እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛ ናብ ወናኒት ትካል
እየሩሳሌም ቀንዓ ዋና ትካል ሉልያን እያ። ትካል ሉልያን ኸኣ ውጽኢት ቆርበትን መመላኽዕን ዘፍሪ ትካል እዩ።
ትካል ሉልያን ንፋሽን ዘቕርቦም ምህርቲ ብሓፈሻ ንኸባቢ ዘይብክሉን ተመሊሶም ኣብ ጥቅሚ ብዝውዕሉን ነገራት ገይሩ እዩ ዝሰርሕ።
እየሩሳሌም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት ናብዚ ስራሕ እዚ ክትኣቱ ዝደፋፍኣ ኣተዓባብያኣ መዃኑ እያ ገሊጻ።
ኣቡኣን ኣዲኣን ምስ ተፋትሑ ምስ ኣዲኣ ዝዓበየት እየሩሳሌም፡ ኣዲኣ ብኢዳ ትሰርሖም ዝነበረት ጥበባትን ናይ ናብራ ውረድ ደይብን ብዙሕ ከምዝምሃራ እያ ተውግዕ።
ኣዲኣ ንዓኣ ከተዕቢ እንከላ፡ ኣብ ገዛ ገዲፋታ ናብ ስራሕ ከይትኸይድ ትሓልፎ ዝነበረት መስገደል ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓይና ከምዝቕጀላ እያ እየሩሳሌም ትገልጽ።
ሓደ ሓደ ግዜ ኣዲኣ ምስ ጎሮቤት ወይ ምስ ሞግዚት ገዲፋታ እንጀራ ንምምእራር ኣብ እትወፍረሉ፡ ብዙሕ ኣካላውን ኣእምሮኣውን በደላት ይበጽሓ ምንባሩ'ውን ትዝክር።
ኣዲኣ ንእየሩሳሌም ኣብ ኢደ ጥበባት ኣዝያ ውሓለ ምዃና ትዛረብ።
ስፌት ክዳን ካብ ኣዲኣ እያ ተማሂራ፡ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ ኸኣ ብጎማ ገይራ ማልያ ትሰርሕ ምንባራ ትዝክር።
ነብሲ ወከፍ ነጥቢ ካብ ኣዲኣ እናተማሃረት ዝዓበየት እየሩሳሌም ኣብ ኮሌጅ እናተማሃት እንከላ፡ ዝተፈላላ መመላኽዒ ሰሪሓ እናሸጠት ኣታዊታት ክትረክብ ጀሚራ።
ነቲ ትሰርሖ ዝነበረት ናይ እዝንን ናይ ክሳድን መመላኽዒ ኸኣ ካብ እንዳ ጫማ ካብ ዝድርበ ተረፍ መረፍ ቆርበትን ካልእ ጥረ ነገርን ገይራ እያ ትሰርሖ ነይራ።
ወረድ ደይብ እየሩሳሌም
እየሩሳሌም ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ምስ ዛዘመት፡ ትምህርቲ ከቀጽላ ዝኽእል ነጥቢ ስለዘየምጸአት ተቆጺራ ናይ ጽሬትን ካልእ ተመሳሳሊ ስራሓት ትሰርሕ ነይራ እያ።
ደጊማ ተፈቲና ነጥቢ ሰለዘምጸአት ግን ናይ ቀትርን ናይ ለይትን ተማሂራ ብክልተ ዲግሪ ክትምረቕ ክኢላ።
ናይ ትምህርቲ ወጻኢታታ ኸኣ፡ ባዕላ ሰሪሓ ትሸጦ ብዝነበረት መመላኽዒ እያ ትሽፍን ነይራ።
ካብ ዩኒቨርስቲ ምስ ተመረቐት ኣብ ዝተፈላላየ ዓይነት ስራሓት ተዋፊራ ምንባራ እትገልጽ እየሩሳሌም፡ ኣብ መወዳእታ ንትካል ሉልያን ብምምሰራት ስሩዕ ኣታዊ ትረኽበሉ ትካል ክትምስርት ክኢላ።
ሉልያን ማለት ብግእዝ ፍሉይ ህዝቢ ማለት ምኳኑ ኸኣ ትሕብር። እየሩሳሌም ኣፍሪቃውያን ፍሉያት ህዝቢ ኢና ኢላ ድማ ትገልጽ።
ኣፍሪቃውያን ካብ ካልእ ዓለም ቀዲሕና ኣብዚ ነርዕሞ ውሕዱ እዩ ብምባል "ናትና ጽባቐ፡ ናትና መልክዕ፡ ናትና መንነት ኣለና፡ እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ገና ዘይተተንከፈ ኣዝዩ ዕቑር ሃፍቲ'ውን ኣለና፡ በዚ እየ ፍሉያት ኢና ዝብል" ትብል እየሩሳሌም።
እየሩሳሉም ትሰርሖ ኣብ ክሳድን ኣብ እዝንን ዝንጥልጠል መመላክዒ፡ ኣብ ኣጻብዕቲ ዝኣቱ ካትምን ኣብ እግሪ ዝእሰር ዝተፈላላየ መመላክዕን እዩ።
ብዘይካ እዚ ናይ ኢድ ቦርሳን ዓቢ ቦርሳን ትሰርሕ ኩሉ ኸኣ ካብ ቆርበትን ዝተሰርሐን ብኢድ ዝተሰፈየን እዩ።
ጥረ ነገርከ ካበይ እያ ትረኽቦ?
እሩሳሌም ኣብ መጀመርታ ውጽኢት ነሓስ ዝኾነ ስርሓት እያ ናብ ዕዳጋ ተቕርብ ነይራ።
ነቲ ነሓስ ኸኣ ካብ ቃልሃ ናይ ጥይትን ካልእ ዝተደርበየ ነገራትን ትረኽቦ ምንባራ ትሕብር።
ነቲ ብነሓስ ትሰርሖ ዝነበት መመላክዒታት ንምጽብባቕ፡ ክቡር እምንን ጥረታታት ናይ እኽልን ትውስኸሉ ምናበራ'ውን ትገልጽ።
እቲ ቃልሃ ናይ ጥይት ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ትረኽቦ ምንባራን ነቲ ተወሳኺ ዝኾና ካብ ዝተደርበዩ ንብረት ዝርከብ ጥረ ነገራት ግን ካብ መርካቶ ትገዝኦ ምንባራ ትገልጽ።
ነቲ ኣብ መርካቶ ትረኽቦ ጥረ ነገራትን ነቲ ቃልሃን ኣምኪኻ ናብ መመላክዒ ክትቅይሮ ዓቢ ፈተና ይኾና ምንባሩ እትገልጽ እየሩሳሉም ምስ ካልኦት መሻርኽታ ብምልፋን ካብኦም ዝመኸኸ ነሓስ ትርከብ ምንባራ ትሕብር።
እየሩሳሌም ካብ ተፍርዮም እቶም ዝበዝሑ ናይ ኣፍሪቃ ባህልን ኣነባብራን ዝውክሉ ምዃኑም ብምጥቃስ ኣብ ውሽጦም ናይ ኢትዮጵያ ባህሊ ዝውክሉ ነገራት ከምትውስኸሎም ተብርህ።
እየሩሳሉም ኣብ ትሕቲ ትካላ ምስኣ ኮይነን ዝሰርሓ ኣዴታት ንደቀን በይነን ኮይነን ዘዕብያ ምዃነን እያ ትገልጽ፡ ኣብቲ ስራሕ ኸኣ ሓሙሻይ ርእሳ ኮይና ትሰርሕ።
እሩሳሌም ነቲ ዝሰርሓቶ ፍርያት ኣብ ማዕበራዊ ሚድያን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትን እናኣላለየት ናብ ዕዳጋ ተቕርብ።
ኣብ ቀረባ ግዜ ከኣ ናይ ባዕላ መርበብ ሓበሬታ ብምኽፋት ፍርያታ 'ብኦንላይን' ክትሸይጥ ክትጅምር ምዃና ንቢቢሲ ገሊጻ።