ስራሕ፡ ገለ ቻይናውያን ንስራሕ ቐዳምነት ዘይህብሉ ዘለው ምኽንያት እንታይ'ዩ?

"እቲ ዘለኒ ኣሉታዊ ስምዒታት ንኽእለ እየ ዝጽዕር ዘለኹ። ሕጂ'ውን ዝዀነ ነገር ክሰርሕ ኣይደልን'የ፣ ስቕ ኢልካ በጥ በል ጥራይ'ዩ ዝመጻኒ ዘሎ። እዚ ኸኣ እዩ ባህታ ዝፈጥረለይ፡" ይብል ጄፍ።

ጄፍ [ሓቀኛ ስሙ ኣይኰነን] ኣብ በይጂንግ ኣዝዩ ልዑል ደሞዝ ዝኸፈሎ ስራሕ ምምዕባል መተግበሪ ምስ ረኸበ፡ ቅድሚ ሓያለ ዓመታት ነታ ዝዓበየላ ከተማ ሃንግዙ ገዲፉ ወጺኡ።ልክዕ ከም ካልኦት ቻይናውያን መዛንኡ ድማ ስርሑ ህይወቱ ኰነ።

ነታ ዝረኽባ ንእሽቶ ግዜ ዕረፍቲ ከኣ 'ገይም ኮምፒዩተር' እናተጻወተ'ዩ ዘሕልፋ። ብሰንክ'ዚ፡ ሓድሽ ልምዲ'ዚ ድማ ህይወቱ ዘስተማቕረሉ፡ ምስ ሰባት ክቀራረብ ዘክእሎ ባህሪ ከጥሪ ኣይክኣለን፣ እንተፈተነ'ውን ኣሰልቻዊ ኰኖ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ከም መብዛሕትኡ ሰብ፡ "ኣብ ህይወተይ ቀዳምነት ክህቦ ዝግብኣኒ እንታይ'ዩ? ብምባል ነፍሰ-ተፍትሽ ክገብር ግድነት ነበረ።"

ጄፍ፡ ኣብ ዓዱ ምስ ዝርከቡ መተዓብይቱ፡ ብዛዕባ መዓልታዊ ውዕሎኦም ከዋግዕ ጀመረ። ንሱ ኣብ ስራሕ ጥራይ ክኸውን እንከሎ፡ ንሳቶም ግን ሽሕ'ኳ ገንዘብ እንተዘይሃለዎም፡ ገለ ሸነኽ ህይወቶም ግን ኣዝዩ ደስ ዝብል ነገር ከም ዘለዎ ተገንዘበ።

እቲ ዝሰርሓሉ ትካል፡ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ሰራሕተኛታት ክንኪ ምስ ጀመረ፡ ጄፍ ኣብ ሰሙን ካብ 60 - 70 ሰዓታት ክሰርሕ ተገደደ።

ኣብ መወዳእታ ግን ተዳኺሙ፣ ዕረፍቲ ብምውሳድ ናብ ካልእ ሃገር ክጓዓዝ ወሰነ።

ኣብ ቬትናም ከተማ ሆ ቺ ሚንህ ግዜኡ ኣብ ዘሕልፈሉ ዝነበረ ግዜ፡ ዓበይቲ ሰብኡት ተኣኪቦም ክዛነዩ፡ ከውግዑን ንሰዓታት ኩዕሶ እግሪ ክርእዩን ምስ ተዓዘበ ኸኣ ንነብሱ ሓተተ።

ኣእምሮኡ መመሊሱ ናብኦም ይወስዶ። 'ስለ ምንታይ ኢኻ ከምኣቶም ዘይትኸውን? እንታይ ኴንካ ዘይትዘናጋዕ?' ክብል ምስ ገዛእ ርእሱ ይማጐት። ነቲ ዘሰላሰሎ ንኽገብር ከኣ፡ ናብ ዓዱ ምስ ተመልሰ ስራሕ ኣቋሪጹ፡ ሓደ ካብቶም ስርሖም ብፍቓዶም ዝገደፉ ቻይናውያን ኰነ።

ኣብታ ሃገር፡ "ታንግ ፒንግ" ወይ ድማ "ኣብ መሬት ምድቃስ" ዝብል ስያመ ዝተዋህቦ ጐስጓስ ኣሎ።

እዚ፡ ቻይናውያን ኣብ ክሊ እቲ ንነዊሕ ሰዓታት ዝሰርሕዎ ስራሕ ተወሳኺ ስራሕ ንምርካብን ዝያዳ ንክውፈዩን ዝገብር ማሕበረሰባዊ ጸቕጢ ንምግላጽ ዝዓለመ ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ግዳያት ጸቕጢ ስራሕ ይዀኑ ከም ዘለው እዩ ዝስምዖም።

ምስልቻው ኣብ ስራሕ

ኣብታ ሃገር ቍጽሪ ዓያዪ ሓይሊ ሰብ እናጐደለ ብምምጽኡ፡ ብዙሓት መንእሰያት ንነዊሕ ሰዓታት ክሰርሑ ስለ ዝተገደዱ እዮም ናብዚ ጐስጓስ ኣትዮም።

"ኣብዚ እዋን ሰባት ኮሮናቫይረስን ድኻምን ምጽዋር ስለ ዘህለኾም፡ ንስርሖም ዘይግዱሳት ይዀኑ ኣለው። ብሰንኩ ኸኣ ተጋዲሞም መጽሓፍ ከንብቡ ወይ ተሌቪዥን ክርእዩ ይመርጹ፡" ትብል ተንታኒት ቢቢሲ ቻይና ኬሪ ኣሌን።

ብዙሓት ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ዝነበረ ኵነታት ስራሕ ክምለሱን ህይወት ብርግኣት ክነብርዋ ከም ዝደልዩን ዝገልጹ ጽሑፋት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ገጻት የካፍሉ ኣለው።

እቲ ቻይና ንነዊሕ ዓመታት ዘተግበረቶ 'ፖሊሲ ሓደ ቘልዓ'፡ መብዛሕትኦም መንእሰያት ሓው ወይ ሓፍቲ ዘይብሎም ኰይኖም ክዓብዩን ብሰንኩ ኸኣ ጸቕጢ ዝፈጥርን ኰይኑ ተረኺቡ'ሎ።

ኣብ ቻይና፡ ከም ገዛ ምስራሕ፡ ቈልዓ ምውላድ ዝበሉ ባህላዊ ክብርታት ሕጂ'ውን ዓብይ ቦታ ኣለዎም።

ብዙሓት ኣብ ክሊ ዕድመ 20 - 30 ዘለው መንእሰያት ግን፡ ነዚ ክብርታት'ዚ ከነዐውት ንኽእል ኢና ዝብል ተስፋ የብሎምን።

እቶም ቈልዑ ንርእሶም፡ ነቶም ዕድመ ዝደፍኡ ዘለው ወለዶም ክሕብሕቡ እዮም ዝሓስቡ። ንብዙሓት ሰባት ከኣ ዋጋ ንብረት ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ይዀኖም ኣሎ።

ብ2019፡ መስራቲ ቴክ ታይኮንን ዓሊ ባባን ዝዀነ ጃክ ማ፡ ባህሊ ስራሕ 996 ቻይና ዝብል ብምትእትታው ሓያል ነቐፌታ ቀሪቡሉ'ዩ።

እዚ፡ ሰባት ኣብ ሰሙን 6 መዓልቲ ካብ ንግሆ ሰዓት 9፡00 ክሳብ ምሸት ሰዓት 9፡00 [ኣቈጻጽራ ኤውሮጳ] - ንግሆ ሰዓት 3፡00 ክሳብ ምሸት ሰዓት 3፡00 [ኣቈጻጽራ ኢትዮጵያ] ክሰርሑ ማለት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገርን ሚኒስትሪ ሰራሕተኛታትን እዚ ዘይሕጋዊ'ዩ ክብሉ ወሲኖም።

ጄፍ፡ ነቲ ኣብ በይጂንግ ዝነበሮ ስራሕን ህይወትን ደው ዘበለሉ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ፡ "ነቶም ሕጂ

ዘለው ሕግታት'የ ተቓውሞይ ዝገልጽ ዘለኹ። ብዙሕ ክትመሃርን ኣበርቲዕካ ክትሰርሕን ኣለካ ዝብል ንዘይምቕባል'ዩ፡" ይብል።

እዚ፡ ኣብ ቻይና ሓንኳሊ ወይ መነዓዓቢ ሓሳብ ተባሂሉ እዩ ዝውሰድ።

ፕረሲደንት ዢ ጂንፒንግ፡ ፡ "ኵሉ ሰብ ዝሳተፈሉ ኵነታት ልምዓትን ብዙሓት ሰባት ሃብቲ ዘጥርዩሉ ዕድል ዝፈጥር ማሕበራዊ ደረጃታትን ተጠናኺሩ ክቕጽል ኣለዎ። ምብኳር ካብ ስራሕ ዝበሃል ከኣ ፍጹም ክውገድ ኣለዎ፡" ክብል ኣብ ጋዜጣ ኮምዩኒስት ፓርቲ ኣጠንቃቒ ጽሑፍ ኣስፊሩ እዩ።

ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ሚሊዮናት ሰራሕተኛታት ጥሮታ ይወጽኡ፣ ስርሖም የቋርጹ ወይ ትርጕም ዘይብሉን 'ኣየርብሐናን' ዝበልዎ ስራሕን ይነጽግዎን ብምህላዎም፡ "ዓቢይ ምቍራጽ ስራሕ" ይርአ ከም ዘሎ ሰብ ሞያ ይገልጹ።

እዚ ኣብ ቻይና ዝርአ ዘሎ ጐስጓስ 'ኣብ መሬት ምስጣሕ' ኣካል እዚ'ዶ ይኸውን?

ተመራማሪት ኢንስቲትዩት ቻይና፣ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ዶክተር ላውረን ጆንስቶን ነዚ መበገሲ ዝዀኑ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከም ዘለው ትገልጽ።

እቲ ሓደ፡ ኣብ በይጂንግ ወይ ሻንጋይ ብዙሓት ካብ ገጠር ዝፈለሱ መንእሰያት ምህላዎም ክኸውን እንከሎ፡ እዚኦም "ገዛ ከግዝኦም ዝኽእል እዅል ገንዘብ ኣብ ምውናን ወይ'ውን ከምቶም ደቂ ኸተማ፡ እንግሊዘኛ ክዛረቡን ዘመናዊ ክዳን ክኽደኑን ናይ ምድላይ ንሕንሕ ኣለዎም፡" ትብል።

ካብዚኦም፡ ገለኦም ኣብ ክንዲ ምስ ወለዶም ዝነብሩ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ዝተሓተ መሃያ ዝኽፈሎ ስራሕ ክሰርሑ ይደልዩ። ብኻልእ ወገን ደቂ ሃብታማትን ዕውታትን ስደራ ዝዀኑ ቈልዑ ኣለው። "እዚኦም ግን፡ ከምቶም ካብ ድኻታት ስድራቤታት ዝመጽኡ ኣዝዮም ዕውታት ዝዀኑ ቘልዑ ህንጡያት ኣይኰኑን፡" ከኣ ትብል።

ብተወሳኺ፡ እቲ 'ነብሪ' ብዝብል ዝፍለጥ ባህሊ ቻይና፡ ወለዲ ደቈም ዝያዳ ዕውታት ንክዀኑ ትምህርቲ ጥራይ እዅል ኣይኰነን ብዝብል ገምጋም፡ ኣብ ሕሳብ፡ ቋንቋታት ቻይናን እንግሊዘኛን ከምኡ'ውን ሙዚቃ ተወሳኺ ትምህርቲ ክረኽቡ ንምግባር ኣብ ሓያል ጸቕጢ ከም ዘእትውዎም ትገ

ጄፍ፡ ወለዱ ድሕሪ ዝፈጠርሉ ጸቕጢ ካልእ ስራሕ ክጅምር ተገዲዱ እዩ።

ይዅን'ምበር ፍርቂ እቲ ኣቐዲሙ ዝረኽቦ ዝነበረ እቶት ዝረኽበሉ ስራሕ ኰይኑ፡ ዝፈትዎም ነገራት እናገበረን ንገዛእ-ርእሱ ግዜ እናሃበን ይሰርሕ ምህላው ይገልጽ።ልጽ።