጽሑፍ ይልእኽ ነይሩ።

ብዙሓት ሰባት ከኣ እቲ መታለሊ/ኣጭበርባሪ ሰብ ንዝዘርግሖ መልእኽቲ ኣብ ፌስቡክ ናብ ብዙሓት ክባጻሕ ገይሮም። እዚ ሓበሬታ ብናይ ጽሑፍ ሓጺር መልእኽቲ ኣቢሉ ይዝርጋሕ ብምንባሩ መን ይፍጽሞ ከምዘሎ ምፍላጡ ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ይግለጽ።

ብሓፈሻ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣታለልቲ ሰባት ብዝተፈላለየ መገዲ ምስ ኮሮናቫይረስ ዝተሓሓዙ መልእኽትታት ብምዝርጋሕ ገንዘብ ንምርካብ እናሰርሑ ይርከቡ።

ገሊኦም ኢመይል ብምጥቃም ‘ብዛዕባ ክትባት ኮሮናቫይረስ ሓበሬታ ንምርካብ እንተደሊኹም ነዚ ሊንክ ጠውቑ’ ብምባል ናይ ሰባት ዝርዝር መረዳእታ ብንኪ ንምርካብ ፈቲኖም።

ብኻልእ ገጽ ከኣ ‘መንግስቲ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ነቲ በብወርሑ ዝቖርጾ ዝነበረ ግብሪ ደው ኣቢሉ’ሎ፤ ስለዚ ቅድሚ ሎሚ ግብሪ ዝተቖረጸኩም ሰባት ክምለሰልኩም እንተደሊኹም ናይ ባንኪ መረዳእታኹም ሓብሩና’ ዝበሉ ኣጭበርብርቲ ኣይተስኣኑን።

“ፖለቲከኛታት”

ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዝዝርግሑ ስኑዓት ሓበሬታ ምንጮም ኢንተርኔት እናተጠቐሙ ብሕቡእ ካብ ዝጥቀሙ ሰባት ጥራይ ኣይኮነን። ካብ ፖለቲከኛታት’ውን እምበር።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ግንቦት ‘ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ጸሓይ ክጽለዉ ምግባር ወይ ኬሚካላት ምውጋእ ካብቲ ሕማም ከሕውዮም ይኽእል ይኸውን’ዩ’ ኢሉ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት ጸኒሑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ዝተዛረቦ ዘረባ ንቐልዲ ከምዝኾነ ሓቢሩ’ዩ። እንተኾነ ንሱ ንዝተዛረቦ ዘረባ ስዒቡ ብዙሓት ሰባት ናብ ማእኸላት ሓበሬታ እናደወሉ በቲ ዝተገለጸ መገዲ ንነብሶም ከድሕኑ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ይሓቱ ምንባሮም ይግለጽ።

ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ድማ ኮሮናቫይረስ ንፈለማ እዋን ናብ ከተማ ዉሃን ዝኣተወ ምናልባት “ካብ ወተሃደራት ኣሜሪካ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ክብል ተሰሚዑ።

ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኣሪዞና ‘ዓሳ ንዝራብሑሉ ገንኢ መሕጸቢ ዝውዕል ኬሚካል ካብ ኮሮናቫይረስ ይፍውስ’ዩ’ ዝብል ዜና ዘንበቡ መጻምድቲ ነቲ ኬሚካል ሰትዮም ናብ ሆስፒታል ከምዝኣተዉ ይግለጽ። ነዚ ምኽንያት ከኣ እቲ ዘገርሙ ዘረባታት ብምዝራብ ዝፍለጥ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ከይኮነ ኣይተርፍን ይበሃል።

“ናይ ሽርሒ ተንተንቲ”

ሰብሞያ ሕክምናን ምርምርን ብዛዕባ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ርግጸኛ ዝኾነ ሓበሬታ ዘይምሃቦም ነቶም ናይ ተንኮል ትንታነ ዝህቡ ሰባት ምችው ኩነታት ፈጢሩሎም’ዩ።

ንኣብነት ብምኽንያት ኣብ ተንኮል/ሽርሒ ዝተመስረተ ሓበሬታ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም 70 ዝኾኑ ዓምድታት ኔትወርክ ሞባይል መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም ይዝከር። መንቀሊኡ ከኣ ‘5ጂ [ሓምሻይ ወለዶ] ቴክኖሎጂ ኢንተርኔት’ዩ ነቲ ቫይረስ ኣምጺእዎ” ዝብል ወረ ነይሩ።

ዩጎቭን ዘ ኢኮኖሚስትን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝገብርዎ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ 13 ሚኢታዊት ካብ ኣሜሪካውያን ኮቪድ-19 ሓሶት ወይ ዘየለ ከምዝኾነ ይኣምኑ። 49 ሚኢታዊት ከኣ ሰብ ሰራሕ ከምዝኾነ ይዛረቡ።

ሓደ እዋን ከኣ ኣብ እንግሊዝ ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ሓደ ብወለንትኡ ኣብቲ ፈተነ ዝተሳተፈ ሰብ ሞይቱ ዝብል ሓበሬታ ብስፍሓት ተዘርጊሑ ነይሩ። በዚ ምኽንያት ከኣ እቲ ክታበት ሰባት ንምቕታል ዝተሰርሐ እዩ ዝብል ናይ ተንኮል ወይ ሽርሒ ትንታነ ተዘርጊሑ።

“ፈለጥቲ ውሽጢ”

ገለ እዋናት እቲ ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ዝዝርጋሕ ስኑዕ ሓበሬታ ‘ተኣመንቲ’ ካብ ዝበሃሉ ምንጪታት ዝብገስ ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት ዶካትር፣ መማህራንን ኣብ ማእኸላት ጥዕና ዝሰርሑ ሰባትን ተዛሪቦም እናተባሃለ ግጉይ ሓበሬታ ይዝርጋሕ።

ሓደ እዋን ኣብ እንግሊዝ ሓንቲ ኣብ ኣምቡላንስ እትሰርሕ በዓልቲ ሞያ ሕክምና ዝተዛረበቶ ብዝብል “መናእሰይ ብብዝሒ ይሞቱ ኣለዉ” ዝብል ናይ ድምጺ መልእኽቲ ናብ ብዙሓት ተባጺሑ ነይሩ።

ቢቢሲ ነታ መልእኽቲ ኣሕሊፋ ዝተባሃለት ውልቀሰብ ከዘራርባ’ኳ እንተፈተነ ብትኽክል በዓልቲ ሞያ ጥዕና ምዃና’ውን ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

“ኣዝማድ/ቤተሰብ”

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣዝማዶም ወይ ቤተሰቦም ኣብ ዝሓስቡሉ እዋን ክጭነቑ ይኽእሉ። ብፍላይ ድማ ኣብዚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዓለም ኣብ ዘሻቕለሉ እዋን እቲ ጭንቀት ከምዝውስኽ ይግመት። በዚ ምኽንያት ከኣ ገለ ሰባት ‘ይጠቅም’ዩ’ ዝበልዎ ሓበሬታ ንቤተሰቦም ወይ ፈትውቶም ምዝራቦም ኣይተርፍን።

ሓበሬታ ንኣዝማዶም ምሃቦም ከም ጌጋ’ኳ ዝቑጸር እንተዘይኮነ እቲ ሓበሬታ ግን ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ? ዝብል ከየጻረዩ ናብ ካልኦት ሰባት ክበጽሕ ምግባር ጸገማት ከስዕብ ከምዝኽእል ምግማት ይከኣል።

ዳንኤላ ቤከር ዝተበሃለት እንግሊዛዊት ነዚ ኣብነት’ያ። ሓደ እዋን ኣብ ፌስቡክ ዝረኸበቶ ሓበሬታ ናብ ብዙሓት ሰባት ኣባጺሓ ነይራ።

“ፈለማ ቁሩብ ኣሕሲቡኒ ነይሩ። ምኽንያቱ ከኣ ብዙሕ ካብ ዘይፈልጣ ሰብ’ዩ እቲ ሓበሬታ ተላኢኹኒ። ዝጠቅም ስለዝመሰለኒ ቆልዓ ናብ ዘለዋ ሓፍተይ ሰዲደላ” ትብል።

እቲ ሓበሬታ ሓቅነት ስለዘይነበሮ ግን ንሳ ከምዝሓሰበቶ ክኸውን ኣይከኣለን።

“ፍሉጣት ሰባት”

ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝምልከት ስኑዕ ወይ ግጉይ ሓበሬታ ካብ ሞንጎ ዝዝርግሑ ሰባት ምናልባት እነድንቖም ወይ እንፈትዎም ሰባት ክርከብዎም ይኽእሉ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝርከብ መረዳእታ ናብ ካልኦት ክባጻሕ ምግባር ልሙድ ተግባር’ዩ። ፍሉጣት ሰባት ግን ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ጉዳያት ዝለዓለ ጥንቃቐ ክገበሩ ኣለዎም። ምኽንያቱ ሓደ ተራ ሰብ ነቲ ግጉይ ሓበሬታ ክዝርግሕ ከሎን እቶም ፍሉጣት ሰባት ነዚ ክገብሩ ከለዉን ዝህልዎም ተቐባልነት ማዕረ ኣይኮነን።

ሮይተርስ ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ኣብቶም ዝፍነዉ ስኑዓት ሓበሬታታት ተሳትፎ ፍሉጣት ሰባት ዝለዓለ ከምዝኾነ ኣመልኪቱ’ሎ።

ኣብቲ ቴክኖሎጂ ኢንተርኔት 5ጂ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ይዝርግሕ ኣሎ ብዝብል ዝተፈነወ ሓቅነት ዘይብሉ ወረ ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ተሳትፎ ነይርዎም’ዩ።

ካብ ኢትዮጵያ ክሳብ ማዳጋስካር፤ ካብ ታይላንድ ክሳብ ብራዚል፤ ካብ ኣመሜሪካ ክሳብ ታንዛኒያ ብናይ ሓሶት ወረ ዝተሸበረን ዝኾነን ዘይኮነን መድሓኒታት ዝተጠቐመን ብዙሕ ከምዝኾ ይግመት።