ሄይሌይ ኣርሴኖ፡ ካብ ሕማም መንሽሮ ዓጽሚ ሓውያ ንጠፈር ትጓዓዝ ዘላ ፈላመይቲ ጓል-ኣንስተይቲ

ፈላመይቲ ውጻእ መዓት መንሽሮ ዓጽሚ ከምኡ'ውን ፈላመይቲ ብሰብ ዝሰረሖ ኣካል ናብ ህዋ እትበጽሕ ሰብ እያ።

ብተወሳኺ እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ኣብ ዑደት መሬት እትሳተፍ ኣመሪካዊት ጓል ኣንስተይቲ እያ።

ጓል 29 ዓመት ተሓጋጋዚት ሓኪም ሄይሌይ ኣርሴኖ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021 ኣካል እቲ ፈላሚ ሲቪላውያን ጥራሕ ዝለኣኽሉ ዓለምለኻዊ ጉዕዞ ህዋ ክትከውን ተሓርያ።

"ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ሚስጢር ገይረዮ ዝጸናሕኩ ጉዳይ ሕጂ ንዓለም ከካፍሎ እየ" ትብል።

ኣብቲ ህጻን እንከላ ሕምምቲ መንሽሮ ኮይና ዝተሓብሐበትሉን ሕጂ ትሰርሐሉ ዘላን ኣብ ቴኔሲ ዝርከብ ሆስፒታል ናይ ቅዱስ ጁድ ሆስፒታል ምርምር ህጻናት፡ ነዚ ታሪኻዊ ጉዕዞ ከም ዝተሓረየት ተበሲራ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብዚ ዓመት ፍርያት ስፔስ ኤክስ ብዝኾነት ፋልኮን ትሸዓተ ሮኬት ካብ ፍሎሪዳ ናብ ህዋ ክትጉዓዝ'ያ።

"እዚ ልኡኽ ብዝተፈላለየ መልክዑ ንሰባት ዘተባብዕ ይመስለኒ፤ ኩሉ ነገር ከም ዝክኣል ከርእዮም'ዩ" ትብል።

ኣብዛ ሓሙሽተ ሰባት እትሕዝ ተወንጫፊት ሮኬት፡ ዋላ ሓደ ክኢላ ጠፈርተኛታት ኣይክህሉን'ዩ።

እንታይ ድኣ፡ ሄይሌይ ኣርሴኖን ካልኦት ክልተ ተዓወትቲ ነዚ ጉዕዞ ዝተገብረ ውድድር ከምኡ'ውን ኮማንደር በረራ ጃሬድ ኢሳቅማን ጥራሕ'ዮም ክጉዓዙ።

ወዲ 38 ዓመት ቢልየነር ጃሬድ ኢሳቅማን ኣብ መላእ እቲ ፕሮጀክት ወሳኒ ግደ ዝጻወት ዘሎ ሰብ'ዩ።

በዚ ጉዕዞ ኣቢሉ ነቲ ሆስፒታል ዝኸውን 200 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ከተኣኻኽብ መደብ ኣለዎ [ፍርቂ እቲ ሓገዝ ገንዘብ ባዕሉ ከም ዘወፊ ይዛረብ]።

"መጀመርታ እዚ ጉዕዞ ክሓስብ እንከለኹ ጀሚሩ፡ ኣባል እዚ ልኡኽ ናይ ተስፋ መንፈስ ዘለዎ ክኸውን ከም ዘለዎ ድልየት ነይሩኒ። ካብ ሄንሌይ ወጻእ ከኣ ካልእ ክሓስብ ኣይክኣልኩን" ይብል።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እዚ ጉዕዞ ንሄይለይ'ውን ኣይክኣልን ዝብሃል ነገር ከም ዝክኣል እተርእየሉ ኮይኑ'ዩ።

ቆልዓ 10 ዓመት እናሃለወት፡ ኣብ ሆስፒታል ቅዱስ ጁዲ ተሓካሚት መንሽሮ ዓጽሚ ነይራ።

ሕክምና ኬሞቴራፒ እናወሰደት ኣዕጽምቲ ሓደ እግራ ብመጥባሕቲ ብሰብ ሰራሕ ክትክኡ ተገይሩ።

"እዚ ጉዕዞ ክሳብ ዝሕሰብ፡ ጠፈርተኛ ክኸውን ኣይኽእልን ነይረ። እዚ፡ ሙሉእ ኣካላዊ ጥዕና ንዘይብሎም ሰባት ናብ ህዋ ዝጉዓዝሉ መገዲ ዝኸፍት'ዩ" ትብል።

ብ5 ጥሪ ኣካል እዚ ልኡኽ ክትኾኒ ድልየት ኣለኪ'ዶ? ተባሂላ ዝተሓተተት ሄንሌይ፡ ሓደን ክልተን እንከይበለት "እወ" ዝብል ምላሽ እያ ሂባቶም።

ኢንጅነራት መጓዓዝያ ህዋ ዝኾኑ ሓዋን በዓልቲ ቤቱን ከኣ "ናብ ህዋ ዝግበር ጉዕዞ ውሑስ" ምዃኑ ኣረጋጊጾምለይ ትብል።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ቢልየነር ኢሳቅማን ካልኦት ክልተ ኣባላት ኣብ ምሕራይ ይርከብ።

ኣባላት እዚ ጉጅለ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ኣብ ባዶ ስሕበት ከመይ ትጸንሕ ዝብሉን ካልኦትን ስልጠናታት ክወሃቦም'ዩ።

ሄይሌይ ከኣ ናይቲ በረራ ሓላፊት ጥዕና ክትከውን እያ። ድሮ እቲ ናይ ህዋ ክዳን ተኸዲና ስምዒታት እንታይ ይመስሉ ክተስተብህል ጀሚራ ኣላ።

"ደስ ይብል፤ ግን ካብ ዝተጸበኹዎ ንላዕሊ ከቢድ'ዩ። ቁሩብ ተረቢሸ ኣለኹ፤ ግን ከኣ እቶም ኢንጅነራት ብዙሕ ግዜ ስለ ዝረኸብኩዎም እተኣማመነሎም'የ" ትብል።

ምስቲ ብቑልዕነታ ዝሓለፈቶ ክነጻጸር እንከሎ ግን እዚ ዋላ ሓደ ጸገም ዘለዎ ኮይኑ ኣይርኣያን።

"ሕክምና መንሽሮ ክትወስድ ከለኻ፡ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ትቐጽራ። መጻኢ ዝብሃል ነገር ምሕሳብ ከቢድ'ዩ። ኣብዚ ሰዓት ንሕሙማትን ተሓከምትን መንሽሮ ወኪለ ኣብዚ ልኡኽ ምስታፈይ ክብሪ ይስምዓኒ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ መጻኢኦም ክሓስቡ ክገብር እዩ" ኢላ።