እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና፡ መናእሰይ ኣብ ስራሕ 'ኣብ መሬት ምስጣሕ' ዝብል ጎስጓስ ይገብሩ ኣለው
ቻይናውያን መናእሰይ ብባህሊ ስራሕ ሃገሮም ኣዝዮም ተሰላችዮም ኣለው።
ኣብታ ሃገር ሓያል ባህሊ ስራሕ እንተሃለወ'ውን ዝረኽቡዎ ዓስቢ ግን ክንድቲ ዝሰርሑዎ ስለ ዘይኮነ፡ ለውጢ ንክመጽእ "ኣብ መሬት ብምስጣሕ" ዘይዕግበቶም ክገልጹ ጀሚሮም።
እዚ ሓድሽ ዝንባለ "ታንግ ፒንግ" ወይ ድማ "ኣብ ስጡሕ ወይ መሬት ምድቃስ" ዝብል ስያመ ክወሃቦ አንከሎ፡ ኣብ ክሊ እቲ ንነዊሕ ሰዓታት ዝሰርሑዎ ስራሕ ተወሳኺ ስራሕ ንምርካብን ዚያዳ ንክውፈዩን ዝገብር ማሕበረሰባዊ ጸቕጢ ንምግላጽ ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊጹ።
በዚ ኣቢሎም ናይ ኣነባብራ ለውጢ ክመጽኣሎም ይጠልቡ።
ቻይና እናነከየ ዝኸይድ ዕዳጋ ስራሕ እኳ እንተሃለዋ፡ መናእሰይ እታ ሃገር ግን ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ስራሕ ዝተጸመዱ'ዮም።
እዚ ጸቕጢ ንምግላጽ ብዙሓት ዝጥቀሙላ ዘለው "ታንግ ፒንግ" ከኣ ኣብ ሓደ ፍሉጥ ማሕበራዊ መራኸቢ ቻይና ዝጀመረት ምዃና ይዝረብ።
ሓደ ተጠቃሚ እዚ ማሕበራዊ ሚዲያ "ኣብ መሬት ምስጣሕ በሊሕ ምንቅስቓስ'ዩ። ሰባት ለጥ ኢሎም ብምስጥሖም ጥራሕ መዐቀኒ ኩሎም ነገራት ክኸውን'ዩ" ኢሉ ጽሒፉ።
እዚ ጽሒፉ ጸኒሑ ካብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ክጠፍእ እንተተገብረ'ውን፡ ድሕሪኡ ኣብ ካልእ ሲና ዊቦ ዝተባህለ ፍሉጥ ድረ ገጽ ቻይና ይወሃብ ኣብ ዝነበረ ርኢይቶታት እታ ቃል ኣዘራራቢት ኮይና'ያ።
ብ"ታንግ ፒንግ" ክሓልፍ ዝተደለየ መልእኽቲ፡ ልዕሊ ዓቐን ዘይምስራሕ፣ ዚያዳ ዕውትነት ኣብ ዘምጽኡ ትኹረት ብምግባር ንምዝናይ ግዜ ምምዳብ ዝብል ኮይኑ፡ ብዙሓት ንኢዶሞን ስዒቦሞን።
ካብዚ ብዝብገስ ልክዕ መንፈሳዊ ምንቅስቓስ ተባሂሉ ክውሰድ ጀሚሩ።
ዋንግ ዝተባህለ ወዲ 24 ዓመት ቴክኒሻን ቤተ ፈተነ: ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ "ኣብዛ ሃገር ስራሕ ንምርካብ ምምልካት ልክዕ ኣብ ቀላይ መርፍእ ምድላይ'ዩ። እቲ ሕብረተሰብ እናጸፍዓካ'ውን ቅልል ዝበለ ህይወት ክህልወካ ግድን'ዩ። ኣብ መሬት ምስጣሕ ድማ ክትመውት ምድላይ ኣይኮነን፤ ስርሐይ ይሰርሕ'የ ግን ድማ ኣይወጣጠርን" ኢሉ።
'ሲክስ ቶን' ዝተባህለ ማዕከን ዜና ብወገኑ ነዚ "ታንግ ፒንግ" ዝተባህለ ምንቅስቓስ ዝጀመሩ ጉጅለ ብዝዘርግሑዎ ዳታ ቤዝ ኢንተርነት ሽዱሽተ ሽሕ ኣባላት ከፍርዩ ክኢሎም ኣለው።
ይኹን'ምበር ቻይና እቲ ብ#ታንግፒንግ ዝግበር ጎስጓስ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሲና ዊቦ ክኽልከል ገይራ እያ።
ኣብ ቀረባ ዓመታት ካልኦት ተመሳሰልቲ ምንቅስቓሳት ተራእዮም'ዮም።
ኣብ 2016 ከምኡ'ውን ብ2017 ቻይናውያን መናእሰይ ዝበጽሖም ዘሎ ጸቕጢ ንምግላጽ ተመሳሰልቲ ምንቅስቓሳት ገይሮም'ዮም።
ፖሊሲ ሓደ ቖልዓ ቻይና፡ ዜጋታት ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ስራሕ ክጽመዱ ጽልዋ ካብ ሞንጎ ዝፈጠሩ ኮይኑ ብምኽንያት ዕድመ ጥሮታ ዝወጽኡ ሰባት ብዝሒ ካብቲ ዝሰርሕ ክፋል ሕብረተሰብ ክልተ ዕጽፊ ምዃኑ እቲ ጸቕጢ ክብርትዕ ገይሩ።
ሕጂ'ውን መናእሰይ እታ ሃገር "ማሕበረሰባዊ ሓላፍነት" ዝስምዖም ዜጋታት ከም ዝኾኑ ንምርኣይ ዘይዛሪ ውፍይነት ከርእዩ ጸቕጢ ይበጽሖም'ዩ።