ቻይና፡ ንምንታይ’ዮም ገለ ሰባት ደቀቕቲ ዓይኖም 'ኣይጽቡቓትን’ዮም' ዝብሉ?

"ንምንታይ'ዩ ዓይነይ ደቀቕቲ ስለዝኾና ጥራይ ቻይናዊት'ያ ዝብሃል?"

ነዚ ሕቶ ቻይናዊት ሞዴል ቺያ ንያንግንያነግ፡ ናይ ቅድም ኣሳእላ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሕ ሰብ ክቀበባለሉን ርእይትኡ ከስፍረሉን ምስ ጀመረ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘቕረበቶ ሕቶ'ዩ።

ቺያ ንያንግንያነግ ንሓደ ቻይናዊ ትካል መወዓውዒ ምስ ሰርሐት 'ብመደብ ሰባት ኣጥቂዓን" "ዘይሃገራዊት" ኮይናን ብዝብል ንመዓልታት ብማሕበራዊ ሚድያ ዘለፋታት በጺሕዋ።

እቲ ቀንዲ ዝተነቐፈትሉ ጉዳይ ኸኣ፡ ብመመላኽዒ ገይራ ንኣዒንታ ዝያዳ ደቀቕቲ ከምዝኾና ገይራተን ዝብል እዩ።

እቲ ትካል ካብ ብዙሓት ነቀፌታታት ምስ በጽሖ ነቲ ብቺያ ንያንግንያነግ ዘስርሖ መዋዓውዒ ካብ መርበብ ሓበሬትኡ ብምእላይ፡ ንዓማዊሉ ብወግዒ ይቅሬታ ሓቲቱ።

ቺያ ንያንግንያነግ ግን ዝበደለቶ ነገር ከምዘየለ ብምግላጽ፡ ንሰባት ዘቖጠዖም ዘሎ ነገራት ከምዘይበርሃላ እያ ትገልጽ።

ጓል 28 ዓመት ቺያ ንያንግንያነግ ኣብ ትዊተር "እዚ መልክዐይ እዚ ካብ ፈጣሪ ዝተውሃበኒ እዩ" ብምባል እያ መሊሳ።

"ነዛ ዘላትኒ መልክዒ ሒዘ ስለዝተወለድኩ ድየ ንቻይና ኣጽሪፈያ?" ብምባል ኸኣ ሕቶ ተስዕብ።

እቲ መወዓውዒ ኣብ 2019 እዩ ተሳኢሉ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ስለዝነበረ ግን ገለ ሰባት ንመልክዕ ቻይናውያን ዘናሹ ስእሊ እዩ ብምባል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክቐባበልሉ ጀሚሮም።

ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰኣሊ ናይ ፋሽን ዝኾነ ውልቀ ሰብ ነቲ ስእልን ስቅታ ናይ ቺያ ንያንግንያነግን ኣመልኪቱ ንህዝቢ ይቕሬታ ሓቲቱ።

ብድሕሪ እዚ ቺያ ንያንግንያነግ፡ ምስ ናይ ፈረንሳዊ ትካል ድዮር ካልእ ንመዋዓውዒ ዝኸውን ስእሊ ምስ ተሰኣለት፡ ሕጂ'ውን ነቲ ዓይና ዝያዳ ጸቢብ ወይ ደቂቕ ከምዝመስል ገይራቶ ብምባል ካልእ ነቀፌታ ክውሕዛ ጀሚሩ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት'ውን ንማርሰዲስ ቤንዝን ጉችን ብቻይናውያን ሞዴላት ዝተገበረ መወዓውዒ ንቡሓት ኣቐጢዑ'ዩ።

እተን መወዓውዒ ዝገበረ ቻይናውያን ደቂ ኣንስትዩ ደቀቕቲ ዓይነን ኮይነን፡ ገለ ቻይናውያን እቲ መወዓውዒ ብአአን ክግበር ዝተመርጸሉ ዓሌታውንት ንምስፍሕፋሕ'ዩ ይብሉ።

ብዛይካ እዚ እቲ መወዓውዒ ምዕራባውያን ሃገራት ብዛዕባ ቻይና ክህብዎ ዝደልዩ ምስሊ ንምርጓድ ይጥቀምሉ ኣለዉ ዝብሉ'ውን ኣለዉ።

ኣብ ቻይና መብዛሕትኡ ግዜ መወዓውዒታት ብፍሩይ ዓይነን ደቂ ኣንስትዩ ከምዝካየድ እዩ ዝግለጽ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት'ውን መንግስታዊት ተሌቪዥን ቻይና "ንብዙሕ እዋን ምዕራባውያን ሃገራት ደቂቕ ዓይኒ ከም መላለዩ ኤስያውያን ደቂ ኣንስትዮ ገይሮም ክሰርሕሉ ጸኒሖም'ዮም ኢላ።

እታ መንግስታዊት ተሌቪዥን ብምስዓብ "ህዝቢ ቻይና እቲ ንሳቶም [ምዕራባውያን] ዝኽትለዎ መዐየሪ መልክዕን ኣየናይ መልክዕ ናይ ጓል ኣንስተይቲ እዩ መልክዓኛ ዝብሃል ክኽተሎ የብሉን" ኢላ።

ካብ 19 ክፍለ ዘመን ጀሚረን ምዕራባውያን ሃገራት ንደቂቕን ጸቢብን ዓይኒ ከም መፍለዩ መልክዕ ኤስያውያን ከይረን ክገልጸኦ ከምዝጽነሓ እዩ ዝግለጽ፡ እዚ ኸኣ ብብዙሓት ኤስያውያን ዘይቅቡል ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።

ኣብ ሆሊዉድ እቲ ከም መርኣያ ኤስያውያን ኮይኑ ዝተወሳአ ፉ ማንኡ ደቀቕቲ ዓይኒ ከምዝህልዎ ገይርካ እዩ ተሳኢሉ።

ኣብ ታይዋን ኣካዳምያ ሲኒካ እትሰርሕ ዶክተር ሊዩ ወይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ "ምዕራባውያን ንኤስያውያን ንምንጻል ጸቢብን ደቒቕን ዓይኒ ከም መፍለዪ ክጥቀምሉ ካብ ዝጅመሩ ነዊሕ ከምዝገበሩ ታሪኽ የርእየና እዩ" ኢላ።

ጽባቐ ብዓይኒ ቻይናውያን ኣብ ዝብል ዛዕባ'ውን ብዙሓት ቻይናውያን ኣብ ሓደ መደምደምታ ዘይብጽሕሉ ኩነት'ዩ ዘሎ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ሆንግኮንግ እትሰርሕ ዶክተር ልዊ ሮስ ሊኲ ብወገና "ጸቢብን ደቂቕን ዓይኒ ጽቡቕ ኣይኮነን ምባል ንባዕሉ ካልእ ሓደጋ ኣለዎ፡ ምኽነያቱ ንዕኡ ምንጻግ ማለት ንብዙሕነት ጽባቐ ምንጻግ ማለት'ዩ" ትብል።

ብምስዓብ "ንገለ ኣይውክልን'ዩ ትብሎ ጽባቐ ክትዕፍኖ ጽቡቕ ኣይኮነን" ኢላ።

ተመራመርቲ ስነ ጽባቐ ቻይና ብወገኖም፡ ጽባቐ ቻይናወያን ደቂ ኣንስትዩ ንምግላጽ ዝያዳ ጸቢብን ደቂቕን ዓይኒ ከምዝምረጽ'ዮም ዝገልጹ።

ንኣብነት ኣብቲ ናይ ቻይና ወርቃዊ ግዜ ናይ ቅብኣ እናተባሀለ ዝግለጽ ካብ 618 ክሳብ 907 ዓመተ ምህረት ዝነበረ ኣብ ታንግ ስርወ-መንግስቲ እተን ኣብቲ ሽዕኡ ጽቡቓት ተባሂለን ኣብ ቅብኣ ዝሰፍራ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዩ ጸቢብ ዓይኒ ከምዝነበረን ከም ኣብነት ይጥቀስ።

ዶክተር ጃሀ ፉንግ ካብ ዩኒቨርስቲ ደልዋር ነቲ ብወገኑ "ኣብ ዝተፈላለዩ፤ ስርወ መንግስትታት ብመጠኑ ፍልልያት'ኳ እንተነበረ ኣብ መብዛሕትኦም ግን ደቂቕን ጸቢብን ዓይኒ ከም ምልክት ጽባቐ'ዩ ዝውሰድ ነይሩ" ይብል።

ካብ 1970ታት ጀሚሩ ናይ ምዕራባውያን መወዓውዒታት ኣብ ቻይና ክዕብልል ምስ ጀመረ፡ ሰብ ብዛዕባ ጽባቐ ዘለዎ መዐየሪታት ክዛባዕ ከምዝጀመረ ይግለጽ።

ዶክተር ጃሀ ፉንግ "ደቂ ኣንስትዩ በቲ ናይ ምዕራባውያን መወዓውዒታት ተጸልየን ምልክት ጽባቐ ነቲ ናይ ምዕራባዊ መልክዕ ገይረን ክወስድኦ ጀሚረን" ይብል።

ኣብዚ እዋን ኣብ ቻይና ፍሩያትን ከበብትን ኣዒንቲ ኣዝዮም ተባሃግቲ እዮም ኮይኖም ዘለዉ፡ ደቂ ኣንስተዮ ነዚ መስፍሪ እዚ ንኸማልኣ ክሳብ መጥባሕቲ ክገብራ ምርኣይ ኸኣ ዳርጋ ንቡር እዩ ኮይኑ ዘሎ።

እንተኾነ ሞዴል ቺያ ንያንግንያነግ፡ ሰባት ዋላ ንመልክዓ [ቅርጺ ዓይና] እንተዘይፈተዉዎ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክዝልፍዋን ክጽርፍዋን ከምዘይብሎም'ያ ትመክር።

"ኣዒንተይ ከምዛ ዘለዋኣ እየን ተፈጢረን፡ ወረ ኣብቲ መወዓውዒ'ሲ ካብዚ ዘለዎኦ ዝያዳ ፍሩያት'የን ዝመስላ፡ ንኹሉ ሰብ ነናቱ ጽባቐ'ዩ ዘለዎ" ትብል።