ጣሊባን፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋን #ክዳነይኣይትንክኡለይ ይብላ ኣለዋ

ኣብ ጉግል፡ ብኢንግሊዘኛ "ባህላዊ ክዳውንቲ ኣፍጋኒስታን" ኢልኩም እንተጽሒፍኩም፡ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ ብዙሓት ባህላዊ ክዳውንቲ ክመጽኣልኩም'ዩ።

እዚ ክዳን፡ ብኢድ ዝተሰርሐ ጥልፍን ዝተፈላለየ ቅድታት ዘለዎን እዩ።

ገሊኦም ፍሉያት'ዮም። ኣብ ከባቢ ደረት ብጥንቃቐ ዝተቐመጡ ናኣሽቱ መስትያት ዝመስሉ መጋየጺታት ዘለዎም ነዋሕቲ ቀምሻት ኣለው።

እዞም ክዳውንቲ 'ኣታን' ተባሂሉ ንዝጽዋዕ ብሄራዊ ትልሂት ኣፍጋኒስታን ኣዝዮም ምቹኣት ስለ ዝኾኑ፡ ከም ድላይካ ሕምብሊል ትብለሎም።

ካብታ ሃገር ወጻኢ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን ድማ ኣብ ኢንተርነት ኣንጻር ጣሊባን ዘውጽኦ ጥቡቕ ሕጊ ኣከዳድና ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ተቓውሞ ጀሚረን።

እዚ #ክዳነይኣይትተንክፉለይ ከምኡ'ውን #ባህሊኣፍጋኒስታን ብዝብሉ ሃሽታጋት ዝተጀመረ ጎስጓስ፡ ብዙሓት ካብታ ሃገር ወጻኢ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ ባህላዊ ክዳውንቲ ተኸዲነን ክመርሕኦ ጀሚረን ኣለዋ።

እተን ሕጂ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ጎስጓስ ዘካይዳ ዘለዋ ኣፍጋናውያን፡ ከካብ ዝመጽኣሉ ዞባ እታ ሃገር ቆብዕን ኣብ ርእሲ ዝቕመጡ ከበድቲ መጋየጺታትን ገይረን እውን ይርኣያ።

ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት፡ ነቲ ክዳን ናብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ስራሕ ዝኸዳ ደቂ ኣንስትዮ መዓልታዊ ተኸዲነንኦም'የን።

ሓሓሊፉ እቲ ዝኽደንኦ ብጂንስ ስረ ተተኪኡ፡ እቲ ሻርፓ ድማ ኣብ ርእሰን ክጥምጠምኦ ጸኒሐን።

ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ካብ ዝቆጻጸር ንድሓር ግን፡ ስርዓት ኣከዳድና ደቂ ኣንስትዮ ከመይ ክመስል ኣለዎ ዝብል መምርሒ ስለ ዝተዋህበ ክትዕ ተላዒሉ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ቐዳመ ሰናብቲ፡ ነቲ ናይ ጣሊባን መምርሒ "ዝደገፋ ደቂ ኣንስትዮ" ነዊሕን ሙሉእ ነብሰን ዝሽፍንን "ዕባያ" [ገጸንን ርእሰንን ዝሽፍን ምሉእ ቀምሽ] ተኸዲነን ገጸንን ኣእዳወንን ተሸፊነን ኣብ ካቡል ሰልፊ ክገብራ ተራእየን።

ኣብ ሓደ ቪድዮ፡ እተን ነቲ ጣሊባን ዝወደቦ ሰልፊ ደጊፈን ዝወጽኣ ደቂ ኣንስትዮ "መመላኽዒ [ሜክኣፕ] እትጥቀምን ዘመናዊ ክዳን እትኽደንን ኣፍጋናዊት ንኣስላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣፍጋን ኣይትውክልን'ያ" ኢለን።

ብተወሳኺ "ምስ ሕጊ ሸሪዓ ዘይቃዶን ናይ ምዕራባውያን ዝኾነን ናጽነት ደቂ ኣንስትዮ ኣይንደልን" ብምባል ነቲ ጽኑዕ እስላማዊ ሕጊ ጣሊባን ዘለወን ደገፍ ክገልጻ ተራእየን።

ድሕሪ እዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ኣፍጋን ደቂ ኣንስትዮ ምላሽ ንምሃብ ግዜ ኣይወሰደለንን።

ብቐጥታ ናብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብምኻድ ተቓውምአን ክገልጻ ጀሚረን።

እዚ ኣብ ኣፍጋኒስታን ፕሮፌሰር ታሪኽ ዩኒቨርሲቲ ኣመሪካ ብዝነበረት ዶክተር ባሃር ጃላሊ ዝተጀመረ ጎስጓስ፡#DoNotTouchMyClothes ከምኡ'ውን #AfghanistanCulture ብዝብል ሃሽታጋት ኣብ ባህላዊ ክዳውንቲ እታ ሃገር ትኹረት ዝገበረ ጎስጓስ ጀሚራ።

ዶክተር ጃላሊ፡ "መንነትን ሉእላውነትን ኣፍጋኒስታን ኣብ ዓብዪ ሓደጋ ወዲቑ ዝብል ስግኣት ስለ ዝሓደረኒ" ነዚ ጎስጓስ ክጅምር ደሪኹኒ ትብል።

ሓምላይ ሕብሪ ዘለዎ ክዳን ተኸዲና ድማ ኣብ ትዊተር ናይ ባዕላ ስእሊ ጠቂዓ።

ካልኦት'ውን "ሓቀኛ ገጽ ኣፍጋኒስታን ንምርኣይ" ናይ ባዕልኽን ስእሊ ጠቅዓ ክትብል ጸዊዓ።

"እቲ፡ ኣብ ሚዲያታት ዝተራእየ [ደገፍቲ ጣሊባን ዝተኸደንኦ ክዳን] ናትና ባህልን መንነትን ከም ዘይኮነ ዓለም ክፈልጥ ይደሊ እየ" ትብል።

ብዙሓት ነዞም ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎም ባህላዊ ክዳውንቲ ኣፍጋኒስታን ዝለመዳ ዜጋታት እታ ሃገር፡ እቲ ኢድካን ገጽካን ዝሽፍን ክዳን ናይ ደገ ጽልዋ ዘለዎ'ዩ ኢለን ይኣምና።

ኩለን ዞባታት ኣፍጋኒስታን ዝተፈላለየ ባህላዊ ኣከዳድና እኳ እንተለወን ብብዝሒ ሕብርን ዘብለጭልጩ ጥልፍን ተመሳሰልቲ እዮም።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ክኣ፡ ክዳውንትና መንነትና'ዮም ዝብል ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣለወን።

"እዚ እቲ ቕኑዕ ክዳን ኣፍጋን'ዩ፤ ኣፍጋናዊት ጓል ኣንስተይቲ ድማ ከምዚኦም ዝበሉ ምዕሩጋትን ሕብሪ ዘለዎምን ክዳውንቲ'ያ ትኽደን። እቲ ጸሊም ቡርቃ/ዕባያ ባህሊ ኣፍጋን ኮይኑ ኣይፈልጥን" ክትብል ኣብ ቨርጂኒያ እትነብር ተሓላቒት መሰላት ኣፍጋን ስፖዝመይ ማሴድ ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።

ወሲኻ፡ "ንዘመናት እስላማዊት ሃገር እያ ነይራትና። ኣዴታትና ግን እቲ ናይ ኣዕራብ ጸሊም ቡርቃ ወይ ሰማያዊ 'ቻዳሪ' ዘይኮነ ናይ ባዕለን ባህላዊ ክዳውንቲ'የ ዝኽደና። እቶም ባህላዊ ክዳውንትና ነቲ ሃብታም ባህልናን ን5 ሽሕ ዓመታት ኩሉ ኣፍጋናዊ ዝሕበነሉ መንነትን ዝውክሉ'ዮም" ኢላ።

እዚአን፡ ኣብተን ዓቃባውያን ዝበሃላ ከባቢታት እታ ሃገር ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ እንተኾና'ውን ኒቓብ [ገጽኻ ዝሽፍን ጸሊም ክዳን] ክኽደና ርኢና ኣይንፈልጥን ብምባል እየን ዝካትዓ።

"ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን ብባህልና እንሕበን ምዃንናን መንነትና ብሓደ ጉጅለ ራዕዲ ዝውሰን ከም ዘይኮነን ንምርኣይ'የ እቲ ስእሊ ጠቂዐዮ፤ ባህልና ጸሊም ኣይኮነን፤ ጸሊምን ጻዕዳን'ውን ኣይኮነን፤ እኳ ድኣ ሕብራውን ምዕሩግን'ዩ። ኣብ ውሽጡ ጥበብን መንነትን ኣሎ" ትብል ጓል 37 ዓመት ተመራማሪት ኣፍጋን ሊማ ሓሊማ ኣሕመድ።

ሊማ፡ መስራቲት ኣብ ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ትኹረት ዝገብር ማሕበር ፓይዋንድ ኣፍጋን'ያ። ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ከኣ ኣብታ ሃገር ተቐሚጣን ሰሪሓን።

ካብዚ ብምብጋስ፡ "ደቂ ኣንሰትዮ ምርጫ ነይሩወን። ኣደይ ነዊሕ ቀምሽን መሸፈኒ ገጽን ትገብር'ያ፤ ካልኦት ከኣ ንእሽ ዝበለ ይገብራ። ስለዚ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝተጻዕነ ናይ ኣከዳድና ሕጊ ኣይነበረን። ከም ዜጋታት እታ ሃገር ሙሉእ ሰብነትካ ምሽፋን ዝብል፣ ኢድካን ዓይንኻን ዘየርኢ ክዳን ርኢና ኣይንፈልጥን። እዚ ግን [ኣብቲ ሰልፊ ዝርአ ብፍሉይ ትእዛዝ ዝተገብረ'ዩ ዝመስል" ትብል።

ኣብ ቼክ ሪፐብሊክ እትርከብ ማላሊ በሽር ዝተባህለት ጋዜጠኛ'ውን ኣብዚ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ጎስጓስ ተሳቲፋ'ያ።

ብተወሳኺ "ጽባቐ ባህልና ንምርኣይ" ብዝብል ባህላዊ ክዳን ዝተኸደና ኣፍጋናውያን ደቂ ኣንስትዮ ስኢላ።

ድሕነት ስድራቤታ ንምሕላው ሽሙ ኣብ ዘይረቑሐቶ ከባቢ እታ ሃገር ክትዓቢ እንከላ፡ "ቡርቃ/ ዕባያ ይኹን ጸሊም ወይ ሰማያዊ ክዳን ልሙድ ስለ ዘይኮነ ደቂ ኣንስትዮ ባህላዊ ክዳን እየን ዝኽደና። ዓበይቲ ኣዴታት ጸሊም መሸፈን ክገብራ እንከለዋ መንእሰያት ከኣ ሕብራዊ ሻርፓታት ይጥምጠማ። ጓል ኣንስተይቲ ከኣ ንወዲ ተባዕታይ ሰላም ክትብሎ እንከላ ኢዱ ትጭብጦ'ያ" ትብል።

ኣብ ቀረባ ግን [ጣሊባን ምስ መጽአ] ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ሰፍ ዘይብል ጸቕጢ ይግበር ኣሎ ክትብል ትምጉት።

"ባህለን ንክቕይራ፣ ሙሉእ ነብሰን ክሸፋፈና ወይ ድማ ካብ ህዝባዊ መድረኻት ከምዝእለያ ይግበር ኣሎ። ነዚ ንምቅዋም ከኣ ስእለይን ሓደ ካብ ቅብኣታተይ ዝኾነ ሓንቲ ባህላዊ ክዳን ተኸዲነ "ኣታና" ዝተባህለ፡ ብሄራዊ ትልሂት ኣፍጋኒስታን ናይ እትልሀ ጓል ኣንስተይቲ ዘርኢ ምስሊ ጠቂዐ"።

ሰብ መዚ ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ንሕጊ ሸሪዓን ከባቢያዊ ባህላዊ ልምድታትን ማእከል ብዝገበረ ክሰርሓን ክምሃራን ክፍቀደለን'ዩ እኳ እንተበሉ፡ ጥቡቕ ሕጊ ኣከዳድና ግን ተግባራዊ ክገብራ ግድን ከም ዝኾነ ገሊጾም'ዮም።

ገለ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ነዚ ተቐቢለን ነቲ ኣብ ከባቢ ዓይነን ጥራይ መንፊት መሳሊ ክፍተት ዘለዎ "ቻዳሪ" ዝተባህለ ሰማያዊ ክዳን ተኸዲነን ክራኣያ ጀሚረን።

ሚኒስትር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዓብዱል ባቂ ሃቃኒ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ገጸን ክሽፈና ግድን ከም ዝኾነ ገሊጹ።

እንተኾነ ርእስኻ ወይ ገጽኻ ምሽፋን ግድን ድዩ ዝብል ግልጺ ኣይገበረን።