እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንሽሮ እንታይ እዩ? ክትከላኸሎ'ኸ ይከኣል'ዶ?
ኣብ ትግራይ ኣብ ተንብየን ዓብዪ ዓዲ ዝነብሩ ወለዲ ቈልዓ ይወልዱ። ኣብታ ቈልዓ ዝተወለደላ መዓልቲ ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ዓብዪ እማመ ይፍፀም። ውድብ ሓድነት ኣፍሪካ ብዕሊ ተመስሪቱ። እዞም ወለዲ ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ እሞ ድማ ዓብዪ ዋኒን ኣብ ዝተፈፀመላ መዓልቲ ዝተወለደ ወድና ኣብዪ ንበሎ እንትብሉ ሰየምዎ።
ወላዲኡ ብምኽንያት ስራሕ ናብ መቐለ ስለዝተዛወሩ ኣብዪ ካብ ወዲ ክልተ ዓመት ንደሓር ኣብ መቐለ ዓብዩ።
ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቱ ኣብ ሃፀይ ዮሃንስ፤ ሻውዓይ ክፍሊ ኣብ ከሳቴ ብርሃንን መሰረተን፤ ታሽዓይ ክፍሊ ድማ ኣብ ሃፀይ ዮንሃስ ምስ ተመሃረ ናብ ኣሕዋቱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ።
ካብ ዓስራይ ክሳብ ዓሰርተ ክፍሊ 'ማትሪክ' ዝፍተን ኣብ ጀነራል ዊንጌት ተማሂሩ። ትምህርቱ ንፉዕ ኰይኑ ብፅቡቕ ውፅኢት ሓሊፉ።
ኣፈወርቂ ምስ ዝበሃል መሓዝኡ ቀዳሞት ኰይኖም ብምውፃእ ናብ ሃገረ ግሪክ ከይዶም ንኽመሃሩ ነፃ ዕድል ትምህርቲ ረኸቡ።
ኰይኑ ግና ኣብቲ ግዜ'ቲ ኣብ ግሪክ ብዝተፈጠረ ምቅይያር መንግስቲ፡ እቲ ዕድል ትምህርቲ ተዓንፂሉ። ክንብል በለ እምበር ኣይፈሰሰን፤ ኣብታ ዝቐፀለት ዓመት ነፃ ዕድል ትምህርቲ ረኺቡ ናብ ቺኮዝላቫክያ ይብገስ።
ኣብ ቺኮዝላቫክያ ቋንቋ ቸክ ንሓደ ዓመት ተማሂሩ፤ ኣብ ከተማ ፕራግ ዩኒቨርሲቲ ቻርለስ፡ ሽድሽተ ዓመታት ቀዳማይ ዲግሪ ትምህርቲ ሕክምና ኣፅኒዑ። ትምህርቲ ሕክምና ዛዚሙ፤ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ለንደን ድማ ኣምረሐ።
"ቺኮዝላቫክያ ካልኣይ ዓደይ እዩ፤ ቋንቋ ብደንቢ እዮም ኣምሂሮምኒ፤ ሕክምና ዝተመሃርኩሉ ዩኒቨርሲቲ ቻርለስ ብ13 ክፍለዘበን (ቅድሚ ምፍጣር ኣመሪካ) ዝተመስረተ ፍሉጥ ዩኒቨርሲቲ እዩ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብቲ ክፍሊ ሕክምና 10 ሓበሻ ነይርና፤ ኣብ መወዳእታ ሓሙሽተ ጥራይ ተመሪቕና" ብምባል ኣብታ ሃገር ዝነበሮ ግዜ ይዝክር።
ዶ/ር ኣብዪ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ሕክምና ወፃኢ ሰለስተ ዓመታት ምስ ሰረሐ፡ ናብ ኣመሪካ ድማ ኸደ። ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ 'ሜዮ' ዝበሃል ስሙይ ውልቀ ክልኒክ ኣብ ስራሕቲ ምርምር ተዋፊሩ ሰሪሑ።
ኣብ ኣመሪካ ሓኪም ኰይንካ ንኽትሰርሕ፡ 'ቅድሚ ሎሚ ኣብ ካልእ ሃገር ዝተመሃርኩ ሓኪም እየ' ብምባል ጥራይ ስራሕ ኣይጅመርን። ኣብ ኣመሪካ ኰነ ኣብ ካልእ ሃገር ብትምህርቲ ሕክምና ዝሰልጠነ ክኢላ፡ ፈተና ተወሂብዎ እንተሓሊፉ ጥራይ እዩ ክመሃርን ክሰርሕን ዝኽእል።
ብመሰረት'ዚ ዶ/ር ኣብዪ ኣብ ፍላደልፍያን ፍሎሪዳን ንተወሳኺ ኣርባዕተ ዓመታት 'ፓቶሎጂ' ኣፅኒዑ። ብድሕሪኡ እውን ኣብ ትምህርትን ምርምርን ክወፍር ስለዝሃቀነ ተወሳኺ ክልተ ዓመታት ድማ ኣብ ፍሎሪዳ ተማሂሩ። ስራሕ 'ሀ' ኢሉ ቅድሚ 17 ዓመታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቨርማንት ጀሚሩ። ቨርማንት ሓደ ካብቶም ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ ስሙያት ዩኒቨርሲትን ሕክምናን እዩ።
ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ክኣትው እንተሎ፡ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ምስኣተወ ኣብ ሰፊሕ ስራሕቲ ምርምርን መፅናዕትን ወፊሩ፡ ብዙሕ ኣፍርዩ። ኣብ መስርሕ ምስትምሃር እውን ልዑል ኣበርክቶ ኣመዝጊቡ። ድሕሪ ሸውዓተ ዓመታት ካብ ተሓጋጋዚ ናብ 'ኣሶሽየት ፕሮፌሰርነት' ደረጃ በፂሑ።
ብድሕሪኡ ንሽድሽተ ዓመታት ብዘርአዮ ህርኩት ስራሕን ምዕቡል ውፅኢትን፤ ከምኡ እውን ኣብ ስራሕቲ ምርምር፣ መፅናዕትን ኣብ ምምሃርን ብዘመዝገቦ ንኡድ ውፅኢትን ተገምጊሙ ናብ ምሉእ ፕሮፌሰርነት ሰጊሩ።
እቲ ገምጋም ሓደ ዓመት ምሉእ ብዝተፈላለዩ ሊቃውንቲ ዝካየድ እዩ። ገምጋም ተምሃሮ እውን ዝለዓለ ቦታ ይሕዝ። ኮታስ ካብ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰርነት ክሳብ ምሉእ ፕሮፌሰር ንምብፃሕ 15 ዓመታት ጉዕዞ ሓሊፉ።
ፓቶሎጂ እንታይ እዩ?
ፓቶሎጂ ማለት ካብ ኣካል ሰብ ቈንጢርካ ብምውሳድ፡ እቲ ሕማም ንምንጻር ዝግበር ናይ ላቦራቶሪ መርመራ እዩ። ብድሕሪኡ እቲ ሕማም መንሽሮ ተባሂሉ ምስ ተረጋገፀ፡ እንታይ ዓይነት መንሽሮ ተባሂሉ ድማ ይንፀር።
ፕሮፌሰር ኣብዪ ብመሰረት እቲ ብቐዳምነት ዝተመሃሮ፡ ሕማም ኩሉ ኣካል መንሽሮ ኣብ ዝንፀረሉ ስራሕቲ ምርምር ተወፊሩ ሰሪሑ።
ድሕሪ ዝተወሰኑ ዓመታት ግና ፕሮፌሰር ኣብዪ ናብቲ ዝለዓለ ድልየት ዝሓደሮ፤ ኣብ ምንፃር መንሽሮ ጡብን ኣፍደገ ማህፀንን ኣድሂቡ ናብ ምፅናዕን ምምርማርን ኣተወ።
"ኣብ ባዕሉ ኣብቲ መንሽሮ ጡብ፤ እንታይ ዓይነት መንሽሮ ጡብ? ሓደ ዓይነት ኣይኰነን፤ ብዙሕ ዓይነታት ኣለዎ። ብቀልጡፉ ድዩ ተገንዩ ወይስ ፀኒሑ እዩ? ብቕልጡፍ ኣቀዲሙ እንድሕር ተነፂሩ፡ ሰፊሕ ናይ ምሕዋይ ዕድል ኣለዎ፤ እቲ ዝሓመመ ሰብ ደንጕዩ እንድሕር መፂኡ ግና ንምድሓኑ ይኸብድ። ኣብዚ ኣድሂበ ምርመራ ብምክያድ፡ ብኸመይ እንተዝሕከም ከምዝሓይሽ ነቲ ሓኪም መረዳእታ የቕርበሉ" ብምባል ቀንዲ ዋኒን ሞያዊ ሓላፍነቱ ይገልፅ።
ንምዃኑ መንሽሮ(ካንሰር) እንታይ እዩ?
ወላ እኳ ዓሚቝ ሞያዊ ትንታነ ዝሓትት ዓውዲ እንተዀነ፡ ፕሮፌሰር ኣብዪ ቅልል ብዝበለ መንገዲ ብኸምዚ የብርሆ።
"ናይ ሰብ ኣካል ብጣዕሚ ዝተሓላለኸ እዩ፤ ኰይኑ ግና ኣካላትና ተመጢኑ ዝተፈጠረ እዩ። ንኣብነት ኢድና ክሳብ ክንደይ ክነውሕ ከምዘለዎ ንዓና ብዝምችው ተመጢኑ እዩ ተፈጢሩ። ኩሉ ክፋል ነብስና ሓደ ነቲ ካልእ ብዘየዐንቅፍ ተመጢኑ እዩ። ኣብ ውሽጢ ነብስና ዘለዉ ዋህዮታት ክኣርጉ እንተለዉ ይሞቱ፤ ብሓድሽ ይትክኡ። ብዓቐን እዮም ዝትክኡ፤ ሓደ እንተሞይቱ ሓደ ይትክኦ።
እዚ ንቡር ስርዓት ኣካል ሰብ እዩ።
ገሊኦም ዋህዮታት ይቕየሩ እሞ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ይዓብዩ። ውሽጣዊ ትሕዝቶኦም ይቕየር። ኣብ ውሽጦም ዝነበረ ጥዑይ ባህሪ ናብ ፋሉሉነት ይልወጥ። ብድሕሪኡ እቲ ዝተቐየረ ባህሪ ከም ድላዩ ናብ ድላዩ ይዓብይ፤ ክትቈፃፀሮ እውን ኣይትኽእልን። ክዓብይ እንተሎ ድማ ነቶም ጥዑያት ኣጥፊኡ እዩ ዝዓብይ። እዚ መንሽሮ ወይ ድማ ካንሰር ይብሃል" ብምባል ሞያዊ ትንታነ ይህብ።
ሕማም መንሽሮ(ካንሰር) ብኸመይ ይብገስ?
መንሽሮ ብዋናነት ሰብ ዕድሚኡ እንትውስኽ እሞ ድማ ኣካላቱ እንትዳኸም እንከሎ ይለዓል። ብኬሚካል እውን ክለዓል ይኽእል። ንኣብነት፥ ብመሰረት ኣብ ኣመሪካ ዝተገብረ መፅናዕቲ፡ መንሽሮ ሳምቡእ 90 ሚኢታዊት ብሽጋራ እዩ ዝመፅእ። ሽጋራ ዘየትክኽ ሰብ ብሕማም መንሽሮ ሳንቡእ፡ ናይ ምልካፍ ዕድሉ ብጣዕሚ ዝተሓተ እዩ።
እቲ ዝተረፈ 10 ምኢታዊት ብዘርኢ፣ ከምኡ እውን ዘይስሩዕ ሽጋራ ብምትካኽን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ዝልከፍ እዩ።
ከም ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ቀደም ብዙሕ ዘይፍለጥ ዝነበረ ሕማም መንሽሮ፡ ሎሚ ብበዝሒ ዝረአየሉ ዘሎ ምኽንያት ፕሮፌሰር ኣብዪ ኣምባየ ይገልፅ።
"ቅድሚ 30 ዓመታት ዝነበረ ማእኸላይ ዕድመ ምንባር ሰብ 45 እዩ ነይሩ። ሎሚ ልዕሊ 60 ኮይኑ'ሎ። ብሓደ ገፁ እዚ ፅቡቕ እዩ። ኰይኑ ግና ብተፈጥርኡ ብዕድመ ዝዓበዩ ሰባት ንመንሽሮ ዝተቓልዑ እዮም።
ካልኣይ ኣነባብራ ምዕራባውያን ንለምዶ ኣለና። ኣመጋግባና ተቐይሩ፤ ተዓሺጉ ዝፀነሐ ምግቢ ምብላዕ ተለሚዱ፣ ቀደም ብእግርና ነዊሕ ንጓዓዝ ዝነበርና፡ ሎሚ ኣይንኸድን። ዋላ እኳ ተወሳኺ መፅናዕቲ ዘድልዮ እንተዀነ፡ እዚኣቶም ግና ፍሉጣት ጠንቂታት እዮም" ይብል።
መንሽሮ ክሓውይ ዝኽእልን ዘይኽእልን ተባሂሉ ይፍለ ዶ?
ኣብ ኣመሪካ ብፍላይ ልዕሊ 45 ዓመት ዕድመ ዘለወን ኣደታት ብመንሽሮ ጡብ ከይህሰያ፡ ዓመታዊ ብግድን ምርመራ ከካይዳ ኣለወን። ኣብዚ ዝሓመማን ዘይሓመማን ተባሂሉ ኣይፍለይን፤ኩለን ክምርመራ ይግባእ።
ብፍላይ ኣደታት ብመንሽሮ ጡብን ኣፍደገ ማህፀንን ከይልከፋ፡ ዓመታዊ ይምርመራ። ኣብቲ ምርመራ ኣብ ሓንቲ ኣደ፡ ምልክት እንተተራእዩ፡ ካብታ ደቃቕ ፅኪ ቆንጢሮም ንምርመራ ይልኣኽ።
ንኣብነት፥ ኣብ ቨርሞንት ናብ ፕሮፌሰር ኣብዪ ይልኣኽ እሞ፡ መንሽሮ ምዃኑ ብምርመራ እንድሕር ኣረጋጊፅዎ፡ እታ ዝሓበጠት ብመጥባሕቲ ክትወፅእ ትግበር፤ ብኸምዚ ድማ እታ ኣደ ካብ መንሽሮ ናይ ምድሓን ዕድላ ዝለዓለ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ።
"ኣብ ኣመሪካ ዓመታዊ ኩሉ ሰብ ገንዘብ ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብግድን ክምርመር ኣለዎ፤ 'ስክሪኒንግ' ክበሃል እንተሎ ዳርጋ እቲ ሕማም ኣሎ ዶ የለን ምእላሽ ማለት እዩ። ሃብታም ከይዱ ድኻ ዝተርፈሉ ኣይኰነን። ዋግኡ እውን ትሑት እዩ። ኢንሹራንስ (መድሕን) እዩ ዝኸፍሎ። ኣብ ሓደ ሓደ ክልላት ድማ ብነፃ እዩ ዝወሃብ። ብሳላ እዚ ጥቡቕ ምርመራን ክትትልን ድማ ሞት ይንኪ" ብምባል ይገልፅ።
ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ገና ዘይዓበያ ሃገራት፡ ንኹሉ ሰብ ዓመታዊ ምርመራን ክትትልን ንምግባር ኣዝዩ ስለዘፀግም፡ ሰባት ሓሚሞም ብድሕሪኡ ናብ ማይጸሎት ተመላሊሶም እንድሕር ዘይተመሲሉሎም ናብ ሕክምና ይመፅኡ። ኣብ ሕክምና ብጋንኡ ብመሳርሒ ሃሰስ ኢልካ ርኢኻ ክሕከም ዝነበሮ፡ ብኢድካ ዝጭበጥ ሕበጥ ይኸውን እሞ ንምሕካሙ የፀግም።
"ግዜ ብዝወሰደ ቁፅሪ፡ ንኣብነት፥ እቲ ኣብ ጡብ ተላዒሉ ዝነበረ መንሽሮ ናብ ሓንጐል፣ ፀላም ከብድን ካልኦት ኣካላትን ብቐሊሉ ክላበድ ይኽእል። ብምኽንያት እዚ ድማ ክሓዊ ኣይኽእልን፤ ሞት ምፅባይ እዩ ዝኸውን" ይብል ዶ/ር ኣብዪ።
ንመንሽሮ ዝወሃብ ሕክምና ጨረር ከ እንታይ እዩ?
ብመሰረት መብርሂ ፕሮፌሰር ኣብዪ፡ ኣብ ከይዲ ምርመራ እታ መንሽሮ ምህላው ትሕብር ሕበጥ ዕብይ እንተኢላ፡ ብሰንቲሜትር ተዓቂኑ ይፍለጥ እዩ። ንሓደ ሓደ ሰብ ሕክምና ጨረር የድሕኖ እዩ። ብፍላይ እቲ ሕበጥ ዕንትር እንተኢሉ፡ መጥባሕቲ ጥራይ ኣይኣኽሎን። በቲ ጨረር እቲ ሕማም ይቕተል።
ስለ'ዚ ብመሰረተ ሓሳቡ፡ ሕማም መንሽሮ ኣቀዲምካ ብጋንኡ ክንፀርን ክፍለጥን እንተኽኢሉ ናይ ምሕዋይ ዕድሉ ዝሰፈሐ ይኸውን። ይሓዊ ዶስ ኣይሓውን ቅድሚ ምባል፡ ቅድመ መጠንቀቕታ የድልዮ። ኣብ ዓመት ክልተሻዕ፡ እንተወሃደ ግን ሓደሻዕ ምርመራ ምግባር፡ እቲ ሕማም ሱር ከይሰደደ ገና ብዕሸሉ እንተሎ ብሕክምና ንምምካን ዝበለፀ ይኸውን።
ብፍላይ መንሽሮ ጡብን ኣፍደገ ማህፀንን ኣቀዲምካ ብምንፃር ተፈሊጡ ማለት ናይ ምሕዋይ ዕድሉ ኣየማትእን።
መንሽሮ ኣብ ዕድመ ንእስነት ይኽሰት ዶ?
ልዕሊ 45 ዕድመ ዝገበራ ኣደታት ብጡብ መንሽሮ ይህሰያ። መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ግን ኣብ ደቂ 20 ዓመት መናእሰይ እውን ይረአ። መንሽሮ ጡብ ኣብ ትሕቲ 40 ብበዝሒ ኣይረአን። ገለ ሰባት ግን ብዘርኢ ተመሓሊፉ ዘጥቅኦም እውን ኣለዉ። ንኣብነት፥ ኣይሁድ ብፍላይ 'ኣስከናዢ ኣይሁድ' ዝበሃሉ ወላ እውን ኣብ ዕድመ ቁልዕነት ብበዝሒ ይህሰዩ። ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ዓሌት፡ እቲ መንሽሮ ኣሎ ዶ የለን ኢልካ ንምንፃር ኣቐዲምካ ፈተሻ ምክያድ ከምዘድሊ ፕሮፌሰር ኣብዪ የስተምህሩ።
መንሽሮ ሳምቡእ ኣቐዲምካ ንምንፃር ኣይካኣልን፡ዝተሓላለኸ እዩ። ኣብ ኣመሪካ ብዙሕ ይፃዓር'ሎ፤ ግና ዛጊድ ውፅኢታዊ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና ጠንቂን መከላኸልን መንሽሮ ሳምቡእ ንፁር እዩ። ሓደ ሰብ ሽጋራ ምስታይ እንድሕር ዘይጀመረ፡ ብመንሽሮ ሳምቡእ ናይ ምልካፍ ዕድሉ ኣዛዩ ትሑት እዩ። 90 ሚኢታዊት ጠንቂ መንሽሮ ሳምቡእ፡ ሽጋራ ምዃኑ ብዘየላጢ ርዱእ ክኸውን ኣለዎ።
ካብዚ ወፃኢ ብኻልኦት ጠንቂታት፡ ወይ ድማ ኣብ ካልእ ኣካሉ መንሽሮ ዝተለኸፈ ሰብ ብእዋኑ ሕክምና ብዘይምውሳዱ ናብ ሳምቡእ ክላበድ እንተዘይክኢሉ፡ ሽጋራን መንሽሮ ሳምቡእን ቀጥታዊ ርክብ ከምዘለዎም ክፍለጥ ይግባእ ይብሉ ኣብቲ ዓውዲ ዝለዓለ ምሁር ፕሮፌሰር ኣብዪ።
ኣብ ኣመሪካ ቁፅሪ ኣትከኽቲ ሽጋራ ብተኣምር ይንኪ'ሎ። ካብ 60ታት ኣትሒዙ እናነከየ ከምዝመፀአን
ኣብዚ ሕዚ እዋን ብውሑድ ቁፅሪ ከምዝግመትን ይግለፅ።
እዚ ድማ ህዝቢ ግንዛበኡ ይውስኽ ምህላዉ የርእየካ። ሽጋራ ዘፍርዩ ዝነበሩ ፋብሪካታት ብቢልዮናት ዶላር ተቐፂኦም እዮም። እቲ ብቕፅዓት ዝተረኸበ ገንዘብ ንመመሀሪ ሳዕቤን ሽጋራ ውዒሉ።
ኣብ ኢትዮጵያ እውን ህዝቢ ፍልጠት ክረክብ እንተኽኢሉ ካብቲ ሓደጋ ክድሕን ከምዝኽእል እቶም ፕሮፌሰር ገሊፆም።
ፕሮፈሰር ኣብዪ ወላ እኳ ኣብ ኣመሪካ ይንበር እምበር ሃገሩ ኣይረሰዐን። ናብ ኢትዮጵያ ብምምልላስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስን ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ ላዕለዋይ ሆስፒታል ዓይደርን ተረኺቡ ንሓካይም የምህር፤ ልምድን ዓቕሙን የሕልፍ፤ ዘድሊ ትምህርታዊ ናውቲ እውን ይሕግዝ ኣሎ። ብፍላይ ብዝመፀአ ቁፅሪ መጽሓፍቲ ካብ ምስካም ዓዲ ኣይወዓለን።
ፕሮፌሰር ኣብዪ ኣብ መንሽሮ ጡብን ኣፈደገ ማህፀንን ዝለዓለ ተመራማሪ ኰይኑ ድሕሪ ምፅናሕ ሕዚ ድማ 'ኢሚኖሂስቶኬሚስትሪ' ማለት ድማ፡ ናብ ዝዓመቘ እንታይ ዓይነት መንሽሮ ጡብ ኢሉ ዘሊቑ ዝኣትው ምርምር ኣብ ምክያድ ይርከብ። እዚ ዓውዲ መፅናዕቲ እዚ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ገና ኣይተጀመረን።
"እዚ መፅናዕቲ እዚ፡ መንሽሮ ጡብ ምስተነፀረ እንታይ ዓይነት መንሽሮ ጡብ ብምባል ናብ ውሽጢ ዘሊቑ ዝኣትው ዓውዲ ምርመራ እዩ። ክልተ ዓይነት ኣሎ፤ መንሽሮ ብመሰረቱ ፅቡቕ ዝበሃል የብሉን ግን፡ ዕብይ ዝበለ ሕማቕን ንእስ ዝበለ ሕማቕን ከም ምባል ንበሎ። ነዚኦም ንምንፃር ዝግበር ምርመራ እዩ" ፕሮፌሰር ኣብዪ ኣብዚ ዓውዲ እዚ ኣብ ኣመሪካ ፍሉጥ ላዕለዋይ ክኢላ ኰይኑ'ሎ። ምስ ከምኡ ዝበሉ ክኢላታት ብሓባር ይሰርሑ።
"በዚ ምርመራ ዝተነፀረ መንሽሮ ጡብ፡ እቲ ዝሓሸን መድሓኒት ዘለዎን እዩ። እዚ ዓውዲ'ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክጅምሩ ስለዝደለዩ፡ ትምህርቲ ይህብ ኣለኹ" ብምባል የብርህ።
ብተመሳሳሊ ሓሙሽተ ኣባላት ዝሓዘ፡ ማሕበር ኢትዮጵያውያን ፓቶሎጂስታት እውን ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ተመስሪቱ እዩ። ኣብዚ ፕሮፌሰር ኣብዪ ምስ መሓዙቱ ብምዃን ርኡይ ፃዕሪ ኣካይዱ እዩ።
ዝርገሐ መንሽሮ ኣብ ኢትዮጵያ
ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ውሱናት ዓመታት ብዙሕ ደሃዩ ዘይፍለጥ ዝነበረ፡ ካብ ቀረባ ዓመታት ንነዘ ብዙሓት ሰባት ብመንሽሮ ይህሰዩ ከምዘለዉ ይፍለጥ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተማለአ ሕክምና ስለዘይርከብ ድማ ግዳያት ናብ ታይላንድን ህንድን ከይዶም ንኽሕከሙ ስድራቤታት ክሳብ ገዛውቶም ምሻጥ ይበፅሑ። ህዝቢ እውን ገንዘብ ኣዋፂኡ ወገናቱ ኣብ ምሕካም በፂሑ'ሎ። ኣብ መንጐ እዚ፡ ግዜ ስለዝወስድ፡ ገሊኡ ይምሰለሉ፤ ገሊኡ ድማ ኣይዀነሉን።
ንምዃኑ ዝርገሐ እቲ ሕማም፡ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ?
"ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን፡ ዝተወሰነ መፅናዕቲ ተገይሩ እዩ። ምስቲ ዝፍጠር ዘሎ ለውጢ ኣነባብራ፡ ቁፅሪ በቲ ሕማም ዝህሰ ሰብ ይውስኽ'ሎ። ኣብዚ ዘጠራጥር ነገር የለን። ኰይኑ ግና ቁፅሪ ሕሙማትን እቲ ዝወሃብ ኣገልግሎት ሕክምናን ኣይተጠዓዓመን።
"ካብዚ ብምብጋስ፡ ሓደ ሰብ መንሽሮ ክሓምም እንተሎ ናበይ እዩ ዝኸይድ? ብምንታይ እዩ ዝሕከም? እንተኢልካ ሕክምንኡ ድማ ክባር እዩ። በዚን ክንድ'ዚን ሽግር'ሎ። ሕዚ እቲ ዋና ክስመረሉ ዘሎ፤ መንሽሮ ምስ ሓዘካ ምሕካም ተይኰነስ ንኸይሕዘካ ክትገብሮ ዝግባእ ስራሕ እዩ እቲ ቀንዲ ተግባር" ብምባል የረድእ።
ምክልኻል ሕማም መንሽሮ ይከኣል ዶ?
መንሽሮ ዝተሓላለኸ ጥዕናዊ ፀገም ምዃኑ ርዱእ ካብ ኰነ፤ እሞ ድማ ሕክምንኡ ከቢድ ምስ ምዃኑ፤ ቅድሚ ሕማም ምክልኻል ይከኣል ዶ? ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ እዩ። መንሽሮ ቅድሚ ምንቃሉ ምክልኻል ዝከኣለሉ ኩነታት ኣሎ። እቲ ምክልኻሉ ከከም ዓይነታት መንሽሮ ክፈላለ ይኽእል።
ብመሰረት መብርሂ እቶም ምሁር፡ ንኣብነት፥ መንሽሮ ሳምቡእ ንምክልኻል ሽጋራ ዘይምትካኽ ወይ ድማ ምቁራፅ፣ ልዕሊ ዓቐን ኣልኮላዊ መስተ ዘይምውሳድ ምዃኑ ተገሊፁ ኣሎ። ብዙሕ መስተ እሞ ድማ ደጋጊሙ ዝሰቲ ሰብ ንመንሽሮ ፀላም ከብዲ ብቐሊሉ ይህሰ። ዓቐን ዘይብሉ መስተ ጠንቂ ካልኦት ዓይነታት መንሽሮ እውን ይኽእል። ንኣብነት፥ ንመንሽሮ ጣፍያ፣ ፍሕኛን ካልኦትን ከንቅል ይኽእል። ኣብ መንጐ ሰታይን ዘይሰታይን ሰብ ርኡይ ዝዀነ ኣፈላላይ ይረአ። እዚ ድማ ብቐሊሉ ምክልኻል ይከኣል እዩ።
ኣመጋግባና እውን ኬሚካል ዘለዎን ዝተዓሸገን ምግቢ ብበዝሒ ዘይምብላዕ፤ ብእግርኻ ምኻድ (ስፖርት ምስራሕ)፣ ክብደትካ ብምንካይን ካልኦት ጥዕናዊ መንገድታት ምትግባር ኣቐዲምካ ካብ መንሽሮ ምህዳም ይከኣል።
እቲ ሕማም ዳርጋ ናይ ሃብታም ሰብ ሕማም ዝበሃለሉ ኩነታት ኣሎ። ጮማን ሓኸለን ምብዛሕ፣ እሞ ድማ ምስኡ ዘይምውስዋስ ዝያዳ የቃልዕ። መኪና ገዲፍካ ብበዝሒ ብእግርኻ ምኻድ፣ ሓምሊ ኣድርን ሽሮን ምብዛሕ ልዑል ተመራፅነት ኣለዎ።
"መንግስቲ ክወስዶ ዝግበኦ ስጉምቲ እውን'ሎ፤ ትኪ መካይን ንምንካይ ዝኣረጋ መካይን ኣገልግሎት ከይህባ ምግባር ሓደ ሜላ መከላኸሊ ምዃኑ ብኣግባቡ ክፍለጥ ኣለዎ" ኢሉ።
በጀት መንግስቲ እውን ኣብ ምንታይ ክውዕል ኣለዎ ዝብል ክፅናዕ ኣለዎ ይብል ፕሮፌሰር "ንኣብነት፥ መንሽሮ ሓንጐል ንምክልኻል ክንድ'ዚ ገንዘብ ንመድብ ከበሃል እንተኽኢሉ፡ ምናልባሽ ኣብዚ ዓዲ ብበዝሒ ዘይክህሉ ይኽእል እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ብበዝሒ እዩ ዝረአ፤ ጠንቁ ድማ ረኽሲ እዩ፤ ብቫይረስ እዩ ዝለዓል፤ ብኣመንዝራን መከላኸሊ ብዘይብሉን ጥንቃቐ ብዝጐደሎን ፆታዊ ረኽቢ ይመፅእ። ግን ድማ ግዜ ከይወሰደ እንተተነፂሩ ማህፀን ከየውፃእኻ ክድሕን ዝኽእል ሕማም እዩ። ምናልባሽ መንሽሮ ጡብ ንምክልኻል ዓመታዊ ምርመራ ንምክያድ ከም ሃገር ክቡር እዩ፤ መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ግን ቀሊል እዩ" ብምባል ይገልፅ።
ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሮ ዘሎ ሕብረተሰባዊ መድሕን፡ ብፍላይ ኣብ ገጠር ህዝቢ ገንዘብ ክውህልል ይግበር ስለዘሎ፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ነቲ ብበዝሒ ዝረአ ዘሎ መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ኣቐዲምካ ንምክልኻል ክሕግዝ ከምዝኽእል እቶም ምሁር ተዛሪቦም።
ፕሮፌሰር ኣብዪ ኣምባየ ኣብ መቐለ ኣብ ጅብሩኽን ቀበሊ 14ን እዩ ዓብዩ። ኣብታ ዝመፅአላ ግዜ ምስቶም ስዋ እናሰተዩ ዝዓበዩ ኣዕሩኹ ይራኸብ። ካብ ኢትዮጵያ ካብ ዝወፅእ 37 ዓመታት፡ ካብ ትግራይ ካብ ዝወፅእ ድማ 42 ዓመታት ገይሩ'ሎ። ፕሮፌሰር ኣብዪ ኣቦ ክልተ ኣዋልድ እዩ።
ምስቶም ሞያዊ መሓዙቱ ኰይኑ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክልኒክ ከፊቶም ስለዘለዉ ናብ ዓዲ ምልስ ምልስ ይብል'ሎ። መንግስቲ ትግራይ ድማ ምስ ምሁራን ተደጋጊፉ ንምስራሕ ዝጀመሮ ለውጢ ኣዝዩ ከምዝንእድን ምስ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል እውን ተራኺቡ ከምዝዘተየን ገሊፁ።
"ዘይረ ዘይረስ ናብ ዓደይ ገፀይ እየ" እዩ ዝብል።